ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። መዝሙር። ማህሌት።
68 ኣምላኽ ይተንስእ፡ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣
እቶም ዚጸልእዎ ድማ ካብ ቅድሚኡ ይህደሙ።+
2 ትኪ ኸም ዚብተን፡ በትኖም፣
ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዚመክኽ፡
ከምኡ እኩያት ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጥፍኡ።+
3 ጻድቃን ግና ይተሓጐሱ፣+
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ባህ ይበሎም፣
ብታሕጓስ ይፈስሁ።
4 ንኣምላኽ ዘምሩሉ፣ ንስሙ ውዳሰ ዘምሩሉ።+
ነቲ ብጐላጕል ምድረ በዳ ተወጢሑ ዚሓልፍ ዘምሩሉ።
ስሙ ያህ እዩ!+ ኣብ ቅድሚኡ ተሓጐሱ!
5 ኣምላኽ ኣብ ቅዱስ ማሕደሩ+
ኣቦ ዘኽታማትን መዕቈቢ መበለታትን እዩ።+
6 ኣምላኽ ነቶም በይኖም ዝዀኑ ዚቕመጡሉ ቤት ይህቦም፣+
ንእሱራት ናብ ብልጽግና የውጽኦም።+
ነቓጻት ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ።+
7 ኦ ኣምላኽ፡ ንህዝብኻ ኽትመርሖ ኸለኻ፡+
ብምድረ በዳ ኽትሓልፍ ከለኻ፡ (ሴላ)
8 ምድሪ ኣንቀጥቂጣ፣+
ሰማይ እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘኒሙ፣
እዚ ሲና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣንቀጥቂጡ።+
9 ኦ ኣምላኽ፡ ብብዝሒ ኣዝኒምካ፣
ንዝደኸመ ህዝብኻ ኣበርቲዕካዮ።
10 ኣብ ድንኳናትካ ተቐሚጦም፣+
ኦ ኣምላኽ፡ ብሕያውነትካ ንድኻ ኣዳሊኻሉ።
11 የሆዋ ትእዛዝ ይህብ፣
እተን ዜበስራ ኣንስቲ ዓብዪ ሰራዊት እየን።+
12 ነገስታት ሰራዊት ይሃድሙ፡+ ይሃድሙ!
እታ ኣብ ቤት ዝጸንሐት፡ ካብ ምርኮ ትማቐል።+
13 ኣብ መንጎ መጋርያታት እኳ በጥ ኢልኩም እንተ ነበርኩም፡
ብብሩር እተለበጠ ኣኽናፍ ርግቢ፡
ብጽሩይ ወርቂ እውን እተለበጠ መንገብገብ ኪህሉ እዩ።
14 እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፡+
ኣብ ጻልሞን ውርጪ ዘኒሙ።
15 ከረን ባሳን+ ናይ ኣምላኽ ከረን እዩ፣
ከረን ባሳን ኣራእስ ዘለዎ ኸረን እዩ።
16 ኣቱም ኣራእስ ኣኽራን፡ ስለምንታይ ኢኹም
ነቲ ኣምላኽ ማሕደሩ ኪኸውን ዝሓረዮ ኸረን ቀኒእኩም እትጥምትዎ፧+
እወ፡ የሆዋ ኣብኡ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።+
17 ሰረገላታት ኣምላኽ ዓሰርተታት ኣሽሓት፡ ኣሽሓት ግዜ ኣሽሓት እዩ።+
የሆዋ ኻብ ሲና ናብ መቕደስ መጺኡ።+
18 ናብ ላዕሊ ደዪብካ፣+
ምሩኻት ማሪኽካ፣
ውህበት ጌርካ ሰባት ወሲድካ፣+
እወ፡ ኦ ያህ ኣምላኽ፡ ኣብ መንጎኦም ክትነብርሲ ነቓጻት እኳ ወሲድካ።+
