የሆዋ—“ገላጺ ምስጢራት”
“እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ነገስታትን ገላጺ ምስጢራትን እዩ።”—ዳን. 2:47።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ዝርዝር ነጥብታት እዩ ገሊጹልና፧
እቶም ቀዳሞት ሽዱሽተ ርእሲ እቲ ኣራዊት ንመን የመልክቱ፧
እቲ ኣራዊትን እቲ ነቡካድነጻር ዝረኣዮ ምስልን ብኸመይ ይመሳሰል፧
1, 2. የሆዋ እንታይ እዩ ገሊጹልና፧ ስለምንታይከ፧
መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣዊ ምምሕዳር ኣብ እተጥፍኣሉ እዋን፡ ሓይልታት ዓለም ኰይነን ዚገዝኣ መንግስትታት ኣየኖት እየን፧ እቲ “ገላጺ ምስጢራት” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዝገለጸልና፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንፈልጦ ኢና። የሆዋ ብነብዪ ዳንኤልን ብሃዋርያ ዮሃንስን ኣቢሉ ንመንነት እዘን መንግስትታት እዚኣትን ከነስተውዕሎ ኣኽኢሉና እዩ።
2 የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ብዛዕባ ተኸታተልቲ ኣራዊት ዚሕብር እተፈላለየ ራእያት ገሊጹሎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ንዳንኤል ትርጕም ሓደ ብብረት ዝቘመ ምስሊ እተራእየሉ ሕልሚ ነጊርዎ እዩ። የሆዋ ነዚ ጸብጻባት እዚ ንጥቕምና ኢሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኸም ዚዕቀበልና ገይሩ ኣሎ። (ሮሜ 15:4) እዚ ኸኣ፡ ነቲ መንግስቱ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዅለን መንግስትታት ምድሪ ኸተጥፍአን ምዃና ዘሎና ተስፋ ምእንቲ ኼደልድለልና ኢሉ እዩ።—ዳን. 2:44።
3. ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ መጀመርታ እንታይ ኢና ኽንርዳእ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
3 ጸብጻባት ዳንኤልን ዮሃንስን፡ መንነት ሸሞንተ ነገስታት ወይ ሰብኣዊ ምምሕዳራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተርታ እተን ሓይልታት እዚአን እውን ይገልጽ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡልና ዘሎ ናይ መጀመርታ ትንቢት እንተ ተረዲእናዮ ጥራይ ኢና፡ ነዚ ትንቢታት እዚ ብልክዕ ክንርድኦ እንኽእል። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መፈጸምታ እቲ ትንቢት እቲ፡ ንፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥርንፍ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኵሉ እቲ ኻልእ ትንቢታት ኣብዚ ትንቢት እዚ እተመርኰሰ እዩ።
እቲ ኣራዊትን ዘርኢ እቲ ተመንን
4. ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ዜቝሙ መን እዮም፧ እቲ ዘርኢ እቲኸ እንታይ እዩ ኺገብር፧
