ያእቆብ
4 እቲ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ፧ ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም* ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ስጋዊ ትምኒትኩም ደይኰነን፧+ 2 ትምነዩ እሞ ኣይትረኽቡን። ትቐትሉን ትትምነዩን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይትኽእሉን። ትብኣሱን ትዋግኡን ኢኹም።+ ስለ ዘይለመንኩም፡ ኣይትረኽቡን። 3 ክትልምኑ ኸለኹም ከኣ፡ ኣብ ስጋዊ ትምኒትኩም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ሓሳብ ስለ እትልምኑ፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።
4 ኣትን ዘመውቲ፡* ዕርክነት ምስ ዓለምሲ ጽልኢ ምስ ኣምላኽ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣር፡ እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኸውን ዚደሊ፡ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን።+ 5 ወይስ ቅዱስ ጽሑፍ፡ “እቲ ኣባና ዝሓደረ መንፈስ ብቕንኢ ሃረር ይብል ኣሎ” ዚብል ንኸንቱዶ ይመስለኩም፧+ 6 ግናኸ፡ እቲ ዝሃበና ጸጋ ይዓቢ። ስለዚ፡ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡+ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ይብል።+
7 እምበኣር፡ ንኣምላኽ ተገዝእዎ፣+ ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡+ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ።+ 8 ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።+ ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፣+ ኣቱም ተወላወልቲ እውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ።+ 9 ይጽበብኩምን ሕዘኑን ብኸዩን።+ ሰሓቕኩም ናብ ሓዘን፡ ሓጐስኩም እውን ናብ ጓሂ ይለወጥ። 10 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ* ትሕት በሉ፡+ ንሱ እውን ልዕል ኬብለኩም እዩ።+
11 ኣሕዋተየ፡ ደጊም ንሓድሕድኩም ኣይትነቓቐፉ።+ እቲ ንሓዉ ዚነቕፎ ወይ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ፡ ንሕጊ ይነቕፎ፡ ኣብ ሕጊ እውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ከኣ፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። 12 ኬድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል+ ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ።+ ንስኻ ኣብ ብጻይካ እትፈርድ ግና መን ኢኻ፧+
13 እስከ ሕጂ ኣቱም፡ “ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ኽንከይድ፡ ኣብኣ እውን ዓመት ክንገብር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና” እትብሉ፡+ 14 ጽባሕ ህይወትኩም እንታይ ከም እትኸውን ኣይትፈልጡን ኢኹም።+ ንቝሩብ ግዜ ተራእዩስ ደሓር ዚበንን ግመ ኢኹም።+ 15 ኣብ ክንዳኡስ፡ “የሆዋ* እንተ ፈቒድዎ፡+ ክንነብርን እዚ ወይ እቲ ኽንገብርን ኢና” ኽትብሉ እዩ ዚግብኣኩም። 16 ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ ኣለኹም። ኵሉ እቲ ኸምዚ ዝበለ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። 17 እምበኣር፡ እቲ ቕኑዕ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንዕኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።+