ምዕራፍ ሰለስተ
ተፈቲኖም ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ተረኽቡ!
1, 2. ከም መእተዊ ጸብጻብ ዳንኤል ኰይኑ ዘገልግል እንታይ ኣገደስቲ ፍጻመታት ኢዩ፧
ትንቢት ዳንኤል ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ኣገዳሲ ለውጢ ኣብ እተራእየሉ ግዜ ኢያ እትጅምር። ነነዌ ርእሲ ኸተማ ኣሶር ኣብ ኢድ ካልኦት ዝወደቐትሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ግብጺ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ይሁዳ ዝነበረ ቦታ ጥራይ ብምቍጽጻር ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብላ ሃገር ዝዀነትሉ ግዜ ኢዩ። ባቢሎን ከኣ ኣብቲ ሓይሊ ዓለም ንምዃን ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ጸብለልትነት ተርኢ ነበረት።
2 ብ625 ቅ.ኣ.ዘ. ግብጻዊ ፈርኦን ኔኮ ነቲ ባቢሎን ብሸነኽ ደቡብ ትገብሮ ዝነበረት ምስፍሕፋሕ ንምግታእ ናይ መወዳእታ ጻዕሪ ገበረ። ነዚ ንምግባር ከኣ ሰራዊቱ መሪሑ ናብታ ኣብ ደናድስ ላዕለዋይ ርባ ኤፍራጥስ ዝነበረት ከርከሚሽ ከደ። ከምቲ ጸኒሑ እተፈልጠ ኲናት ከርከሚሽ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ፍጻሜ ኢዩ ነይሩ። ሓይልታት ባቢሎን በቲ ክነግስ ዝነበሮ መስፍን ነቡካድነጻር ተመሪሖም ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፈርኦን ኔኮ ከቢድ ክሳራ ኣውረዱ። (ኤርምያስ 46:2) ነቡካድነጻር ዓወቱ ብምቕጻል ናብ ኣሶርን ጳለስጢናን ገጹ ብምስፍሕፋሕ ኣብዚ ቦታ እዚ ንዝነበረ ኵሉ ግዝኣት ግብጺ መወዳእታ ገበረሉ። ሞት ኣቦኡ ናቦፖለጻር ጥራይ ንግዜኡ ደው ኣቢልዎ ነበረ።
3. እቲ ነቡካድነጻር ኣንጻር የሩሳሌም ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ወፍሪ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧
3 ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት ነቡካድነጻር—ኣብዚ ግዜ እዚ ንጉስ ባቢሎን ኰይኑ ነበረ—ነቲ ኣብ ኣሶርን ጳለስጢናን ዝገብሮ ዝነበረ ወተሃደራዊ ወፍርታት እንደገና ጀመሮ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ኢዩ ንመጀመርታ ግዜ ናብ የሩሳሌም ዝመጸ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸብጻብ ይህበና:- “ብዘመኑ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ደየበ እሞ: ዮያቂም ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ተገዝኦ። ግናኸ መሊሱ ዐለዎ።”—2 ነገስት 24:1
ነቡካድነጻር ኣብ የሩሳሌም
4. እቲ ኣብ ዳንኤል 1:1 ዘሎ “ንመንግስቲ ዮኣቂም . . . ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ” ዝብል መግለጺ ብኸመይ ኢና ክንርድኦ ዘሎና፧
4 እተን ኣብ ዳንኤል ዘለዋ ናይ መእተዊ ቃላት “ንመንግስቲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ: ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ ከበባውን” ስለ ዝብላ እቲ “ክሳዕ ሰለስተ ዓመት” ዝብል መግለጺ ብፍላይ የገድሰና ኢዩ። (ዳንኤል 1:1) ዮኣቂም ካብ 628 ክሳዕ 618 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ገዚኡ። ካብቲ ምሉእ ንጉስ ዝዀነሉ ግዜ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ድማ ነቡካድነጻር ገና ክነግስ ዘለዎ መስፍን ጥራይ ድኣምበር “ንጉስ ባቢሎን” ኣይነበረን። ብ620 ቅ.ኣ.ዘ. ነቡካድነጻር ንዮኣቂም ግብሪ ክኸፍል ኣገደዶ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግን ዮኣቂም ዓለወ። ስለዚ ኸኣ ብ618 ቅ.ኣ.ዘ. ወይ ካብቲ ዮኣቂም ንባቢሎን ዝግብር ንጉስ ዝዀነሉ ግዜ ጀሚርካ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ኢዩ ነቡካድነጻር ነቲ ዝዓለወ ዮኣቂም ንምቕጻዕ ናብ የሩሳሌም ንኻልኣይ ግዜ ዝመጸ።
5. እቲ ነቡካድነጻር ኣንጻር የሩሳሌም ዝገበሮ ካልኣይ ወፍሪ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧
5 ውጽኢት ናይዚ ከበባ እዚ ኸኣ ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ:- “እግዚኣብሄር ድማ ንዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ካብ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሓደ ኽፍልን ኣብ ኢዱ ሀቦ።” (ዳንኤል 1:2) ዮኣቂም ኣብ መጀመርታ ናይቲ ከበባ እንተ ብቕትለት እንተ ኣብቲ ዝገበሮ ዕልወት ብእተላዕለ ዕግርግር ሞተ። (ኤርምያስ 22:18, 19) ብ618 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ወዲ 18 ዓመት ዝነበረ ወዱ ዮያኪን ኣብ ክንድኡ ነገሰ። እንተዀነ ግን: ዮያኪን ብ617 ቅ.ኣ.ዘ. ስለ እተማረኸ ንሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ጥራይ ኢዩ ነጊሱ።—ምስ 2 ነገስት 24:10-15 ኣረኣእዮ።