4 የሆዋ ብድሕሪ እቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ዕልወት፡ ሓንቲ “ሰበይቲ፡” “ዘርኢ” ኸም እትፈሪ ተመባጽዐ።a (ዘፍጥረት 3:15 ኣንብብ።) እቲ ዘርኢ እቲ ኸኣ ንርእሲ እቲ ተመን፡ ማለት ንርእሲ ሰይጣን ዚጭፍልቕ እዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ፡ የሆዋ እቲ ዘርኢ ኻብ ኣብርሃም፡ ካብ ህዝቢ እስራኤል፡ ካብ ይሁዳ፡ ካብ መስመር ወለዶ ንጉስ ዳዊት ከም ዚመጽእ ገለጸ። (ዘፍ. 22:15-18፣ 49:10፣ መዝ. 89:3, 4፣ ሉቃ. 1:30-33) ቀንዲ ኽፍሊ እቲ ዘርኢ፡ ክርስቶስ የሱስ ምዃኑ ተፈልጠ። (ገላ. 3:16) ካልኣይ ክፍሊ እቲ ዘርኢ ኸኣ በቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝቘመ እዩ። (ገላ. 3:26-29) የሱስን እዞም ቅቡኣት እዚኣቶምን ሓቢሮም ነታ ኣምላኽ ንሰይጣን ንምጭፍላቕ ዚጥቀመላ መንግስቲ ኣምላኽ የቝሙ።—ሉቃ. 12:32፣ ሮሜ 16:20።
5, 6. (ሀ) ዳንኤልን ዮሃንስን ክንደይ ዓበይቲ ሓይልታት ከም ዘለዋ እዮም ገሊጾም፧ (ለ) እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተገሊጹ ዘሎ ርእሲ እቲ ኣራዊት ንምንታይ የመልክት፧
5 ኣብቲ ኣብ ኤድን እተዋህበ ናይ መጀመርታ ትንቢት፡ ሰይጣን ዘርኢ ኸም ዚፈሪ እውን ተገሊጹ ኣሎ፣ ዘርኢ እቲ ተመን ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ኺጸልኦ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ ኣሎ። ንዘርኢ እቲ ተመን ዜቝሙ መን እዮም፧ ዘርኢ እቲ ተመን፡ ንዅሎም እቶም ንኣምላኽ ብምጽላእን ንህዝቡ ብምጽራርን ንሰይጣን ዚመስልዎ ፍጥረታት እዩ ዜመልክት። ሰይጣን ኣብ ምሉእ ታሪኽ፡ ንዘርኡ ናብ እተፈላለየ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፡ ወይ መንግስትታት ኪውድቦ ጸኒሑ እዩ። (ሉቃ. 4:5, 6) ገለ ኻብዘን መንግስትታት እዚኣተን ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ማለት ንህዝቢ እስራኤል ወይ ንጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ብቐጥታ ተዋጊኤናኦም እየን። እዚ ኸኣ፡ እቲ ዳንኤልን ዮሃንስን ዝረኣይዎ ራእያት፡ ሓያሎ መንግስትታት ነይረን ክነሰን ስለምንታይ ሸሞንተ መንግስትታት ጥራይ ከም ዚጠቅስ ንኽንርዳእ ይሕግዘና።
6 ኣብ ምዝዛም እቲ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. እቲ ዝተንስአ የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተፈላለየ ዜደንጹ ራእያት ኣርእይዎ እዩ። (ራእ. 1:1) ዮሃንስ ኣብ ሓደ ኻብዚ ራእያት እዚ፡ ነቲ ንድያብሎስ ዜመልክት ገበል ኣብ ገምገም ሓደ ዓብዪ ባሕሪ ደው ኢሉ ኸሎ ረኣዮ። (ራእይ 12:18-3:1, 2 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ዮሃንስ ሓደ ዜፍርህ ኣራዊት ካብቲ ባሕሪ እቲ ወጺኡ ኻብ ድያብሎስ ዓብዪ ስልጣን ኪቕበል ከሎ ረኣየ። ድሕሪ እዚ፡ ሓደ መልኣኽ ንዮሃንስ ሸውዓተ ርእሲ ሓደ ቐይሕ ኣራዊት ን“ሸውዓተ ነገስታት፡” ወይ መንግስትታት ከም ዜመልክት ሓበሮ። እቲ ቐይሕ ኣራዊት ምስሊ እቲ ኣብ ራእይ 13:1 እተጠቐሰ ኣራዊት እዩ። (ራእ. 13:14, 15፣ 17:3, 9, 10) ዮሃንስ ነዚ ራእያት እዚ ኺጽሕፎ ኸሎ፡ ሓሙሽተ ነገስታት ወዲቖም ነይሮም፡ ሓደ ኣብ ስልጣን ነይሩ፡ ሓደ ግና “ኣይመጸን” ነይሩ። መንነት እቶም ነገስታት ወይ ሓይልታት ዓለም እንታይ እዩ፧ ንነፍሲ ወከፍ ርእሲ እቲ ኣብ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ኣራዊት እስከ ንመርምር። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እተን መንግስትታት እቲኣተን ካብ መጽሓፍ ዳንኤል ሓያሎ ነገራት ክንመሃር ኢና። ትንቢታት ዳንኤል ገሊአን መንግስትታት ኣብ ህላወ ቕድሚ ምምጻአን ዘመናት ኣቐዲሙ ብዛዕባአን ዚገልጽ ዝርዝር ነጥብታት ገሊጹ ነይሩ እዩ።
