ዘጸኣት
22 “ሰብ፡ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓሪዱ፡ ወይ እንተ ሸይጡ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፡ ኣብ ክንዲ በጊዕ ከኣ ኣርባዕተ በጊዕ ይኽሓስ።+
2 (“ሰራቒ+ ጥሒሱ ኺኣቱ ኸሎ እንተ ተረኺቡ እሞ፡ ተወቒዑ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ወቓዒ ዕዳ ደም የብሉን። 3 ጸሓይ ምስ በረቐት ከምኡ እንተ ዀይኑ ግና፡ ዕዳ ደም ኣለዎ።)
“እቲ ሰራቒ ይኽሓስ። ሓንቲ እኳ እንተ ዘይብሉ ግና፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዝሰረቖ ይሸየጥ። 4 እቲ ዝሰረቖ፡ ብዕራይ ኰነ፡ ወይ ኣድጊ ዀነ፡ ወይ በጊዕ ኰነ፡ ብህይወቱ ምስኡ እንተ ተረኺቡ፡ ዕጽፊ ገይሩ ይኽሓስ።
5 “ሰብ ንእንስሳኡ ኣብ ግራት ወይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼብልዕ እንተ ፈንዩ፡ ግራት ካልእ ኪበልዕ ከኣ እንተ ሓዲግዎ፡ ካብ ግራቱ እቲ ዝበለጸ ወይ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ እቲ ዝበለጸ ይኽሓስ።
6 “ሓዊ ተላዒሉ ናብ ኣሻዅ ቈጥቋጣት እንተ ተላቢዑ እሞ፡ እንዳእትታት ወይ ዘይተዓጽደ እኽሊ ወይ ግራት እንተ ኣንዲዱ፡ እቲ ሓዊ ዘንደደ ኣብ ክንዲ እቲ ዝነደደ ይኽሓስ።
7 “ሰብ ንብጻዩ፡ ገንዘብ ወይ ኣቕሑ ኺሕልወሉ እንተ ሂብዎ፡ ካብ ቤት እቲ ብጻዩ ኸኣ እንተ ተሰሪቑ፡ እቲ ሰራቒ ድማ እንተ ተረኺቡ፡ ዕጽፊ ገይሩ ይኽሓስ።+ 8 እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኺቡ፡ እቲ ብዓል ቤት ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዘርግሐ ንምውሳን፡ ናብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይቕረብ።+ 9 ኣብ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ክዳን ኰነ፡ ወይ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ዝጠፍአ እሞ እቲ ሓደ፡ ‘እዚ ናተይ እዩ’ ብምባሉ ዚልዓል ነገር፡ ክልቲኦም ነቲ ነገሮም ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የምጽእዎ።+ እቲ ኣምላኽ በዳሊ ምዃኑ ዝፈረዶ ኸኣ፡ ንብጻዩ ዕጽፊ ገይሩ ይኽሓሶ።+
10 “ሰብ ንብጻዩ፡ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝዀነ እንስሳ ዘቤት ኪሕልወሉ እንተ ሂብዎ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞይቱ፡ ወይ እንተ ተሰይሩ፡ ወይ ዋላ ሓደ ኸይረኣየ እንተ ተዘሚቱ፡ 11 ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዘርግሐ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ማሕላ ይግበሩ፣ እቲ ዋና ድማ ይቀበሎ። እቲ ኻልእ ከኣ ኣይኽሓስ።+ 12 እቲ እንስሳ ኻብኡ እንተ ተሰሪቑ ግና፡ ነቲ ዋናኡ ይኽሓሶ። 13 ኣራዊት እንተ በትቢትዎ ድማ፡ ነቲ እተበትበተ ኸም መርትዖ የምጽኣዮ። ኣብ ክንዲ እቲ እተበትበተ ኣይኽሓስ።
14 “ግናኸ፡ ሰብ ካብ ብጻዩ እንስሳ ኺልቃሕ እንተ ለሚኑ፡ ዋናኡ ኸየሎ ኸኣ እንተ ተሰይሩ፡ ወይ እንተ ሞይቱ፡ እቲ እተለቅሖ ሰብ ይኽሓስ። 15 እቲ ዋና ምስኡ እንተ ነይሩ ግና፡ ኣይኽሓስ። ተኻርዩ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ንኽራዩ እተኸፍለ ገንዘብ ካሕሳ እዩ።
16 “ሰብ ንሓንቲ ዘይተሓጽየት ድንግል እንተ ኣስሒትዋ እሞ፡ ምስኣ እንተ ደቂሱ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ገዝሚ የግዝማ።+ 17 ኣቦኣ ፈጺሙ እንተ ኣብይዎ፡ ማዕረ ገዝሚ ዚኸውን ገንዘብ ይኽፈል።
18 “ንኣስማተኛ ብህይወት ኣይትሕደጋ።+
19 “ምስ እንስሳ ዚድቅስ ዘበለ ዅሉ ብርግጽ ይቀተል።+
20 “ብዘይካ ንየሆዋ ጥራይ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስውእ ይጥፋእ።+
21 “ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡+ ንጓና ኣይትግፍዓዮ ወይ ኣይትጨቍኖ።+
22 “ንመበለት ወይ ንዘኽታም* ኣይትግፍዑ።+ 23 እንተ ገፊዕካዮ እሞ፡ ናባይ እንተ ጠሪዑ፡ ጥርዓኑ ርግጽ ክሰምዕ እየ፣+ 24 ቍጥዓይ ከኣ ኪነድድ እዩ፣ ብሰይፊ ድማ ክቐትለኩም እየ። ሽዑ፡ ኣንስትኹም መበለታት፡ ደቅኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ።
25 “ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚቕመጥ ድኻ* ገንዘብ እንተ ኣለቂሕካዮ፡ ከም ኣለቃሓይ* ኣይትኹኖ። ወለድ ኣይተኽፍሎ።+
26 “ክዳን ብጻይካ ኸም ትሕጃ እንተ ሒዝካ፡+ ጸሓይ ከይዓረበት ምለሰሉ። 27 እቲ ንሰብነቱ* ዚኸድነሉ ኽዳኑ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ እንታይ ተኸዲኑ ኺድቅስ እዩ፧+ ናባይ እንተ ጠሪዑ፡ ርሕሩሕ* እየ እሞ፡ ብርግጽ ክሰምዖ እየ።+
28 “ንኣምላኽ ኣይትርገም፣*+ ንሹም* ህዝብኻ እውን ኣይትርገም።+
29 “ካብቲ ኣኺሉ ዚተርፍ ፍርያትካን መሊኡ ዚጅርብብ መጽመቚኻን፡* መባእ ንምሃብ ኣይተማትእ።+ ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንዓይ ሃበኒ።+ 30 ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕካን እውን ከምዚ ግበር፦+ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ። ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ንዓይ ሃበኒ።+
31 “ቅዱሳት ኩኑለይ፣+ ኣራዊት ኣብ መሮር ናይ ዝበትበቶ ስጋ ኣይትብልዑ።+ ንኣኽላባት ደርብይዎ።