6. ነቡካድነጻር ነቲ ካብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝወሰዶ ቅዱስ ኣቕሑ ንምንታይ ተጠቕመሉ፧
6 ነቡካድነጻር ነቲ ኣብ ናይ የሩሳሌም ቤት መቕደስ ዝነበረ ቅዱስ ኣቕሑ ዘመቶ: “ናብ ሃገር ሲንኣር ናብ ቤት ኣምላኹ ወሰዶም: ነቲ ኣቓሑውን ኣብ ቤት መዝገብ ኣምላኹ [ማርዱክ ወይ ብእብራይስጢ መሮዳክ] ኣእተዎ።” (ዳንኤል 1:2፣ ኤርምያስ 50:2) ነቡካድነጻር ብዛዕባ ቤት መቕደስ ማርዱክ ከምዚ ዝስዕብ ከም ዝበለ ዝገልጽ ናይ ባቢሎን እተወቕረ ጽሑፍ ተረኺቡ ኢዩ:- “ነቲ ብሩርን ወርቅን ክቡር ኣእማንን ኣብ ውሽጢ ኣቐመጥክዎ . . . ነቲ ናይ መንግስተይ ቤት መዝገብ ከኣ ኣብኡ ኣቘምክዎ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብዛዕባ ንጉስ ቤልሻጽር ጸኒሕና ክንማሃር ከሎና ነዚ ቅዱስ ኣቕሑ ዝምልከት እንደገና ክንርኢ ኢና።—ዳንኤል 5:1-4
እቶም ዝበለጹ መንእሰያት የሩሳሌም
7, 8. ካብ ዳንኤል 1:3, 4 ከምኡውን 6 ብዛዕባ መበቈል ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ብጾቱን እንታይ ኢና ክንድምድም እንኽእል፧
7 ካብቲ ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ዝነበረ ኣቕሑ ዝበልጽ ካልእ እውን ናብ ባቢሎን ተወሲዱ ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እቲ ንጉስ ከኣ ንኣሽፈናዝ: ሓለቓ እቶም ስሉባቱ: ካብ ደቂ እስራኤል: ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን መንእሰያት ኬምጽእ ነገሮ። እዚኣቶም ከኣ ጕድለት ዜብሎምን መልክዔኛታትን ብዅሉ ጥበብ መስተውዓልትን ምሁራትን ኣእምሮኛታትን ኣብ ኣዳራሽ ንጉስ ምቛም ዚኽእሉን ኪዀኑ።”—ዳንኤል 1:3, 4
8 እንመን ኢዮም ተመሪጾም፧ ከምዚ ነንብብ:- “ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳ፤ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ።” (ዳንኤል 1:6) እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ መበቈል ዳንኤልን ብጾቱን ገለ ነገር ዝሕብር ኢዩ። ንኣብነት: ካብቶም ናይ ንግስነት መሰል ዝነበሮም “ደቂ ይሁዳ” ምዃኖም ንርዳእ። ካብቲ ናይ ንግስነት መስመር ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ እንተወሓደ ካብቶም ፍሉጣትን ጽልዋ ዝነበሮምን ስድራቤት ዝመጹ ምዃኖም ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ብኣእምሮን ኣካልን ጥዑያት ኣብ ርእሲ ምዃኖም: ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን ዝነበሮም: ኣብቲ “መንእሰያት” ተባሂሎም ክጽውዕሉ ዝኽእሉ ናይ መጀመርታ ዕድመ ኰተቴ ኢዮም ዝርከቡ ነይሮም። ዳንኤልን ብጾቱን ካብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ መንእሰያት ፍሉያት—ብሉጻት—ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም።
9. ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ብጾቱን ንኣምላኽ ዝፈርሁ ወለዲ ከም ዝነበርዎም ርግጽ ዝመስል ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ወለዲ ናይዞም መንእሰያት እዚኣቶም መን ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ኣይነግረናን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ከም ወለዲ መጠን ዝነበሮም ሓላፍነት ኣርዚኖም ዝርእዩ: ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ምንባሮም ርግጽ ኢዩ ዝመስል። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ የሩሳሌም ብፍላይ ኣብ መንጎ እቶም “ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን” ዝነበረ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ምብልሻው ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዳንኤልን ሰለስተ ብጾቱን ዘርኣይዎ ብሉጽ ባህርያት ብኣጋጣሚ ዝመጸ ከም ዘይነበረ ርግጽ ኢዩ። እቶም ወለዲ ደቆም ናብ ርሑቕ ሃገር ክውሰዱ ምስ ረኣዩ ጕህዮም ክዀኑ ኣለዎም። እቲ ውጽኢት ዝፈልጥዎ ነይሮም እንተዝዀኑ ግን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ምተሓበኑ ነይሮም! ወለዲ ንደቆም ‘ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ከዕብይዎም’ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ!—ኤፌሶን 6:4
ናይ ኣእምሮ ቃልሲ
10. እቶም እብራውያን መንእሰያት እንታይ ኢዮም እተማህሩ: ዕላማ ናይዚ ትምህርቲ እዚኸ እንታይ ነበረ፧
