ግብሪ ሃዋርያት
27 ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ስለ እተወሰነ፡+ ንጳውሎስን ንገለ ኻብቶም ካልኦት እሱራትን ኣሕሊፎም ነቲ ዩልዮስ ዝስሙ ኻብ ኣሃዱ ኣውጉስጦስ ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ ሃብዎም። 2 ካብ ኣድራሚትስ ብገምገመ ገምገም ኣውራጃ እስያ ኣብ እትኸይድ መርከብ ደዪብና ነቐልና፣ እቲ ኻብ ተሰሎንቄ ዝዀነ ኣርስጠርኮስ+ ብዓል መቄዶንያ ምሳና ነበረ። 3 ንጽብሒቱ፡ ኣብ ሲዶን በጻሕና፣ ዩልዮስ ከኣ ንጳውሎስ ርሕራሐ* ገበረሉ፡ ናብ ፈተውቱ ኪኸይድን ክንክኖም ኪረክብን ድማ ፈቐደሉ።
4 ካብኣ ነቒልና ድማ ንፋስ ኣንጻርና ስለ ዝነበረ፡ ብትሕቲ ቆጵሮስ ተኸዊልና ተጕዓዝና። 5 ብጥቓ ቂልቅያን ጰምፊልያን ኣቢልና ኸኣ ብማእከል ባሕሪ ተጕዓዝና፣ ኣብታ ኣብ ሉቅያ እትርከብ ሚራ ድማ በጻሕና። 6 ኣብኣ ኸኣ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ካብ እስክንድርያ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ መርከብ ረኸበ፣ ናብኣ እውን ኣደየበና። 7 ድሕርዚ፡ ብዙሕ መዓልትታት ገፈፍ እናበልና ምስ ተጕዓዝና፡ ብጭንቂ ናብ ክኒዶስ መጻእና። ጕዕዞና ኸይንቕጽል ንፋስ ምስ ከልከለና፡ ብትሕቲ ቅሬጥስ ተኸዊልና ብሰልሞና ሓለፍና። 8 ብጭንቂ ብጸግዒ ጸግዓ ተጓዒዝና፡ ናብታ ኣብ ጥቓ ኸተማ ላስያ እትርከብ ጽቡቕ ወደብ እትብሃል ቦታ መጻእና።
9 ብዙሕ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ጾም መዓልቲ ዕርቂ+ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ብመርከብ ዚግበር ጕዕዞ ሓደገኛ ብምንባሩ፡ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ተማሕጸኖም፦ 10 “ኣቱም ሰባት፡ እዚ ጕዕዞ እዚ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንህይወትና* እውን ጕድኣትን ብዙሕ ጥፍኣትን ከም ዜምጽእ ይርኣየኒ ኣሎ።” 11 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋና መርከብን ሰምዐ። 12 እቲ ወደብ ንምኽራም ዘይጥዕም ስለ ዝነበረ ድማ፡ ካብኡ ኺነቕሉ እሞ፡ እንተ ኽኢሎም ናብቲ ኣብ ቅሬጥስ ዚርከብ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ገጹ ዝገበረ ወደብ ፊኒቅስ ኣትዮም ኣብኡ ኪኸርሙ፡ መብዛሕትኦም መኸሩ።
13 ንፋስ ደቡብ ብህድኣት ምስ ነፈሰ ኸኣ፡ ከም ሓሳቦም ዝዀነሎም መሲልዎም፡ መልህቕ ኣልዒሎም ብጸግዒ ቅሬጥስ ሓለፉ። 14 ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ኤውሮኪሎን* ዚብሃል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ተሃንዲዱ መጸ። 15 ነታ መርከብ መንዚዑ ምስ ወሰዳ ኸኣ፡ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፡ ናብ ዝወሰዳ ትኺድ ሓደግናያ። 16 ብትሕቲ ኸውሊ ካውዳ እትብሃል ንእሽቶ ደሴት እኳ እንተ ሓለፍና፡ ነታ ብሸነኽ ድሕሪት መርከብ ዝነበረት ጃልባ ግና ብተጋድሎ ኢና ኣድሒንናያ። 17 ምስ ኣደየብዋ ኸኣ፡ ነታ መርከብ ብታሕቲ ብገመድ ኣሲሮም መጻንሒ ገበሩላ፣ መሰረት እታ መርከብ ኣብ ሲርጢስ* ባይታ ኸይትንክፍ ፈሪሆም ድማ፡ ነቲ ኣግማድ ፈቲሖም ነቲ ጋንጽላ ምስ ጠቕለሉ፡ ከምኡ ኢላ ትኺድ ሓደግዋ። 18 በቲ ማዕበል ናብዝን ናብትን ንድፋእ ስለ ዝነበርና፡ ንጽብሒቱ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ፣ 19 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ናውቲ እታ መርከብ ብኣእዳዎም ደርበይዎ።
20 ንሓያሎ መዓልትታት ጸሓይ ኰነ ወይስ ከዋኽብቲ ኸይተራእየ ምስ ጸንሐ እሞ፡ እቲ ማዕበል እውን እናበርትዓና ምስ ከደ፡ ኵሉ ተስፋ ድሕነትና በነነ። 21 ብዘይ ምግቢ ብዙሕ ምስ ገበሩ ድማ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፡ ምኽረይ ሰሚዕኩም ካብ ቅሬጥስ እንተ ዘይትነቕሉስ፡ እዚ ጕድኣትን ጥፍኣትን እዚ ኣይምረኸበኩምን ነይሩ።+ 22 ሕጂ ድማ፡ እዛ መርከብ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ* እሞ፡ ክትቀስኑ እምሕጸነኩም ኣለኹ። 23 በዛ ለይቲ እዚኣ፡ መልኣኽ+ እቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን* ኣምላኽ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ 24 ‘ጳውሎስ፡ ኣይትፍራህ። ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኣሎካ፣+ እንሆ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ምሳኻ ዚጕዓዙ፡ ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ’ ኢሉኒ እዩ። 25 ስለዚ፡ ኣቱም ሰባት፡ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዚኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ፡ ኣጆኹም። 26 ግናኸ፡ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና።”+