ግብጽን ኣሶርን—እተን ቀዳሞት ክልተ ርእሲ
7. እቲ ቐዳማይ ርእሲ ንመን የመልክት፧ ስለምንታይከ፧
7 እቲ ቐዳማይ ርእሲ እቲ ኣራዊት ንግብጺ የመልክት። ከምኡ እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ግብጺ ንህዝቢ ኣምላኽ እተጻረረት ናይ መጀመርታ ሓይሊ ዓለም እያ ነይራ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘርኢ እታ ሰበይቲ ብዘርኡ ኸም ዚመጽእ ነጊርዎ ነበረ። ዘርኢ ኣብርሃም ከኣ ኣብ ግብጺ ሰሰኑ። ድሕሪ እዚ፡ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ጨቈንዎም። ሰይጣን እቲ ዘርኢ ቕድሚ ምምጻኡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኬጽንቶም ፈተነ። ብኸመይ፧ ንፈርኦን ንዅሎም ደቂ ተባዕትዮ እስራኤላውያን ህጻናት ምእንቲ ኼጽንቶም ብምድራኽ እዩ። የሆዋ ነቲ ፈተነ እቲ ኣፍሸሎ፡ ንህዝቡ ኸኣ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጽኦም። (ዘጸ. 1:15-20፣ 14:13) ድሕሪኡ ንእስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ኣንበሮም።
8. እቲ ኻልኣይ ርእሲ ንመን እዩ ዜመልክት፧ እንታይ ኪገብርከ እዩ ፈቲኑ፧
8 እቲ ኻልኣይ ርእሲ እቲ ኣራዊት ንኣሶር የመልክት። እዛ ሓያል ዝነበረት መንግስቲ ኣሶር እውን ንህዝቢ ኣምላኽ ከተጽንቶም ፈቲና እያ። ሓቂ እዩ፡ የሆዋ ብኣሶር ገይሩ ነቶም ካብኡ ዓልዮም ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ዝወደቑ ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ቀጺዕዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣሶር ቀጺላ እውን ንየሩሳሌም ኣጥቂዓታ እያ። ሰይጣን ነቲ ናብ የሱስ ዚመርሕ መስመር ወለዶ ነገስታት ኪድምስሶ ሃቂኑ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ መጥቃዕቲ ኽፍሊ ዕላማ ኣምላኽ ስለ ዘይነበረ፡ ኣምላኽ ነቶም ወረርቲ ብምጥፋእ ነቶም እሙናት ህዝቡ ብተኣምራዊ መገዲ ኣድሓኖም።—2 ነገ. 19:32-35፣ ኢሳ. 10:5, 6, 12-15።
ባቢሎን—እቲ ሳልሳይ ርእሲ
9, 10. (ሀ) የሆዋ ንባቢሎናውያን እንታይ ኪገብሩ እዩ ፈቒዱሎም፧ (ለ) ትንቢት ምእንቲ ኺፍጸም፡ ኣቐዲሙ እንታይ ኪኸውን ነበሮ፧
9 እቲ ሳልሳይ ርእሲ እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ኣራዊት፡ ነታ ርእሰ ኸተማኣ ባቢሎን ዝዀነት መንግስቲ የመልክት። የሆዋ ንባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ኣጥፊኦም ንህዝባ ኺማርኹ ፈቒዱሎም እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያን ኣብዚ ውርደት እዚ ቕድሚ ምውዳቖም፡ መዓት ኪወርዶም ምዃኑ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። (2 