10 ብኡንብኡ እዞም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ መንእሰያት ኣንጻር እቲ ንኣእምሮኦም ዘበላሹ ክቃለሱ ነበሮም። ነቡካድነጻር ነቶም እብራውያን መንእሰያት ምስቲ ናይ ባቢሎን ኣገባብ ከም ዝሰማምዑ ገይርካ ንምቕራጽ “ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን . . . ኪምህርዎም” ነቶም ሰበ-ስልጣን ኣዘዞም። (ዳንኤል 1:4) እዚ ተራ ትምህርቲ ኣይነበረን። ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ እተባህለ ናይ እንግሊዝኛ መዝገበ-ፍልጠት እቲ ትምህርቲ “ናይ ሳመሪያን: ኣከድያን: ኣረማይስጢ . . . ከምኡውን ካልእ ቋንቋታትን በዚ ቋንቋታት እዚ እተጻሕፈ ብዙሕ ስነ-ጽሑፋትን ዘጠቓልል” ምንባሩ ይገልጽ። እዚ ‘ብዙሕ ስነ-ጽሑፋት’ ተባሂሉ ዘሎ ታሪኽ: ቍጽሪ: መጽናዕቲ ከዋኽብትን ካልእን ዝሓቘፈ ነበረ። ይኹን እምበር: “ምስኡ ሓቢሩ ፋል ከምኡውን ምቝጻር ከዋኽብቲ ዘጠቓልል ሃይማኖታዊ ጽሑፋት . . . ዓቢ ግደ ነይርዎ ኢዩ።”
11. እቶም እብራውያን መንእሰያት ምስቲ ናይ ባቢሎን ናይ ቤተ-መንግስቲ ናብራ ከም ዝሰማምዑ ንምግባር እንታይ ስጕምትታት ኢዩ እተወስደ፧
11 እዞም እብራውያን መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ናይ ባቢሎን ቤተ-መንግስቲ ዝነበረ ልምድን ባህልን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክለምድዎ “እቲ ንጉስ . . . ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎም። ሰለስተ ዓመት ኪምገቡ: ብድሕርዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቘሙ: ኢሉ ኣዘዘ።” (ዳንኤል 1:5) ኣብ ርእሲ እዚ “እቲ ሓለቓ ስሉባት . . . ስማት ኣውጽኣሎም፤ ንዳንኤል ቤልጥሻጽር: ንሃናንያ ሲድራቅ: ንሚሻኤል ሚሳቅ: ንኣዛርያ ድማ ዓብድ-ኔጎ ኢሉ ሰመዮም።” (ዳንኤል 1:7) ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ፍሉይ ነገር ምስ ዘጋጥሞ ሓድሽ ስም ምሃብ እተለምደ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: የሆዋ ንኣብራምን ሳራይን ናብ ኣብራሃምን ሳራን ዝብል ስም ቀየረሎም። (ዘፍጥረት 17:5, 15, 16) ንሰብ ስሙ ምቕያር ናይ ስልጣን ወይ ዕብላለ ንጹር ምልክት ኢዩ። ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ናይ መግቢ ሓላፊ ምስ ኰነ ፈርኦን ጻፍናት-ጳዕናሕ ኢሉ ሰመዮ።—ዘፍጥረት 41:44, 45፣ ምስ 2 ነገስት 23:34፣ 24:17 ኣረኣእዮ።
12, 13. ምልዋጥ ኣስማት ናይቶም እብራውያን መንእሰያት ንእምነቶም ንምድኻም እተገብረ ውዲት ነይሩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ናይ ዳንኤልን ሰለስተ እብራውያን ኣዕሩኽቱን ስም ምቕያር ግን ፍልይ ዝበለ ኢዩ ነይሩ። እቲ ወለዶም ዘውጽኡሎም ኣስማት ምስ ሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ። “ዳንኤል” ትርጕሙ “ፈራድየይ ኣምላኽ ኢዩ” ክኸውን ከሎ “ሃናንያ” ኸኣ “የሆዋ ስምረቱ ሂቡ” ማለት ኢዩ። “ሚሻኤል” ድማ “መን ከም ኣምላኽ፧” ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ “ኣዛርያ” ኸኣ “የሆዋ ይሕግዝ” ማለት ኢዩ። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብመሪሕነት የሆዋ ኣምላኽ ዓብዮም እሙናትን ጽኑዓትን ኣገልገልቱ ክዀኑ ብርቱዕ ባህጊ ወለዶም ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
13 እቲ እተዋህቦም ሓደስቲ ኣስማት ግን ምስ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣዝዩ እተተሓሓዘ ኢዩ: እዚ ኸኣ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ በቶም ኣማልኽቲ እቲኣቶም ከም እተዓብለለ የርኢ። እዝስ ንእምነት ናይቶም መንእሰያት ንምድኻም እተገብረ ከመይ ዝበለ ሰላሕታዊ ውዲት ኰን ኢዩ!
14. እቲ ንዳንኤልን ሰለስቲኦም ብጾቱን እተዋህበ ሓድሽ ኣስማት ትርጕሙ እንታይ ኢዩ፧
14 ስም ዳንኤል ናብ ቤልጥሻጽር ዝብል ተቐየረ: እዚ ኸኣ “ንህይወት ንጉስ ተኸላኸል” ማለት ኢዩ። እዚ ብሕጽር ዝበለ መገዲ ነቲ ቀንዲ ኣምላኽ ናይ ባቢሎን ዝዀነ ቤል ወይ ማርዱክ ዝቐርብ ልመና ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንዳንኤል ከምዚ ዝኣመሰለ ስም ክምረጸሉ ኸሎ ነቡካድነጻር ኢድ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ ‘ብስም ኣምላኹ’ ስለ እተጸውዐ ግን ተሓቢኑ ኢዩ። (ዳንኤል 4:8) ሃናንያ ሲድራቕ ተባሂሉ ተጸውዐ: ገለ ምሁራት ከኣ እዚ ስም እዚ “ትእዛዝ ኣኩ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ድርብ ስም ምዃኑ ይዛረቡ። ኣኩ ድማ ኣምላኽ ናይ ሳመሪያን ኢዩ። ሚሻኤል ከኣ ሚሳቕ (ምናልባት ሚ·ሻ·ኣኩ) ተባሂሉ ተሰምየ: እዚ ኸኣ ነቲ “መን ከም ኣምላኽ፧” ዝብል “ከም ኣኩ መን ኣሎ፧” ብዝብል ኢዮም ቀይሮምዎ። ንኣዛርያ ኣብ ባቢሎን እተዋህቦ ስም ከኣ ዓብድ-ኔጎ ዝብል ኰይኑ ትርጕሙ “ኣገልጋሊ ኔጎ” ክኸውን ይኽእል ኢዩ። “ኔጎ” ኸኣ ካልእ ኣጸዋውዓ ናይ “ኔቦ” ኢዩ። እዚ ድማ ብዙሓት መራሕቲ ባቢሎን ዝስመይሉ ዝነበሩ ስም ናይ ሓደ ጣኦት ኢዩ።
ንየሆዋ እሙናት ክዀኑ ቈሪጾም
15, 16. ንዳንኤልን ብጾቱን እንታይ ሓደጋ ኢዩ ዘጋጠሞም: ንሳቶምከ ብኸመይ መለስሉ፧
