3 ወደየ፡ ንትምህርተይ ኣይትረስዓዮ፣
ልብኻ ኸኣ ንትእዛዛተይ ይሓልዎ፣
2 ከመይሲ፡ ብዙሕ መዓልትታትን
ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውስኸልካ እዩ።+
3 ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ካባኻ ኣይፈለ።+
ኣብ ክሳድካ እሰሮ፣
ኣብ ጽላት ልብኻ ጽሓፎ፣+
4 ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽን ሰብን
ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።+
5 ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣+
ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ።+
6 ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣+
ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።+
7 ጥበበኛ ዝዀንካ ኣይምሰልካ።+
ንየሆዋ ፍርሃዮ፡ ካብ ክፉእ ድማ ርሓቕ።
8 እዚ ንሰብነትካ ፈውሲ፡
ንኣዕጽምትኻ እውን ሕዳሰ ኪኸውን እዩ።
9 ንየሆዋ ብጥሪትካን+
ብበዅሪ ፍርያትካን ኣኽብሮ፣+
10 ሽዑ፡ ማዕከናትካ ቕጽጽ ኢሉ ኺመልእ፡+
መዋህለል ወይንኻ ድማ ብጕዕሽ ወይኒ ኺጅርብብ እዩ።
11 ወደየ፡ ተግሳጽ የሆዋ ኣይትንዓቕ፣+
መግናሕቱ ኸኣ ኣይትፈንፍን።+
12 ከምቲ ኣቦ ነቲ ደስ ዜብሎ ወዱ ዚገንሖስ፡+
የሆዋ ንዜፍቅሮ እዩ ዚገንሖ።+
13 ጥበብ ዚረክብ፡
ምስትውዓል እውን ዜጥሪ ሰብ ሕጉስ እዩ፣+
14 ንዓኣ ምጥራይሲ ብሩር ካብ ምጥራይ፡
ንዓኣ ምኽሳብ ከኣ ወርቂ ኻብ ምኽሳብ ይበልጽ።+
15 ካብ ኣዕናቝ ትኸብር፣
እትምነዮ ዅሉ ድማ ኣይወዳደራን።
16 ኣብ የማነይታ ነዊሕ ዕድመ፡
ኣብ ጸጋመይታ ኸኣ ሃብትን ክብርን ኣሎ።
17 ጐደናታታ ባህ ዜብል፡
ኵሉ መገድታታ እውን ሰላማዊ እዩ።+
18 ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፣
ኣጽኒዖም ዚሕዝዋ ድማ ሕጉሳት ኪብሃሉ እዮም።+
19 የሆዋ ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ።+
ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣቘሞ።+
20 ብፍልጠቱ መዓሙቝ ማይ ተመቕለ፣
እተደባነወ ሰማያት ድማ ካፋ ኣንጠብጠበ።+
21 ወደየ፡ ነዚኣተን ካብ ኣዒንትኻ ኣይተርሕቀን።
ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን ሓልወን።
22 ንሳተን ህይወት ኪህባኻ፡
ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን።
23 ሽዑ፡ ብደሓን መገድኻ ኽትከይድ ኢኻ፣
እግርኻ እውን ከቶ ኣይክትዕንቀፍን እያ።+
24 በጥ ምስ በልካ፡ ኣይክትፈርህን ኢኻ፣+
በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካ እውን ጥዑም ኪኸውን እዩ።+
25 ሃንደበታዊ ሽበራ ዀነ፡+
ኣብ ልዕሊ እኩያት ዚወርድ ህቦብላ ኣይኬፍርሃካን እዩ።+
26 የሆዋስ ምንጪ እምንቶኻ ኪኸውን፡+
እግርኻ ኸይትተሓዝ ድማ ኪሕልወካ እዩ።+
27 ክትሕግዝ ዓቕሚ እንተ ኣልዩካ፡+
ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ።+
28 ንብጻይካ ሕጂ ኽትህቦ ትኽእል እንተ ዄንካ፡
“ኪድ እሞ ጸኒሕካ ተመለስ! ጽባሕ ክህበካ እየ” ኣይትበሎ።
29 ብጻይካ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡
ውዲት ኣይትእለመሉ።+
30 ክፉእ ምስ ዘይገበረካ ሰብ፡+
ብዘይ ምኽንያት ኣይትብኣስ።+
31 ብዓማጺ ሰብ ኣይትቕናእ፣+
ካብ መገድታቱ እውን ሓንቲ እኳ ኣይትምረጽ።
32 የሆዋስ ንጠዋይ ይፍንፍኖ እዩ፣+
ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።+
33 መርገም የሆዋ ኣብ ቤት እኩይ እዩ፣+
ንቤት ጻድቃን ግና ይባርኻ።+
34 ንሱስ ንዜላግጹ የላግጸሎም፣+
ንዓቃላት ግና ሞገስ የርእዮም።+
35 ጥበበኛታት ክብሪ ኺወርሱ እዮም፣
ዓያሹ ግና ውርደት ኬሞግሱ እዮም።+