19 እቲ መዓልቲ መዓልቲ ጾርና ዚጸውር የሆዋ፡
እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድሕነትና ይወደስ።+ (ሴላ)
20 ንዓናስ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ዜድሕን ኣምላኽ እዩ፣+
የሆዋ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ድማ ካብ ሞት መዋጽኦ ዚገብር ኣምላኽ እዩ።+
21 እወ፡ ኣምላኽ ንኣራእስ ጸላእቱ፡
ነቲ ጸጓር መንበስበስታ እቲ ብበደሉ ዚመላለስ ዘበለ ኺጭፍልቖ እዩ።+
22 የሆዋ ኸምዚ ኢሉ፦ “ካብ ባሳን ክመልሶም፡+
ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ኸኣ ክመልሶም እየ፣
23 በዚ ኸምዚ፡ እግርኻ ብደም ክትሕጸብ እያ፣+
ልሳን ኣኽላባትካ ኸኣ ግዲኡ ኻብ ጸላእቲ ኺረክብ እዩ።”
24 ኦ ኣምላኽ፡ ዓጀባኻ፡
እቲ ናብ መቕደስ ዚበጽሕ ዓጀባ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ይርእዩ።+
25 እቶም ዘመርቲ ቐቅድሚት፡ ደድሕሪኦም ድማ በገና ዚወቕዑ ሙዚቀኛታት ይኸዱ፣+
ኣብ መንጎ ኸኣ ከበሮ ዚወቕዓ ኣዋልድ ኣለዋ።+
26 ኣብ ጉባኤ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ወድስዎ፣
ኣቱም ካብ ምንጪ እስራኤል ዝዀንኩም፡ ንየሆዋ ወድስዎ።+
27 ኣብኡ እቲ ዝነኣሰ ብንያም+ ይገዝኦም፣
ከምኡ እውን መሳፍንቲ ይሁዳ ምስቶም ጫውጫው ዚብሉ ጭፍራኦም፡
መሳፍንቲ ዛብሎን፡ መሳፍንቲ ንፍታሌም ይገዝእዎም።
28 ኣምላኽካ ሓያል ክትከውን ኣዚዙ።
ኣታ ምእንታና ኢልካ ዝገበርካ ኣምላኽ፡ ብርታዐኻ ኣርኢ።+
29 ስለታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤተ መቕደስካ፡+
ነገስታት ህያባት ኬምጽኡልካ እዮም።+
30 ህዝብታት ብሩር ሒዞም መጺኦም ክሳዕ ዚሰግዱ፡
ኣብ ሻምብቆታት ንዘለዉ እንስሳ ዘገዳም፡
ንኣኼባ ኣብዑርን+ ምራኹቶምን ግንሓዮም።
ብውግእ ደስ ንዚብሎም ህዝብታት ግና ፋሕ የብሎም።
31 ኣቕሑ ብሮንዞ ኻብ ግብጺ ኺመጽእ እዩ፣+
ኩሽ ከኣ ቀልጢፋ ንኣምላኽ ህያባት ክትህብ እያ።
32 ኦ መንግስትታት ምድሪ፡ ንኣምላኽ ዘምራሉ፡+
ንየሆዋ ውዳሰ ዘምራሉ፣ (ሴላ)
33 ነቲ ኣብ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ተወጢሑ ዚኸይድ ዘምሩሉ።+
እንሆ፡ ንሱ ንድምጹ፡ ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፡ የንጐድጕዶ።
34 ኣምላኽ ብርቱዕ ምዃኑ ተኣመኑ።+
ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡
ብርታዐኡ ድማ ኣብ ሰማያት እዩ።
35 ኣምላኽ ካብቲ ዓብዪ መቕደሱ ዜፍርህ እዩ።+
ንሱ ንህዝቡ ብርታዐን ሓይልን ዚህብ+
ኣምላኽ እስራኤል እዩ።
ኣምላኽ ይወደስ።