15 እቲ ኣብ ባቢሎን እተዋህቦም ኣስማት: እቲ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም: ከምኡውን እቲ ፍሉይ ዓይነት መግቢ ንዳንኤልን ነቶም ሰለስተ እብራውያን መንእሰያትን ናይ ባቢሎናውያን ኣነባብራ ከም ዝለምድዎ ንምግባሮም ጥራይ ዘይኰነስ: ካብ የሆዋ ኣምላኾም ከምኡውን ካብቲ ዝነበሮም ሃይማኖታዊ ትምህርትን ኣተዓባብያን ንምፍላዮም እተገብረ መጥቃዕቲ ኢዩ ነይሩ። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ምስ እዚ ዅሉ ጸቕጥን ፈተናን እንታይ ኢዮም ክገብሩ፧
16 እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፍ “ዳንኤል ግና: በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰተዮ ወይንን ከይረክስ: ብልቡ ሐለነ” ይብል። (ዳንኤል 1:8ሀ) ከምዚ ከም ዝበለ ብስም ተጠቒሱ ዘሎ ዳንኤል ጥራይ እኳ እንተዀነ: እቶም ሰለስተ ብጾቱ እውን ነቲ ውሳኔኡ ከም ዝደገፍዎ ካብቲ ቀጺሉ እተፈጸመ ነገር ክንርድኦ ንኽእል ኢና። እቲ “ብልቡ ሐለነ” ዝብል ኣገላልጻ እቲ ካብ ወለዱን ኣብ ዓዱ ብዝነበሩ ካልኦትን እተዋህቦ መምርሒ ልቡ ከም ዝተንከፎ ዘርኢ ኢዩ። ነቶም ሰለስተ እብራውያን ኣዕሩኽቱ እውን ተመሳሳሊ ዝዀነ ልምምድ ኢዩ ናብቲ ዝገብርዎ ውሳነ ዝመርሖም ዝነበረ። እዚ ኸኣ ደቅና ክርድኡ ኣይክእሉን ኢዮም ኣብ እንብለሉ ዕድመ ከለዉ እውን ከይተረፈ ክንምህሮም ክሳዕ ክንደይ ረብሓ ከም ዘለዎ ዘርኢ ኢዩ።—ምሳሌ 22:6፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15
17. ዳንኤልን ሰለስቲኦም ብጾቱን ነቲ ብንጉስ እተገብረሎም ናይ መግቢ ምድላው ጥራይ እተቓወምዎ ስለምንታይ ኢዮም፧
17 እቶም እብራውያን መንእሰያት ንብምሉእ እቲ እተገብረ ምድላው ዘይኰነስ ነቲ መግብን ወይንን ጥራይ እተሓረምዎ ስለምንታይ ኢዮም፧ እቲ “ከይረክስ” ዝብል ዳንኤል ዝሃቦ ሓሳብ ነቲ ምኽንያት ብግልጺ የረድእ ኢዩ። ነቲ ‘ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ክማሃሩ:’ ናይ ባቢሎናውያን ኣስማት ክወሃቦም ተቐባልነት ዘይብሉ ዝመስል እኳ እንተነበረ: ግድን ከርክሶም ግን ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ነቲ ዳርጋ 1,000 ዓመታት ኣቢሉ ቅድሚኦም ዝነበረ ሙሴ ንርአ። ዋላ እኳ ‘ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን እንተ ተማህረ’ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ቀጸለ። እቲ ካብ ወለዱ ዝረኸቦ ኣተዓባብያ ጽቡቕ መሰረት ከም ዝሕዝ ገይርዎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ “ሙሴ ምስ ዐበየ: ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሀል: ብእምነት አበየ እሞ: ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ።”—ግብሪ ሃዋርያት 7:22፣ እብራውያን 11:24, 25
18. እቲ ንጉስ ዝገበረሎም ናይ መግቢ ምድላዋት ነቶም መንእሰያት እብራውያን ከርክሶም ዝኽእል ዝነበረ በየናይ መገድታት ኢዩ፧
18 እቲ ንጉስ ባቢሎን ዝገበረሎም ናይ መግቢ ምድላው ነቶም መንእሰያት ከርክሶም ዝኽእል ዝነበረ በየናይ መገዲ ኢዩ፧ ቀዳማይ ነገር ብሕጊ ሙሴ እተኸልከለ መግቢ ዘለዎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ባቢሎናውያን ንጹሃት ዘይኰኑ እንስሳታት ይበልዑ ነይሮም ኢዮም: እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበሩ እስራኤላውያን ክልኩል ኢዩ። (ዘሌዋውያን 11:1-31፣ 20:24-26፣ ዘዳግም 14:3-20) ካልኣይ ከኣ ባቢሎናውያን ስጋ እንስሳ ቅድሚ ምብልዖም ደሙ ናይ ምፍሳስ ልምዲ ኣይነበሮምን። ደሙ ብግቡእ ዘይፈሰሰ ስጋ ምብላዕ ከኣ ምስቲ የሆዋ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ ሕጊ ብቐጥታ ዝጻረር ኢዩ። (ዘፍጥረት 9:1, 3, 4፣ ዘሌዋውያን 17:10-12፣ ዘዳግም 12:23-25) ሳልሳይ: ሰዓብቲ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ መግቢ ቅድሚ ምብልዖም ብልምዲ ቅድም ንጣኦታት ኢዮም ዘቕርብሎም። ኣገልገልቲ የሆዋ ግን ከምኡ ኣይገብሩን ኢዮም! (ምስ 1 ቈረንቶስ 10:20-22 ኣረኣእዮ።) ኣብ መወዳእታ ኸኣ መዓልቲ መዓልቲ ስቡሕ ዝዀነ መግቢ ምብላዕ ከምኡውን ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ኣይኰነንዶ ንመንእሰያት ኣብ ዝዀነ ይኹን ክሊ ዕድመ ንዘለዉ ሰባት እውን ንጥዕና ክጐድእ ይኽእል ኢዩ።
19. እቶም እብራውያን መንእሰያት እንታይ ኢሎም ከመኽንዩ ይኽእሉ ነይሮም: ኣብቲ ቅኑዕ መደምደምታ ንኽበጽሑ ግን እንታይ ኢዩ ዝሓገዞም፧
19 እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ምፍላጥን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ወይ ፈተና ኴንካ ኣብ ተግባር ንምውዓሉ ተባዕ ምዃንን እተፈላለየ ኢዩ። ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኽቱን ካብ ወለዶምን ብጾቶምን ኣዝዮም ርሒቖም ብምንባሮም እንገብሮ ነገር ዝርእዮ የለን ኢሎም ከመኻንዩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ትእዛዝ ንጉስ ስለ ዝዀነ ዋላ ሓንቲ ካልእ ኣማራጺ የብልናን እውን ክብሉ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ካልኦት መንእሰያት ነቲ እተገብረ ምድላዋት ባህ ኢልዎም ተቐቢሎምዎ: ከምኡውን ከም ግድል ዘይኰነስ ከም መሰል ገይሮም ኢዮም ርእዮምዎ። እዚ ከምዚ ዝበለ ግጉይ ኣተሓሳስባ ግን ብቐሊሉ ናብቲ ንብዙሓት መንእሰያት መፈንጠራ ዝዀኖም ስዉር ሓጢኣት ክመርሕ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እቶም እብራውያን መንእሰያት “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ” ምዃነን ከምኡውን ‘ኣምላኽ ንዅሉ ግብርን ሕቡእ ነገር ዘበለን: ሰናይ ኰነ ወይስ እኩይ: ናብ ፍርዲ ከምጽኦ’ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። (ምሳሌ 15:3፣ መክብብ 12:14) ሃየ እምበኣር ኵላትና ካብ ተግባራት ናይዞም እሙናት መንእሰያት እዚኣቶም ንማሃር።
ተባዕን ጽኑዕን ምዃን ዓስቢ የውህብ
20, 21. ዳንኤል እንታይ ስጕምቲ ኢዩ ዝወሰደ: ምስ ከመይ ዝበለ ውጽኢትከ፧
20 ዳንኤል ነቲ ከርክስ ዝኽእል ጽልዋታት ንኸርሕቕ ቈሪጹ ስለ ዝነበረ ምስቲ ዝገበሮ ውሳነ ብምስምማዕ ስጕምቲ ክወስድ ጀመረ። “ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ።” (ዳንኤል 1:8ለ) “ለመኖ” ዝብል ኣገላልጻ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ዝበዝሕ ግዜ ፈተናታት ንምቅዋም ወይ ገለ ዓይነት ድኻም ንምስናፍ ዘየቋርጽ ጻዕሪ ምግባር የድሊ ኢዩ።—ገላትያ 6:9
21 ዳንኤል ብቐጻሊ ብምጽዓሩ ዓስቢ ረኺብሉ ኢዩ። “ኣምላኽ ኸኣ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስን ምሕረትን ሀቦ።” (ዳንኤል 1:9) ንዳንኤልን ብጾቱን ዝሰለጦም መልክዐኛታትን መስተውዓልትን ስለ ዝነበሩ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ በረኸት የሆዋ ስለ ዝነበሮም ኢዩ። ዳንኤል ነቲ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣካይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዝብል ናይ እብራውያን ምሳሌ ከም ዝዘከሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ምሳሌ 3:5, 6) ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ ብሓቂ ዓስቢ ዘለዎ ኢዩ።
22. እቲ ሓለቓ ስሉባት እንታይ ቅቡል ተቓውሞ ኢዩ ዘቕረበ፧
22 እቲ ሓለቓ ስሉባት መጀመርታ “ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታይ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ: ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዕዋ እፈርህ አሎኹ” ብምባል ተቓዊሙ ነይሩ ኢዩ። (ዳንኤል 1:10) እዚ ኸኣ ቅቡል ዝዀነ ተቓውሞን ፍርህን ኢዩ። ንጉስ ነቡካድነጻር ዝኣዘዞ ከይተፈጸመ እንተድኣ ተሪፉ ስቕ ዝብል ንጉስ ኣይነበረን: እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ኣንጻር መምርሒ ንጉስ እንተድኣ ኸይዱ ‘ርእሱ’ ኣብ ሓደጋ ከም እትኣቱ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ዳንኤል እንታይ ኢዩ ክገብር፧
23. ዳንኤል በቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ምስትውዓልን ጥበብን ከም ዘለዎ ዘንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧
23 ምስትውዓልን ጥበብን ዘድለየ ኸኣ ኣብዚ ግዜ እዚ ኢዩ። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳንኤል ምናልባት ነቲ “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ: ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል” ዝብል ምስላ ዘኪርዎ ይኸውን ኢዩ። (ምሳሌ 15:1) እቲ ዝበልክዎ ይኹን ኢሉ ድርቕ ብምባል ኣብ ልዕሊኡ መግደራ ኣብ ክንዲ ዘምጽእ ነቲ ጕዳይ ክገድፎ መረጸ። እቲ “መጋቢ” ቍሩብ ደሓን ዝዀነ ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮ: ብቐጥታ ድማ ብንጉስ ክሕተት ስለ ዘይክእል ዳንኤል ኣብቲ ምቹእ ግዜ ቀሪቡ ሓተቶ።—ዳንኤል 1:11
ንዓሰርተ መዓልቲ ክፍተኑ ሓሳብ ቀረበ
24. ዳንኤል እንታይ ፈተነ ክቐርበሎም ኢዩ ሓሳብ ዝሃበ፧
24 ዳንኤል ነቲ መጋቢ ክፍትኖም ሓሳብ ኣቕረበሉ። ከምዚ ኸኣ በሎ:- “ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካ: ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ: ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና።”—ዳንኤል 1:12, 13
25. እቲ ንዳንኤልን ሰለስተ ኣዕሩኽቱን ዝቐረበሎም “ጥረ” እንታይ ነይሩ ክኸውን ይኽእል፧