ነገ. 20:16-18) ብተወሳኺ፡ ሰብኣዊ መስመር ወለዶ እቶም ኣብ የሩሳሌም “ኣብ ዝፋን የሆዋ” ኸም እተቐመጡ ዚሕሰቡ ዝነበሩ ነገስታት ኬልግስ ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (1 ዜና 29:23፡ NW) ይኹን እምበር፡ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ፡ “ሕጋዊ መሰል” ዘለዎ ንጉስ ከም ዚነግስ እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ።—ህዝ. 21:25-27፡ NW።
10 ካልእ ትንቢት እውን፡ እቲ መሲሕ ወይ ቅቡእ ኪመጽእ ከሎ፡ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ቤተ መቕደስ ኬምልኹ ኸም ዚጸንሑ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ዳን. 9:24-27) እስራኤላውያን ብባቢሎናውያን ቅድሚ ምምራኾም እተነግረ ትንቢት፡ እዚ ሰብ እዚ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ሚክ. 5:2) እዚ ትንቢታት እዚ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ሓራ ወጺኦም፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡ እንደገና ቤተ መቕደስ ኪሃንጹ ነበሮም። ይኹን እምበር፡ ፖሊሲ ባቢሎን ምሩኻት ኪልቀቑ ኣይፈቅድን እዩ ነይሩ። እዚ ብድሆ እዚ ብኸመይ እዩ ኺስገር ዚኽእል ነይሩ፧ የሆዋ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንነብያቱ ገለጸሎም።—ኣሞ. 3:7።
11. ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን በየናይ እተፈላለየ መገድታት እያ ተመሲላ ዘላ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)
11 ነብዪ ዳንኤል ሓደ ኻብቶም ናብ ባቢሎን እተወስዱ ምሩኻት እዩ ነይሩ። (ዳን. 1:1-6) የሆዋ ንዳንኤል ብዛዕባ እተን ድሕሪ እታ ሽዑ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት መንግስቲ ተኸታቲለን ዚመጻ መንግስትታት ኪገልጽ ተጠቕመሉ። ነዚ ምስጢራት እዚ ንኺገልጸሉ ኸኣ እተፈላለየ ምልክታት ተጠቕመ። ንኣብነት፡ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ዝነበረ ነቡካድነጻር ብሕልሙ ብእተፈላለየ ብረት ዝቘመ ዓብዪ ምስሊ ኸም ዚርኢ ገበሮ። (ዳንኤል 2:1, 19, 31-38 ኣንብብ።) ብዳንኤል ኣቢሉ ኸኣ እቲ ብወርቂ ዝቘመ ርእሲ እቲ ምስሊ ንሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ከም ዜመልክት ገለጸ።b እታ ደድሕሪ ባቢሎን ዝመጸት ሓይሊ ዓለም በቲ ብብሩር ዝቘመ ደረትን ቀላጽምን ተመሲላ ኣላ። እታ ሓይሊ ዓለም እቲኣ መን እያ፧ ንህዝቢ ኣምላኽከ ብኸመይ ሒዛቶም፧
ሜዶንን ፋርስን—እቲ ራብዓይ ርእሲ
12, 13. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ እታ ንባቢሎን እትስዕር ሓይሊ ዓለም ኣቐዲሙ እንታይ ገሊጹ ነይሩ፧ (ለ) ሜዶንን ፋርስን ራብዓይ ርእሲ እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ እተገልጸ ኣራዊት ክትብሃል ትኽእል ስለምንታይ እያ፧