27 ኣብ መበል 14 ለይቲ፡ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ናብዝን ናብትን ክንድፋእ ከለና፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ እቶም ባሕረኛታት ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም። 28 መለክዒ ገይሮም ምስ ኣቘሩ ድማ፡ 20 ብቝመት ሰብ* ረኸቡ፣ ካብኡ ቝሩብ ሕልፍ ኢሎም፡ ከም ብሓድሽ መለክዒ ገይሮም ኣቘሩ እሞ፡ 15 ብቝመት ሰብ* ረኸቡ። 29 ምስ ኣኻውሕ ከይንጋጮ ስለ ዝፈርሁ፡ ብሸነኽ ድሕሪት እታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቕ ኣውረዱ፣ መዓልቲ ኪኸውን ከኣ ተመነዩ። 30 እቶም ባሕረኛታት ካብታ መርከብ ኪሃድሙ ደልዮም፡ ብሸነኽ ቅድሚት መልህቕ ዜውርዱ መሲሎም ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኼውርዱ ኸለዉ፡ 31 ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ወተሃደራትን፡ “እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸኒሖም፡ ንስኻትኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።+ 32 ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራት ኣግማድ እታ ጃልባ በቲኾም፡ ትውደቕ ሓደግዋ።
33 ኪወግሕ ምስ በለ፡ ጳውሎስ ንዅላቶም ከምዚ ኢሉ ኣተባብዖም፦ “እንታይ ከም ዚኸውን ብጭንቀት እናተጸበኹም ገለ ኸይጠዓምኩም ብዘይ ምግቢ፡ ሎሚ መበል 14 መዓልትኹም እዩ። 34 እምበኣር፡ እዚ ንድሕነትኩም ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ኻባኻትኩም ጸጕሪ ርእሲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ እሞ፡ ምግቢ ኽትበልዑ አተባብዓኩም ኣለኹ።” 35 እዚ ምስ በለ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ንኣምላኽ ኣመስገነ እሞ፡ ቈሪሱ ኺበልዕ ጀመረ። 36 ኵላቶም ድማ ቀሰኑ እሞ በልዑ። 37 ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዅላትና ኸኣ፡ 276 ሰባት* ኢና። 38 በሊዖም ምስ ጸገቡ ድማ፡ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፡ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ።+
39 መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ምድሪ እኳ እንተ ዘየለለይዎ፡+ ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ እሞ፡ እንተ ኽኢሎምሲ፡ ነታ መርከብ ናብኡ ኼብጽሕዋ ቘረጹ። 40 ነቲ መልህቕ በቲኾም ድማ፡ ናብ ባሕሪ ኺወድቕ ሓደግዎ፣ ምስናይዚ እውን መእሰር እቲ መእለይታት መርከብ ፈቲሖም፡ ነቲ ጋንጽላ ቕድሚት ንንፋስ ገቲሮም፡ ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ። 41 ብኽልቲኡ ሸነኹ ብባሕሪ ምስ እተዀመረ ድበት ምስ ተላግዑ፡ መሰረት እታ መርከብ ባይታ ተንከየ፡ ብሸነኽ ቅድሚታ ኸኣ ተሸኽለት እሞ፡ ዘይትንቕነቕ ኰነት፣ ብሸነኽ ድሕሪታ ግና ማዕበል በርቲዕዋ ተሰባበረት።+ 42 ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራት ነቶም እሱራት፡ ሓደ እኳ ሓምቢሱ ምእንቲ ኸየምልጥ ኢሎም፡ ኪቐትልዎም ወሰኑ። 43 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ኬድሕኖ ደልዩ፡ ሓሳቦም ከይፍጽሙ ኸልከሎም። ነቶም ሓምቢሶም ዚኽእሉ ድማ፡ ዘሊሎም ናብ ባሕሪ ኣትዮም ቅድም ናብ ምድሪ ኺወጹ ኣዘዘ፣ 44 እቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ገሊኣቶም ብሉሕ፡ ገሊኣቶም እውን ብስባር እታ መርከብ ኪወጹ ኣዘዘ። በዚ ኸምዚ፡ ኵላቶም ድሒኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።+