25 ንዓሰርተ መዓልቲ ‘ጥረን ማይን’ ምስ ተዋህቦም ምስቶም ካልኦት ክወዳደሩ ኸለዉ ‘ዓቢሮምዶ’ ይረኣዩ ይዀኑ፧ “ጥረ” ካብታ “ዘርኢ” ዝትርጕማ ናይ እብራይስጢ ቃል እተወስደት ኢያ። ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት “ጥረምረ” ኢሎም ይትርጕምዋ: እዚ ኸኣ “እተፈላለየ ኣእኻል (ከም ዓይኒ ዓተር: ባልዶንጓ: ብርስን ዝኣመሰለ)” ማለት ኢዩ። ገሊኦም ምሁራት እቲ ትሕዝቶ ካብቲ ዝብላዕ ጥረታት ንላዕሊ ዘመልክት ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ሓደ ናይ መወከሲ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ዳንኤልን ብጾቱን ኣብ ክንዲ እቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝቐርብ ዝነበረ ስቡሕ መግቢ: እቲ ሓፋሽ ዝጥቀመሉ ተራ ጥረታት ጥራይ ክቐርበሎም ኢዮም ሓቲቶም።” ስለዚ እቲ ጥረታት ተባሂሉ ዘሎ ካብ ዓተር: ዙኲኒ ዝመስል ዓይነት ሓምሊ: ሽጕርቲ ጻዕዳ: ብርስን: ብርጭቕ: ሽጕርቲ: ከምኡውን ካብ እተፈላለየ ኣእኻል እተዳለወ ሕብስቲ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ናይ ጥሜት መግቢ ኢዩ ዝብሎ ከም ዘየለ ርግጽ ኢዩ። እቲ መጋቢ እውን ነዚ ተረዲእዎ ክኸውን ኣለዎ። “ንሱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ሕራይ ኢሉ: ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም።” (ዳንኤል 1:14) እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧
26. ውጽኢት ናይቲ ዓሰርተ መዓልቲ ዝወሰደ ፈተነ እንታይ ኢዩ: እቲ ኵነታት ከምኡ ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
26 “እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ ኸኣ: ካብ ኵሎም እቶም መብልዕ ንጉስ ዝበልዑ መንእሰያት ዝበለጸ: ገጾም በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ።” (ዳንኤል 1:15) እዚ ግን ጥረምረ ምምጋብ ካብቲ ስቡሕ ናይ ስጋ መግቢ ከም ዝበልጽ ንምርኣይ ከም መርትዖ ዝውሰድ ኣይኰነን። ዝዀነ ይኹን ዓይነት መግቢ ኣብ ኣካላት ርኡይ ዝዀነ ለውጢ ንኸምጽእ ዓሰርተ መዓልቲ ውሑድ ኢዩ: ንየሆዋ ግን ዕላምኡ ንኽፍጽም ዓሰርተ መዓልቲ ሓጺር ኣይኰነን። “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን።” (ምሳሌ 10:22) እቶም ኣርባዕተ እብራውያን መንእሰያት ኣብ የሆዋ እምነትን ትውክልትን ገበሩ: ንሱ ኸኣ ኣይጠንጠኖምን። ዘመናት ጸኒሑ የሱስ ክርስቶስ መግቢ ከይበልዐ 40 መዓልቲ ክጸንሕ ክኢሉ ኢዩ። ነተን ኣብ ዘዳግም 8:3 ዘለዋ ‘ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር: ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን ኢዩ’ ዝብላ ቃላት ከኣ ጠቐሰን። እቲ ናይ ዳንኤልን ኣዕሩኽቱን ተመክሮ ኸኣ ጥንታዊ ኣብነት ናይዚ ኢዩ።
ኣብ ክንዲ ስቡሕ መግብን ወይንን ምስትውዓልን ጥበብን
27, 28. እቲ ንዳንኤልን ሰለስቲኦም ኣዕሩኽቱን እተገብረሎም ናይ መግቢ ምድላው ንኻልእ ዝዓበየ ነገራት ዘዳለዎም ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢዩ፧
27 እተን ዓሰርተ መዓልቲ መፈተኒ ጥራይ እኳ እንተ ነበራ እቲ ውጽኢት ግን ዘዕግብ ኢዩ ነይሩ። “ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ: ጥረ ሃቦም።” (ዳንኤል 1:16) እቶም ኣብቲ ልምምድ ዝነበሩ ካልኦት መንእሰያት ብዛዕባ ዳንኤልን ብጾቱን እንታይ ይሓስቡ ከም ዝነበሩ ምግማት ኣየጸግምን ኢዩ። መዓልቲ መዓልቲ ጥረምረ ክትበልዕ ኢልካ ነቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝቐርብ መግቢ ምግዳፍ ማለት ዕሽነት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነዞም እብራውያን መንእሰያት ዝዓበየ ፈተና ይጽበዮም ነበረ: እዚ ኸኣ ዝያዳ ጥንቁቓትን ንቑሓትን ክዀኑ ዝሓቶም ኢዩ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ግን እቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮም እምነትን ትውክልትን ኢዩ ኣብ ፈተና ከም ዝዕወቱ ክገብሮም ዝኽእል ዝነበረ።—ምስ እያሱ 1:7 ኣረኣእዮ።
28 የሆዋ ምስኦም ከም ዝነበረ በቲ ቐጺሉ ዘሎ ቍጽሪ ክረጋገጽ ይኽእል ኢዩ:- “ኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰይ እዚኦም ፍልጠት: ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሀቦም። ዳንኤል ድማ ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ።” (ዳንኤል 1:17) ምስቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ጽንኩር ግዜ ንኽጋጠሙ: ካብ ኣካላዊ ብርታዐን ጥዕናን ንላዕሊ የድልዮም ነበረ። “ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ: ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ: ካብ ክፉእ መገዲ: . . . ከተናግፈካስ: ምኽሪ ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።” (ምሳሌ 2:10-12) የሆዋ ኸኣ ነዞም ኣርባዕተ እሙናት መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ነገር ንኽዋጽእሉ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ነገራት ኢዩ ሂብዎም።
29. ዳንኤል ‘ኵሉ ሕልምን ራእያትን ክርዳእ ዝኸኣለ’ ስለምንታይ ኢዩ፧
