ዳንኤል
8 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንግስና ንጉስ ቤልሻጽር፡+ ንዓይ ንዳንኤል ድሕሪ እቲ ኣቐዲሙ እተራእየንስ ራእይ ተራእየኒ።+ 2 ራእይ ከኣ ረኣኹ፣ ክጥምት ከለኹ ድማ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ዔላም+ ዘላ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* ነበርኩ፣ ነቲ ራእይ ከኣ ረኣኽዎ፣ ኣብ ጥቓ መገዲ ማይ ኡላይ እውን ነበርኩ። 3 ኣዒንተይ ምስ ኣልዓልኩ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መገዲ ማይ ደው ዝበለ ድዑል+ ነበረ፣ ክልተ ቐርኒ ድማ ነበሮ።+ እተን ክልተ ቐርኑ ነዋሕቲ ነበራ፣ እታ ሓንቲ ግና ካብታ ሓንቲ ትልዕል ነበረት፣ እታ ዝለዓለት ድማ ደሓር ዝወጸት እያ።+ 4 እቲ ድዑል ከኣ ናብ ምዕራብን ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ይፍልስ ነበረ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኪቐውም ዚኽእል ኣራዊት ድማ ኣይነበረን፣ ካብ ሓይሉ* ኼናግፍ ዚኽእል እውን ኣይነበረን።+ ከም ባህ ዝበሎ ገበረ፡ ርእሱ እውን ልዕል ኣበለ።
5 ክጥምት ከለኹ፡ እንሆ፡ ምድሪ ኸይተንከየ ብገጽ ኵላ ምድሪ ዚሓልፍ ድቤላ+ ኻብ ምዕራብ* ይመጽእ ነበረ። እቲ ድቤላ ኸኣ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ምርእይቲ ቐርኒ ነበረቶ።+ 6 ንሱ ድማ ናብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ መገዲ ማይ ደው ኢሉ ዝረኣኽዎ ኽልተ ዝቐርኑ ድዑል ይመጽእ ነበረ፣ ብሓያል ነድሪ ናብኡ ይጐዪ ነበረ።
7 ናብቲ ድዑል ኪቐርብ ከሎ ኸኣ ረኣኽዎ፣ ብእኡ ድማ ተመሪሩ ነበረ። ነቲ ድዑል ወቒዑ ኸኣ ነተን ክልተ ቐርኑ ሰበረን፣ እቲ ድዑል እውን ኣብ ቅድሚኡ ንምቛም ሓይሊ ኣይነበሮን። ነቲ ድዑል ድማ ናብ ምድሪ ደርበዮን ረገጾን፣ ካብ ሓይሉ* ኼናግፎ ዚኽእል እውን ኣይነበረን።
8 ሽዑ፡ እቲ ድቤላ ርእሱ እምብዛ ልዕል ኣበለ፣ ምስ በርትዐ ግና፡ ብኡብኡ እታ ዓባይ ቀርኒ ተሰብረት። ሽዑ፡ ኣብ ክንዲ እታ ሓንቲ፡ ኣርባዕተ ምርኡያት ኣቕርንቲ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማያት ኣቢለን ወጻ።+
9 ካብ ሓንቲአን ድማ ካልእ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት፣ ንሳ ኸኣ ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን* ናብታ ጌጽን* ኣቢላ ኣዝያ ዓበየት።+ 10 ኣዝያ ስለ ዝዓበየት፡ ክሳብ ሰራዊት ሰማያት በጽሐት፣ ገለ ኻብቶም ሰራዊትን ገለ ኻብ ከዋኽብትን ከኣ ናብ ምድሪ ኣውደቐት፡ ረገጸቶም እውን። 11 አረ ኣንጻር እቲ መስፍን ሰራዊት እኳ ርእሳ ልዕል ኣበለት፣ ካብኡ ድማ እቲ ወትሩ ዚቐርብ* ኣርሓቐት፣ እታ ስርትቲ መቕደሱ ኸኣ ፈረሰት።+ 12 ብሰሪ ኣበሳ ድማ ሰራዊት ምስቲ ወትሩ ዚቐርብ* ኣሕሊፍካ ተዋህበ፣ ንሓቂ ኸኣ ናብ ምድሪ ደርበየታ፣ ገበረት ድማ፡ ሰለጣ እውን።
