ዘዳግም
27 ሙሴ ድማ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ኰይኑ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ሓልዉ። 2 በታ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ንምእታው ንዮርዳኖስ እትሳገሩላ መዓልቲ፡ ዓበይቲ ኣእማን ኣቝም እሞ፡ ብኖራ ለቕልቆ።+ 3 ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትካ ዘተስፈወካ፡ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምእንቲ ኽትኣቱ፡ ምስ ተሳገርካ፡ ኣብኡ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ጽሓፍ።+ 4 ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ ከምዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፡ ነዚ ኣእማን እዚ ኣብ ከረን ዔባል+ ኣቝምዎ፡ ብኖራ ድማ ለቕልቕዎ። 5 ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽካ መሰውኢ፡ ብናውቲ ሓጺን ጌርካ ዘይተንከኻዮ መሰውኢ ኣእማን ስራሕ።+ 6 ነቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽካ መሰውኢ ብዘይተወቕረ ኣእማን ስርሓዮ፣ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕርብ። 7 መስዋእቲ ሕብረት+ ሰዊእካ ድማ ኣብኡ ብላዕ፣+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ተሓጐስ።+ 8 ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ኣብቲ ኣእማን ብንጹር ጽሓፍ።”+
9 ሙሴን እቶም ሌዋውያን ካህናትን ከኣ ንዅሉ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፦ “ኦ እስራኤል፡ ስቕ ኢልካ ስማዕ። በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ህዝቢ የሆዋ ኣምላኽካ ዄንካ ኣለኻ።+ 10 ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ስማዕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛቱን+ ስርዓታቱን ድማ ግበር።”
11 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ 12 “ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም እዞም ዚስዕቡ ነገዳት ነቲ ህዝቢ ንምብራኽ ኣብ ከረን ጌሪዚም+ ኪቘሙ እዮም፦ ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዮሴፍን ብንያምን። 13 እዞም ዚስዕቡ ድማ ንምርጋም ኣብ ከረን ዔባል+ ኪቘሙ እዮም፦ ሮቤልን ጋድን ኣሴርን ዛብሎንን ዳንን ንፍታሌምን። 14 ሌዋውያን ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ንዅሉ ሰብ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ይበሉ፦+
15 “‘የሆዋ ዚፍንፍኖ+ ብዕዮ ኣእዳው ኢደ ጥበበኛ* እተገብረ ጽሩብ ምስሊ+ ወይ ፍሱስ ምስሊ+ ዚገብርን ዚሓብኦን ሰብ ርጉም ይኹን።’ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’* ኢሉ ይመልስ።)
16 “‘ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)
17 “‘ምልክት ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)
18 “‘ንዕዉር መገዲ ዜጋግዮ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)
19 “‘ንጓና፡ ወይ ንዘኽታም፡* ወይ ንመበለት+ ፍርዲ ዜቕንን+ ርጉም ይኹን።’ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)
20 “‘ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ፡ ንኣቦኡ ኣሕሲርዎ እዩ+ እሞ፡* ርጉም ይኹን።’ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)
21 “‘ምስ ዝዀነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)
22 “‘ምስ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ ዚድቅስ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)
23 “‘ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)
24 “‘ንብጻዩ ተቓጽዩ ዚቐትል ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)
25 “‘ንንጹህ ሰብ* ኪቐትል* ጉቦ ዚቕበል ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)
26 “‘ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ንምግባር ዘይድግፍ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።)