መዝሙር
ዳዊት ብዛዕባ ቓላት ኩሽ እቲ ብንያማዊ ንየሆዋ ዝቘዘሞ ቝዝማ።
7 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ።+
ካብ ኵሎም እቶም ዚሰጕጉኒ ኣድሕነንን ኣናግፈንን።+
3 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ኣብዚ እንተ ተጋግየ፡
ወይ እንተ ዓሚጸ፡
4 ጽቡቕ ንዝገበረለይ እንተ በዲለ፡+
ወይ ንጸላእየይ ብዘይ ምኽንያት እንተ ዘሚተዮ፡*
5 ጸላኢ ስዒቡ የርክበኒ፣*
ንህይወተይ ኣብ ምድሪ ይርገጻ፡
ንኽብረይ ከኣ ኣብ ሓመድ የጥፍኣዮ። (ሴላ)
7 ኣህዛብ ይኽበቡኒ፣
ዒራ ንስኻ ኻብ ላዕሊ ኽትጻረሮም ኢኻ።
ኦ የሆዋ፡ ከም ጽድቀይን
ከም ንጽህናይን ፍረደኒ።+
9 ንኽፍኣት እኩያት በጃኻ መወዳእታ ግበረሉ።
10 ኣምላኽ ዋልታይ እዩ፡+ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ድማ መድሓኒ እዩ።+
13 ቀታሊ ኣጽዋሩ የዳሉ፣
ሃልሃል ንዚብል ፍላጻታቱ ይቕርብ።+
14 እከይ ንዝጠነሰ ርኣዮ፣
ሽግር ጠኒሱ ሓሶት ይወልድ።+
15 ጕድጓድ ኵዒቱ የዕምቛ፣
ግናኸ፡ ናብታ ዝገበራ ጕድጓድ ይወድቕ።+
16 እቲ ዘምጽኦ ሽግር ናብ ርእሱ ይምለስ፣+
ዓመጻኡ ድማ ኣብ መንበስበስታኡ ይወርድ።