12 ካብ ግዜ ዳንኤል ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ብዛዕባ እታ ንባቢሎን እትስዕር ሓይሊ ዓለም ዝርዝር ነጥብታት ገለጸ። ከተማ ባቢሎን ብኸመይ ከም እትሰዓር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስም እቲ ዚስዕራ እውን ከይተረፈ ገለጸ። እቲ ዚስዕራ መራሒ ኸኣ፡ ቂሮስ ፋርሳዊ እዩ ነይሩ። (ኢሳ. 44:28፣ 45:2) ዳንኤል ብዛዕባ ሓይሊ ዓለም ሜዶንን ፋርስን፡ ክልተ ኻልእ ራእያት ረኣየ። ኣብ ሓደ ኻብቲ ራእያት፡ እታ መንግስቲ ብጐድኑ ብዝተንስአ ድቢ ተመሲላ ኣላ። ነቲ ድቢ፡ “ብዙሕ ስጋ” ኺበልዕ ተነግሮ። (ዳን. 7:5) ኣብቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ኻልኣይ ራእይ ከኣ፡ እዛ ብኽልተ መንግስትታት ዝቘመት ሓይሊ ዓለም ብኽልተ ዝቐርኑ ድዑል ተመሲላ ኣላ።—ዳን. 8:3, 20።
13 የሆዋ ኸምቲ ኣቐዲሙ እተነበዮ ባቢሎን ብሜዶንን ፋርስን ከም እትሰዓር፡ እስራኤላውያን ከኣ ናብ ሃገሮም ከም ዚምለሱ ገበረ። (2 ዜና 36:22, 23) ይኹን እምበር፡ ሓይሊ ዓለም ሜዶንን ፋርስን ጸኒሓ ንህዝቢ ኣምላኽ ከተጽንቶም ተሃንዲዳ ነበረት። እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ኣስቴር፡ ሃማን ዝስሙ ቐዳማይ ሚኒስተር ፋርስ ውዲት ከም ዝኣለመ ትገልጽ። ሃማን ሓንቲ ፍልይቲ መዓልቲ መዲቡ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ሰፊሕ ግዝኣት ፋርስ ዚነብሩ ኣይሁድ ኬጽንቶም ወጢኑ ነበረ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኢዱ ኣእትዩ ንህዝቡ ኻብቶም ዘርኢ ሰይጣን ዝዀኑ ጸላእቲ ኣዕቘቦም። (ኣስ. 1:1-3፣ 3:8, 9፣ 8:3, 9-14) ስለዚ እምበኣር፡ ሜዶንን ፋርስን ራብዓይ ርእሲ እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ እተገልጸ ኣራዊት ክትብሃል ትኽእል እያ።
ግሪኽ—እቲ ሓምሻይ ርእሲ
14, 15. የሆዋ ብዛዕባ ጥንታዊት መንግስቲ ግሪኽ እንታይ ዝርዝር ነጥብታት እዩ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ፧
14 እቲ ሓምሻይ ርእሲ እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ እተገልጸ ኣራዊት ንግሪኽ የመልክት። ከምቲ ዳንኤል ኣቐዲሙ ንሕልሚ ነቡካድነጻር ኪፈትሕ ከሎ ዝገለጾ፡ እዛ ሓይሊ ዓለም እዚኣ፡ በቲ ብኣስራዚ ዝቘመ ኸብድን ሕቖን እቲ ምስሊ ተመሲላ ኣላ። ብዘይካዚ፡ ዳንኤል ብዛዕባ ባህርያት እዛ ሓይሊ ዓለም እዚኣን ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ውሩይ ዝዀነ መራሒኣን ኣገዳሲ ነጥብታት ብዝርዝር ዚገልጽ ክልተ ራእያት ርእዩ እዩ።
15 ኣብ ሓደ ኻብቲ ራእያት እቲ፡ ዳንኤል ኣርባዕተ ኽንፊ ዘለዎ ነብሪ ረኣየ። እዚ ኣራዊት እዚ፡ ነታ ንኻልኦት ሃገራት ብፍጥነት እትስዕር ግሪኽ ዜመልክት እዩ ነይሩ። (ዳን. 7:6) ኣብ ካልእ ራእይ ከኣ፡ ዳንኤል ሓንቲ ምርእይቲ ቐርኒ ዝነበረቶ ድቤላ፡ ክልተ ንዝቐርኑ ድዑል ቀልጢፉ ኪቐትሎ ኸሎ ኸም ዝረኣየ ገለጸ። እቲ ኽልተ ዝቐርኑ ድዑል ንሜዶንን ፋርስን የመልክት። የሆዋ ንዳንኤል ከም ዝገለጸሉ፡ እቲ ድቤላ “ንንጉስ ዮናኒ” ማለት ንግሪኽ ኬመልክት ከሎ፡ እታ ዓባይ ቀርኒ ኸኣ ንሓደ ኻብቶም ነገስታት ግሪኽ እያ እተመልክት። ዳንኤል ኣስዒቡ፡ እታ ዓባይ ቀርኒ ተሰይራ ብኣርባዕተ ንኣሽቱ ኣቕርንቲ ኸም እትትካእ ገለጸ። እዚ ትንቢት እዚ፡ ግሪኽ ሓይሊ ዓለም ቅድሚ ምዃና ዘመናት ኣቐዲሙ እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ኵሉ እቲ ዝርዝር ነጥብታት ተፈጺሙ እዩ። እቲ ኣዝዩ ውሩይ ንጉስ ጥንታዊት ግሪኽ ዝነበረ እስክንድር እቲ ዓብዪ፡ ንሰራዊቱ መሪሑ ንሜዶንን ፋርስን ኬጥፍእ ተበገሰ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሓያል ዝነበረ ዓብዪ ንጉስ ብሃንደበት ኣብ መበል 32 ዕድሚኡ ሞተ፣ በዚ ኸምዚ እታ ቐርኒ ተሰብረት። ድሕሪኡ፡ መንግስቲ እስክንድር ናብ ኣርባዕተ ጀነራላቱ ተመቓቐለት።—ዳንኤል 8:20-22 ኣንብብ።
16. ኣንቲከስ ራብዓይ እንታይ እዩ ገይሩ፧
16 ግሪኽ ንሓይሊ ዓለም ፋርስ ምስ ሰዓረታ፡ ኣብ እስራኤል ክትገዝእ ጀመረት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣይሁድ ናብ ምድሪ ተስፋ ተመሊሶም ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ እንደገና ሃኒጾምዋ ነበሩ። ሽዑ ኣይሁድ፡ ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ እዮም ነይሮም፣ እታ እንደገና እተሃንጸት ቤተ መቕደስ ከኣ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ.፡ እታ ነቲ ሓምሻይ ርእሲ እቲ ኣራዊት እተመልክት ግሪኽ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣጥቅዓቶም። ሓደ ኻብቶም ነታ እተመቓቐለት መንግስቲ እስክንድር ዝወረሰ፡ ኣንቲከስ ራብዓይ እዩ ነይሩ፣ ንሱ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ መሰውኢ ኣረማውያን ኣቘመ፣ ነቶም ሃይማኖት ኣይሁድ ዚስዕቡ ኸኣ ብሞት ከም ዚቕጽዑ ገበረ። ኣብዚ እውን ክፍሊ ዘርኢ ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ይዋግኦም እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ግሪኽ እውን ነዊሕ ከይጸንሐት ብኻልእ ሓይሊ ዓለም ተተክአት። እቲ ሻድሻይ ርእሲ እቲ ኣራዊት መን እዩ፧
ሮሜ—እቲ “መፍርህን መሰክሕን” ዝዀነ ሻድሻይ ርእሲ
17. ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት፡ በቲ ሻድሻይ ርእሲ ፍጻሚኡ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧
17 ዮሃንስ፡ ራእይ እቲ ኣራዊት ኣብ ዝረኣየሉ ግዜ፡ ሮሜ ሓይሊ ዓለም ነበረት። (ራእ. 17:10) ሓደ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት፡ በዚ ሻድሻይ ርእሲ እቲ ኣራዊት እውን ፍጻሚኡ ረኺቡ እዩ። ሰይጣን ብሰበ ስልጣን ሮሜ ተጠቒሙ ን“ሸዀና” እቲ ዘርኢ ነኺስዎ እዩ። ብኸመይ፧ ሰበ ስልጣን ሮሜ ነቲ ናይ ሓሶት ክሲ ተቐቢሎም ንየሱስ ኪስቀል ፈሪዶምዎ እዮም። (ማቴ. 27:26) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንየሱስ ስለ ዘተንስኦ እቲ ቝስሊ ቐልጢፉ ሓወየ።
18. (ሀ) የሆዋ እንታይ ሓድሽ ህዝቢ እዩ መሪጹ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ዘርኢ እቲ ተመን ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ዝነበሮ ጽልኢ ብኸመይ እዩ ቐጺልዎ፧
