መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብ“ሹሻን።” ናይ ዳዊት።
69 ኦ ኣምላኽ፡ ማያት ኣስጊኡኒ* እዩ እሞ፡ ኣድሕነኒ።+
2 ናብቲ መርገጺ ባይታ ዘይብሉ ዓሚቝ ታኼላ ጥሒለ።+
ናብ ዓሚቝ ማያት ኣትየ፡
ብርቱዕ ውሒዝ ከኣ ወሲዱኒ።+
3 ብምእዋይ ደኺመ፣+
ጐረሮይ ላሕቲቱ።
ኣዒንተይ ንኣምላኸይ ብምጽባይ ደኺመን።+
እቶም ኬጥፍኡኒ ዚደልዩ፡
እቶም ጠላማት ጸላእተይ* በዚሖም።
ዘይሰረቕክዎ ኸረክብ ተገዲደ።
5 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ንዕሽነተይ ትፈልጦ ኢኻ፣
በደለይ እውን ካባኻ ኣይተሓብአን።
6 ኦ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡
ብኣኻ ተስፋ ዚገብሩ ብኣይ ኣይሕፈሩ።
ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡
እቶም ዚደልዩኻ ብኣይ ኣይዋረዱ።
8 ንኣሕዋተይ ጋሻ፡
ንደቂ ኣደይ ድማ ጓና ዀይነዮም።+
11 ማቕ ምስ ተኸደንኩ፡
መመሰሊ ዀይነዮም።
12 መዛረቢ እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዘለዉ ዀይነ፣
ሰኽራማት ከኣ መድረፊኦም ገይሮምኒ።
13 ኦ የሆዋ፡ ብቕብልቲ ግዜ ግና፡
ጸሎተይ ናባኻ ይብጻሕ።+
ኦ ኣምላኽ፡ ብብዝሒ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡
በቲ ርግጽ ዝዀነ ግብርታት ድሕነትካ መልሰለይ።+
14 ካብ ታኼላ ኣናግፈኒ፣
ክጥሕል ኣይትሕደገኒ።
ካብቶም ዚጸልኡንን
ካብቲ መዓሙቝ ማያትን ኣናግፈኒ።+
16 ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መልሰለይ።+
ኣብ ጭንቂ እየ ዘለኹ እሞ፡ ቀልጢፍካ መልሰለይ።+
18 ናባይ ቅረብ እሞ ኣናግፈኒ፣*
ካብ ጸላእተይ ተበጀወኒ።
19 ጸርፈይን ሕስራነይን ውርደተይን ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ።+
ንዅሎም ጸላእተይ ትርእዮም ኢኻ።
20 ጸርፊ ንልበይ ሰይርዎ እዩ እሞ፡ ቍስለይ ዘይሓዊ ዀይኑ።*
22 መኣዶም ኣብ ቅድሚኦም መጻወድያ፡
ብልጽግናኦም ድማ መፈንጠራ ይኹን።+
23 ከይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታ፣
ንሕቘኦም ድማ ወትሩ ኣንቀጥቅጦ።
26 ነቲ ዝወቓዕካዮ ይሰጕግዎ፡
ስቓይ እቶም ዘቝሰልካዮም እውን ይጽብጽቡ።
27 ኣብ ልዕሊ በደሎም በደል ወስኽ፣
ኣብ ጽድቅኻ እውን ግደ ኣይሃልዎም።
29 ኣነ ግና ውጹዕ እየ፡ እቕንዞ እውን ኣለኹ።+
ኦ ኣምላኽ፡ ድሕነትካ የዕቍበኒ።
30 ንስም ኣምላኽ ውዳሰ ኽዝምረሉ፡
ብምስጋና ድማ ከዕብዮ እየ።
31 እዚ ንየሆዋ ኻብ ብዕራይ፡
ካብ ኣቕርንትን ሸዀናን ዘለዎ ዝራብዕ ንላዕሊ ባህ ኬብሎ እዩ።+
32 ዓቃላት* ኪርእይዎን ኪሕጐሱን እዮም።
ኣቱም ንኣምላኽ እትደልይዎ፡ ልብኹም ይተሓደስ።
34 ሰማይን ምድርን፡
ባሕርታትን ኣብኡ ዚንቀሳቐስ ኵሉን ይወድሶ።+