29 ዳንኤል “ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል” ምንባሩ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ግን ሽሕራዊ ክእለት ስለ ዝነበሮ ኣይኰነን። እቲ ዘገርም ግን ዳንኤል ዋላ እኳ ከም ሓደ ካብቶም ዓበይቲ እብራውያን ነብያት ፍሉጥ እንተነበረ: “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ” ወይ “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ” ዝብል መግለጺታት ንኽጽሕፍ ብመንፈስ ኣይተደረኸን። (ኢሳይያስ 28:16፣ ኤርምያስ 6:9) እንተዀነ ግን: ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ነቲ ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ ዝገልጽ ራእያትን ሕልምታትን ክርዳእን ክትርጕምን ዝኸኣለ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ፈተና
30, 31. እቲ ዳንኤልን ብጾቱን ዝወሰድዎ ስጕምቲ ንረብሕኦም ኰይኑ እተረኽበ ብኸመይ ኢዩ፧
30 እቲ ናይ ሰለስተ ዓመት ትምህርትን ምድላው ኵልንትናዊ ኣቃውማን ተወድአ። ድሕርዚ እቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ፈተና—ምስቲ ንጉስ ዝግበር ናይ ብሕቲ ቃለ-መጠይቕ—መጸ። “እታ: እቲ ንጉስ ኪአትዉላ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሔት: እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣእተዎም።” (ዳንኤል 1:18) እቶም ኣርባዕተ መንእሰያት ናይ ብሕቶም ጸብጻብ ዘቕርብሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ንናይ ባቢሎናውያን መገድታት ገዲፎም ኣብ ሕጊ የሆዋ ምጥባቖም ንረብሓኦም ኰይኑ ተረኺቡ ድዩ፧
31 “እቲ ንጉስ ከኣ ተዛረቦም: ካብ ኵላቶም ድማ ከም ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈሙ።” (ዳንኤል 1:19) ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ዝሰዓብዎ መትከል ቅኑዕ ምዃኑ ዘርኢ ኣየ ከመይ ዝበለ ምሉእ መረጋገጺ ኰን ኢዩ! ጠቢቖም ምስ እምነቶምን ሕልንኦምን ዝሰማማዕ መግቢ ምምራጾም ዕሽነት ኣይነበረን። ዳንኤልን ብጾቱን በቲ ንእሽቶ ዝመስል ነገር እሙናት ብምዃኖም ብዓቢኡ ተባረኹ። ኵሎም እቶም ኣብቲ ናይ ልምምድ ፕሮግራም ዝነበሩ መንእሰያት ክረኽብዎ ሃንቀው ዝብሉ ዝነበሩ መሰል ‘ኣብ ቅድሚ ንጉስ ምቛም’ ኢዩ ነይሩ። በቲ ንጉስ እተመርጹ እቶም ኣርባዕተ እብራውያን መንእሰያት ጥራይ ድዮም ኣይኰኑን መጽሓፍ ቅዱስ ኣይዛረብን ኢዩ። እዚ ይኹን እቲ ግን እሙናት ብምዃኖም ብሓቂ “ዓብዪ ኻሕሳ” ረኺቦም ኢዮም።—መዝሙር 19:11
32. ዳንኤል: ሃናንያ: ሚሻኤል: ከምኡውን ኣዛርያ ካብቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ንጉስ ዘስተማቕርዎ ዝነበሩ መሰላት ንላዕሊ ነይርዎም ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
32 ቅዱሳት ጽሑፋት “ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም” ይብል። (ምሳሌ 22:29) ነቡካድነጻር ንዳንኤል: ሃናንያ: ሚሻኤል: ከምኡውን ኣዛርያ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው ንኽብሉ መሪጽዎም: እዚ ኸኣ ክፍሊ ናይቲ ቤተ-መንግስቲ ምዃን ማለት ኢዩ። ኣብ ኵሉ እዚ ጸብጻብ እዚ የሆዋ በዞም መንእሰያት እዚኣቶም—ብፍላይ ድማ ብዳንኤል—ገይሩ ኣገዳሲ መዳያት ናይ ዕላማታቱ ምእንቲ ኸፍልጥ ንዅሉ ነገራት ባዕሉ ይኣልዮ ምንባሩ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ክፍሊ ቤተ-መንግስቲ ነቡካድነጻር ክትከውን ክብረት እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ኣድማስ ንጉስ ዝዀነ የሆዋ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ኣገባብ ክጥቀመልካ ግን ኣዝዩ ዝለዓለ ክብሪ ኢዩ።
33, 34. (ሀ) እቲ ንጉስ በቶም እብራውያን መንእሰያት እተመሰጠ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካብ ተመክሮ ናይቶም ኣርባዕተ እብራውያን እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧
33 ነቡካድነጻር ብዙሕ ከይጸንሐ እቲ እቶም ኣርባዕተ እብራውያን መንእሰያት ሒዞምዎ ዝነበሩ ጥበብን ምስትውዓልን ካብ ናይቶም ኣብ ቤተ-መንግስቱ ዝነበሩ ኣማኸርትን ጥበበኛታትን ከም ዝበልጽ ተገንዘበ። “ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኵሉ ነገር: ካብቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባንን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦም።” (ዳንኤል 1:20) ከመይ ኢሉ ከምዚ ክኸውን ከኣለ፧ እቶም “ጠቢባንን ፈለጥትን” ኣብቲ ዓለማውን ናይ ሓተታ መናፍስትን ዝዀነ ናይ ባቢሎን ትምህርቲ ኢዮም ተመርኲሶም: ዳንኤልን ኣዕሩኽቱን ግን ኣብታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ኢዮም ትውክልቶም ገይሮም። ብሓጺሩ ንኽልቲኡ ከተወዳድሮ—ከተዳርጎ—ኣይከኣልን ኢዩ!