18 መራሕቲ ሃይማኖት እስራኤል ምስ ሮማውያን ተመሻጢሮም ንየሱስ ኣሕሊፎም ሂቦምዎ እዮም፣ መብዛሕትኦም ህዝቢ እስራኤል ከኣ ነጺጎምዎ እዮም። ስለዚ፡ የሆዋ ነቶም ህዝቡ ዝነበሩ ብስጋ እስራኤላውያን ነጸጎም። (ማቴ. 23:38፣ ግብ. 2:22, 23) ድሕሪኡ፡ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባሂሎም እተጸውዑ ሓድሽ ህዝቢ ሓረየ። (ገላ. 3:26-29፣ 6:16) እቶም ህዝቢ፡ ኣይሁድን ኣህዛብን ዝሓቘፉ ቕቡኣት ክርስትያናት እዮም ነይሮም። (ኤፌ. 2:11-18) ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ እውን ከይተረፈ፡ ዘርኢ እቲ ተመን ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ዝነበሮ ጽልኢ ቐጺልዎ እዩ። ሮማውያን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ነታ ኻልኣይ ክፍሊ እቲ ዘርኢ ዝዀነት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኼጥፍእዋ ፈቲኖም እዮም።c
19. (ሀ) ዳንኤል ነቲ ሻድሻይ ሓይሊ ዓለም ብኸመይ ገሊጽዎ ኣሎ፧ (ለ) ኣብታ ኣብ ገጽ 14 እትርከብ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧
19 ኣብቲ ዳንኤል ንነቡካድነጻር ዘርኣዮ ሕልሚ፡ ሮሜ ብኣእጋር እቲ ሓጺን ተመሲላ ኣላ። (ዳን. 2:33) ዳንኤል ንሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነታ ኻብ ሮሜ ዝወጸት ቀጺላ ዝነበረት ሓይሊ ዓለም እውን ዚገልጽ ራእይ ርእዩ እዩ። (ዳንኤል 7:7, 8 ኣንብብ።) ሮሜ ንዘመናት ዚኣክል ንጸላእታ ኸም ሓደ “መፍርህን መሰክሕን ኣዝዩ ብርቱዕን” ጸላኢ እያ ዀይናቶም ነይራ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ሃጸያዊ ግዝኣት እዚ “ዓሰርተ ኣቕርንቲ” ኸም ዚበቝሉ፡ ጸኒሑ ኸኣ፡ “ንእሽቶ ኻልእ ቀርኒ” ኸም ዚወጽእ እሞ፡ እቲ ቐርኒ እቲ ምርኡይ ከም ዚኸውን ኣብቲ ትንቢት ተገሊጹ ኣሎ። እዞም ዓሰርተ ኣቕርንቲ እዚኣቶም መን እዮም፧ እቲ ንእሽቶ ቐርኒኸ ንመን የመልክት፧ እቲ ንእሽቶ ቐርኒ ምስ ኣየናይ ክፍሊ እቲ ነቡካድነጻር ዝረኣዮ ዓብዪ ምስሊ እዩ ዚመሳሰል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብታ ኣብ ገጽ 14 እትርከብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ነታ በቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ፍጥረታት ዝቘመት ውድብ የሆዋ ተመልክት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዛ ውድብ እዚኣ ሰበይቲ የሆዋ ኸም ዝዀነት ተገሊጻ ኣላ።—ኢሳ. 54:1፣ ገላ. 4:26፣ ራእ. 12:1, 2።
b ባቢሎን ኣብ ትንቢት ዳንኤል ብርእሲ እቲ ምስሊ ኽትምሰል ከላ፡ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ከኣ በቲ ሳልሳይ ርእሲ እቲ ኣራዊት ተመሲላ ኣላ። ኣብ ገጽ 12-13 ዘሎ ሰሌዳ ርአ።
c ሮሜ ንየሩሳሌም ብ70 ድ.ክ. እኳ እንተ ኣጥፍኣታ፡ እዚ መጥቃዕቲ እዚ ምስ ፍጻመ ዘፍጥረት 3:15 ኣይተሓሓዝን እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዝነበሩ ህዝቢ፡ ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ኣይነበሩን።