መዝሙር
መዝሙር። ናይ መዓልቲ ሰንበት ማህሌት።
92 ንየሆዋ ምምስጋን፡+
ኦ ልዑል፡ ንስምካ ድማ ውዳሰ ምዝማር* ጽቡቕ እዩ፣
2 ብንግሆ ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡+
ብለይቲ ኸኣ ንተኣማንነትካ ምንጋር፡
3 ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብዑድን፡
4 ኦ የሆዋ፡ ብግብርታትካስ ኣሐጒስካኒ ኢኻ፣
ብተግባራት ኣእዳውካ እልል ክብል እየ።
5 ኦ የሆዋ፡ ግብርታትካ ኽንደይ ኰን ዓብዪ እዩ!+
ሓሳባትካ ኽንደይ ኰን ኣዝዩ ዓሚቝ እዩ!+
6 ዘይሓስብ ሰብ ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ፣
ዓሻ እውን ነዚ ኺርድኦ ኣይክእልን እዩ፦+
8 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዕል ዝበልካ ኢኻ።
9 እወ፡ ኦ የሆዋ፡ ንጸላእትኻ ብዓወት ርኣዮም፣
ጸላእትኻ ኸመይ ከም ዚጠፍኡ ርአ።
ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ፋሕ ኪብሉ እዮም።+
11 ኣዒንተይ ንጸላእተይ ብዓወት ኪርእያኦም እየን፣+
ኣእዛነይ ድማ ብዛዕባ ውድቀት እቶም ዜጥቅዑኒ እኩያት ኪሰምዓ እየን።
13 ንሳቶም ኣብ ቤት የሆዋ እተተኽሉ እዮም፣
ኣብ ኣጸዳት ኣምላኽና ድማ ይልምልሙ።+
ንሱ ኸውሐይ እዩ፣+ ኣብኡ እውን ዓመጻ የልቦን።