34 ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ዘመናት እውን ነገራት ብዙሕ ኣይተለወጠን። ኣብቲ ፍልስፍና ግሪኽን ሕጊ ሮሜን ፍሉጥ ዝነበረሉ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እውን ሃዋርያ ጳውሎስ: ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ንኽጽሕፍ ብመንፈስ ተደሪኹ ኢዩ:- “ነቶም ጥበበኛታት ብጕርሖም ይሕዞም እዩ: ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ: ከም ብሓድሽ: እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ: ዚብል ጽሑፍ አሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ: . . . ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ።” (1 ቈረንቶስ 3:19-21) ሃየ እምበኣር ሕጂ ነቲ የሆዋ ዝማሃረና ኣጥቢቕና ንሓዞ: በቲ ዓለም እትቕርቦ ዘላ ዘብለጭልጭን መስመስ ዝብልን ነገራት ከኣ ብቐሊሉ ኣይንታለል።—1 ዮሃንስ 2:15-17
ክሳዕ መወዳእታ እሙናት
35. ብዛዕባ እቶም ሰለስተ ብጾት ዳንኤል ማዕረ ኽንደይ ኢና እንፈልጥ፧
35 እታ ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዘርኣይዋ ድልድልቲ እምነት ምስቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 3 ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ እቲ ነቡካድነጻር ኣብ ጎልጎል ዱራ ዘቘሞ ወርቃዊ ምስልን እቶን ሓውን ዝገልጽ ጸብጻብ ተታሓሒዛ ተራእያ ኣላ። እዞም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም መንእሰያት እዚኣቶም ብዘይጥርጥር ክሳዕ ሞት ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ኢዮም: ከመይሲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ብእምነት . . . ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ” ክብል ከሎ ብርግጽ ንዓታቶም ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 11:33, 34) ንዅሎም ዓበይትን ንኣሽቱን ኣገልገልቲ የሆዋ ብሉጻት ኣብነታት ኢዮም።
36. ዳንኤል ከመይ ዝበለ ብሉጽ ስራሕ ኢዩ ዝነበሮ፧
36 እታ ናይ መወዳእታ ቍጽሪ ናይ ምዕራፍ 1 “ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሔ” ትብለና። ቂሮስ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ንባቢሎን ብሓንቲ ለይቲ ከም ዘውደቓ ታሪኽ ይገልጽ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ዘሎ መርትዖ ዳንኤል በቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ስምን ዝናን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ቂሮስ እውን ምግልጋል ቀጺሉ ኢዩ። አረ ዳንኤል 10:1 “ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ” የሆዋ ንዳንኤል ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ ከም ዝገለጸሉ ኢያ እትነግረና። ብ617 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ባቢሎን ክውሰድ ከሎ ኮተቴ እንተድኣ ነይሩ ኰይኑ ነዚ ናይ መወዳእታ ራእይ እዚ ክቕበል ከሎ ዳርጋ ወዲ 100 ዓመት ኰይኑ ነይሩ ማለት ኢዩ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ነዊሕን ዓስቢ ዘለዎን ንየሆዋ እተገብረ እሙን ኣገልግሎት ኰን ኢዩ!
37. ንዳንኤል ምዕራፍ 1 ብምምርማር እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧
37 እታ ናይ መጽሓፍ ዳንኤል ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ካብ ታሪኽ ናይቶም ንዘጋጠሞም ናይ እምነት ፈተና ብዓወት እተዋጽእሉ ኣርባዕተ እሙናት መንእሰያት ንላዕሊ ኢያ ሒዛ ዘላ። የሆዋ ዕላምኡ ንምፍጻም ብኸመይ ንዝደለዮ ክጥቀም ከም ዝኽእል ተርእየና። የሆዋ እንተድኣ ኣፍቂድዎ እቲ መቕዘፍቲ ዝመስል ነገር እውን ንጠቓሚ ዝዀነ ዕላማ ክውዕል ከም ዝኽእል እቲ ጸብጻብ የረጋግጽ። ብናእሽቱ ነገራት እሙን ምዃን ዓቢ ረብሓ ከም ዘምጽእ እውን ተርእየና ኢያ።
እንታይ ኣስተውዒልካ፧
• ብዛዕባ ኣተዓባብያ ዳንኤልን ሰለስተ ኣዕሩኽቱን እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧
• እቲ ጽቡቕ ኣተዓባብያ ናይቶም ኣርባዕተ እብራውያን መንእሰያት ኣብ ባቢሎን እተፈተነ ብኸመይ ኢዩ፧
• የሆዋ ነቶም ኣርባዕተ እብራውያን በቲ ዘርኣይዎ ትብዓት እተሓወሶ ኣቕዋም ብኸመይ ባረኾም፧
• ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ካብ ዳንኤልን ሰለስተ ብጾቱን እንታይ ትምህርቲ ኢዮም ክረኽቡ ዝኽእሉ፧
[ኣብ ገጽ 30፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]