ኤርምያስ
9 ኣየ፡ ርእሰይ እባ ማያት እንተ ዚኸውን፡
ኣዒንተይ እውን ዓይኒ ማይ ንብዓት እንተ ዚኸውን!+
ሽዑ፡ ንቕቱላት ህዝበይ፡
መዓልትን ለይትን ምበኸኹሎም።
2 ኣየ፡ ኣብ በረኻ መሕደሪ ተጓዓዝቲ እንተ ዝህልወኒ!
3 ልሳኖም ከም ቀስቲ ይግትሩ፣
ኣብ ምድሮም ተኣማንነት ዘይኰነስ፡ ሓሶት ሰፊኑ ኣሎ።+
“ካብ እከይ ናብ እከይ ይኸዱ፣
ንዓይ ከኣ ኣየቕልቡለይን”+ ይብል የሆዋ።
5 ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ የታልሎ፣
ሓቂ ዚዛረብ እውን የልቦን።
ንልሳኖም ምዝራብ ሓሶት ምሂሮምዋ።+
ክፉእ ንምግባር ድማ ርእሶም የድክሙ።
6 ኣብ ማእከል ምትላል ትነብር ኣለኻ።
ብምትላሎም ከኣ ምፍላጠይ ኣበዩ” ይብል የሆዋ።
7 ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦
“ከምክኾምን ክፍትኖምን እየ፣+
ንጓል ህዝበይሲ እንታይ ካልእ ደኣ ኽገብር እየ፧
8 ልሳኖም ምትላል ዚዛረብ ቀታሊ ፍላጻ እዩ።
ሰብ ንብጻዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦ፣
ብልቡ ግና የድብየሉ።”
9 “በዚ ነገር እዝስ ተሓተትቲዶ ኣይገብሮምን እየ፧” ይብል የሆዋ።
“ኣብ ከምዚ ዝበለ ህዝብስ ሕነይዶ ኣይፈድን እየ፧*+
10 ሰብ ዘይሓልፎ ኽሳዕ ዚኸውን ብሓዊ ነዲዱ፡
ደሃይ ማል ከኣ ኣይስማዕን እዩ እሞ፡
ንኣኽራን ክበኽየሉን ክድጕዓሉን፡
መጓሰዪ ንዝዀነ በረኻ እውን ከልቅሰሉ እየ።
ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳታትን ሃዲሞም ከይዶም እዮም።+
12 ነዚ ኺርድኦ ዚኽእል ጥበበኛ መን እዩ፧
ምእንቲ ኺገልጾኸ፡ ኣፍ የሆዋ ንመን እዩ እተዛረቦ፧
እታ ምድሪ ስለምንታይ ጠፊኣ፧
ሓደ እኳ ኸም ዘይሓልፋ ዀይና
ዝሓረረት ስለምንታይ እያ፧”
13 የሆዋ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘንበርክዎ ሕገይ* ስለ ዝሓደግዎን ስለ ዘይሰዓብዎን ድምጸይ ስለ ዘይተኣዘዙን እዩ። 14 ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም፡ ብንቕጽና ንልቦም ስዒቦም፡+ ንምስልታት በዓል ከኣ ስዒቦም።+ 15 ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ መሪር ተኽሊ ኸብልዖ፡ እተመረዘ ማይ ድማ ከስትዮ እየ።+ 16 ኣብ መንጎ እቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ዘይፈለጥዎም ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፡+ ክሳዕ ዘጽንቶም ከኣ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰድድ እየ።’+
17 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦
‘ብኣእምሮ ተመላለሱ።
ልቕሶ ዜልቅሳ ኣንስቲ ጸውዑ፣+
ክኢላታት ኣንስቲ ኺመጻ ድማ ልኣኹ፣
18 ቀልጢፈን ድጕዓ ምእንቲ ኼለዓዕላልና፡
ኣዒንትና ብንብዓት ምእንቲ ኺውሕዝ፡
ከበሮ ዓይንና ኸኣ ማይ ምእንቲ ኼንጠብጥብ፡ ልኣኹ።+
19 ደሃይ ድጕዓስ ካብ ጽዮን ተሰሚዑ እዩ፦+
“ክንደይ ኰን ኢና ጠፊእና!
ሕፍረትና እውን ክንደይ ኰን ዓብዪ እዩ!
ነታ ምድርስ ሓዲግናያ፡ ንኣባይትና ኸኣ ኣፍሪሶምዎ።”+
20 ኣትን ኣንስቲ፡ ቃል የሆዋ ስምዓ።
እዝንኽን ድማ ቃል ኣፈይ ትቀበል።
ንኣዋልድክን እዚ ድጕዓ እዚ ምሃራአን፣
ንሓድሕድክን እውን እዚ ልቕሶ እዚ ተማሃሃራ።+
22 ከምዚ በሉ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
23 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
24 “እቲ ዚምካሕሲ በዚ ደኣ ይመካሕ፦
ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ፍትሕን ጽድቅን ኣብ ምድሪ ዝገብር ኣነ የሆዋ ምዃነይ፡+
ብዛዕባይ ልቦናን ፍልጠትን ብምርካቡ ይመካሕ፣+
በዝስ ደስ ይብለኒ እዩ”+ ይብል የሆዋ።
25 “እንሆ፡ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ፡ “ኣነ ኸኣ ንዅሉ ዘይተገዝረ ግዙር ተሓታቲ ኽገብሮ እየ፣+ 26 ንግብጽን+ ንይሁዳን+ ንኤዶምን+ ንዓሞናውያንን+ ንሞኣብን+ ንዅሎም እቶም ኣብ በረኻ ዚቕመጡ ጸጕሪ ጕንዲ እዝኖም ዚቘርጹን+ ከምኡ ኽገብር እየ፣ ኵሎም ኣህዛብሲ ዘይተገዝሩ እዮም፣ ኵሎም ቤት እስራኤል ድማ ልቦም ዘይተገዝረ እዩ።”+