13 ሓደ ቕዱስ ኪዛረብ ከኣ ሰማዕኩ፣ ካልእ ቅዱስ ድማ ነቲ ዚዛረብ፡ “ራእይ እቲ ወትሩ ዚቐርብን* እቲ ዜጥፍእ ኣበሳን፡+ ነታ መቕደስን ነቲ ሰራዊትን ተረገጽቲ ንምግባር ክሳዕ መዓስ እዩ ኪቕጽል፧” በሎ። 14 ንሱ ኸኣ፡ “ክሳዕ 2,300 ምሸትን ንግሆን፣ እታ መቕደስ ከኣ ብርግጽ ናብ ግቡኣ ኽትምለስ እያ” በለኒ።
15 ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ክጥምቶን ንምርዳኡ ኽፍትንን ከለኹ፡ ሰብ ዚመስል ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ብሃንደበት ረኣኹ። 16 ሽዑ፡ ድምጺ እቲ ሰብ ኣብ ማእከል ኡላይ+ ሰማዕኩ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ገብርኤል፡+ ንዕኡ እቲ ዝረኣዮ ኣረድኣዮ”+ ኢሉ ጨደረ። 17 ስለዚ፡ ናብታ ደው ኢለላ ዝነበርኩ መጸ፣ ምስ መጸ ግና ኣዝየ ተሸቢረ ስለ ዝነበርኩ፡ ብገጸይ ወደቕኩ። ንሱ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ራእይ ንግዜ መወዳእታ ምዃኑ ተረዳእ” በለኒ።+ 18 ንሱ ኺዛረበኒ ኸሎ ግና፡ ገጸይ ናብ ምድሪ ገይረ ኸቢድ ድቃስ ደቀስኩ። ስለዚ፡ ተንከየኒ፡ ኣብታ ደው ኢለላ ዝነበርኩ ቦታ ኸኣ ደው ኣበለኒ።+ 19 ሽዑ፡ ከምዚ በለ፦ “ነቲ ምዱብ ግዜ መወዳእታ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ኵነኔ ዚኸውን አፍልጠካ ኣለኹ።+
20 “እቲ ዝረኣኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ድዑል፡ ንነገስታት ሜዶንን ፋርስን የመልክት።+ 21 እቲ ጸጓር ድቤላ ድማ ንንጉስ ግሪኽ የመልክት፣+ እታ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረት ዓባይ ቀርኒ ኸኣ፡ ነቲ ቐዳማይ ንጉስ ተመልክት።+ 22 ብዛዕባ እታ እተሰብረት ቀርኒ፡ ኣብ ክንዳኣ እውን ኣርባዕተ ዝተንስኣ ድማ፡+ ካብ ህዝቡ ኣርባዕተ መንግስትታት ኪትንስኣ እየን፣ ብሓይሊ ግና ኣይኪመዓራረያኦን እየን።
23 “ኣብ መወዳእታ መንግስቶም፡ እቶም ኣበስቲ መስፈሮም ምስ መልኡ ኸኣ፡ ጨካን ዝገጹን ዘይንጹር ዘረባ ዚርዳእን* ንጉስ ኪትንስእ እዩ። 24 ሓይሉ ዓብዪ ኪኸውን እዩ፣ ብሓይሉ ግና ኣይኰነን። ፍልይ ብዝበለ መገዲ፡ ጥፍኣት ኬምጽእ እዩ፣* ኬስልጥን ኪገብርን ድማ እዩ። ንብርቱዓትን ነቶም ህዝቢ ቕዱሳትን ከኣ ኬጥፍኦም እዩ።+ 25 ብተንኰሉ ድማ ምእንቲ ኺሰልጦ ኢሉ ኼታልል እዩ፣ ብልቡ ኸኣ ገዛእ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ፣ ብግዜ ደሓን* እውን ብዙሕ ጥፍኣት ኬምጽእ እዩ። ኣንጻር እቲ መስፍን መሳፍንቲ እኳ ኪቐውም እዩ፣ ብዘይ ኢድ ሰብ ግና ኪስበር እዩ።
26 “እቲ ብዛዕባ ምሸትን ንግሆን ኣብቲ ራእይ እተባህለ ሓቂ እዩ፣ ግናኸ፡ ካብ ሕጂ ንርሑቕ ግዜ እዩ ዜመልክት እሞ፡ ነቲ ራእይ ምስጢር ጌርካ ሓዞ።”+
27 ኣነ ዳንኤል ከኣ ኣዝየ ደኸምኩ፡ ንገለ መዓልትታት እውን ሓመምኩ።+ ድሕሪኡ፡ ተንሲአ ዕዮ ንጉስ ዓየኹ፣+ በቲ ዝረኣኽዎ ደንዘዝኩ፣ ንዕኡ ኺርድኦ ዚኽእል እውን ሓደ እኳ ኣይነበረን።+