መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብ“ሹሻን።” መዘኻኸሪ። ናይ ኣሳፍ።+ መዝሙር።
80 ኦ ጓሳ እስራኤል፡
ኣታ ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ጽን በል።+
4 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ንጸሎት ህዝብኻ እትጻረሮ፧*+
5 ንብዓት ከም እንጌራ ተብልዖም፡
መስፈር ዘይብሉ ንብዓት ድማ ተስትዮም ኣለኻ።
6 ጐረባብትና ብኣና ኸም ዚብኣሱ ጌርካዮም፣
ጸላእትና ኸኣ ከም ቃሕ ዝበሎም የላግጹልና ኣለዉ።+
7 ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፣
ምእንቲ ኽንድሕንሲ፡ ገጽካ ኣብርሃልና።+
8 ተኽሊ ወይኒ+ ኻብ ግብጺ ኣውጺእካ።
ንኣህዛብ ሰጒጕካ ድማ ተኺልካያ።+
9 ቦታ ጸሪግካላ፣
ንሳ ኸኣ ሱር ሰዲዳ ነታ ምድሪ መሊኣታ።+
10 ኣኽራን ብጽላላ፡
ቄድሮሳት ኣምላኽ እውን ብጨናፍራ ተኸዲኖም።
13 ናይ ዱር መፋልስ የብርስዋ፡
እንስሳታት መሮር እውን ይበልዕዋ ኣለዉ።+
14 ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፡ በጃኻ ተመለስ።
ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ጠምት እሞ ርአ!
16 ብሓዊ ነዲዳ፡ ተቖሪጻ።+
ብመግናሕትኻ* ይጠፍኡ።
17 ኢድካ ነቲ ኣብ የማንካ ዘሎ ሰብኣይ፡
ነቲ ንዓኻ ኢልካ ዘበርታዕካዮ ወዲ ሰብ ትደግፎ።+
18 ሽዑ፡ ካባኻ ኣይክንርሕቕን ኢና።
ስምካ ምእንቲ ኽንጽውዕሲ፡ ብህይወት ኣንብረና።
19 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፣
ምእንቲ ኽንድሕንሲ፡ ገጽካ ኣብርሃልና።+