ህዝቅኤል
3 ሽዑ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ብላዕ።* ነዛ ጥቕልልቲ ብልዓያ፣ ኪድ እሞ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም” በለኒ።+
2 ስለዚ፡ ኣፈይ ከፈትኩ፣ ንሱ ድማ ነታ ጥቕልልቲ ኣብልዓኒ። 3 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዛ ዝህበካ ዘለኹ ጥቕልልቲ ብልዓያ፡ ከብድኻ እውን ምላእ” በለኒ። ኣነ ድማ በላዕክዋ፣ ንሳ ኸኣ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጥዕምቲ ነበረት።+
4 ንሱ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ መንጎ ቤት እስራኤል ኪድ እሞ ቓላተይ ተዛረቦም። 5 ናብ ቤት እስራኤል እምበር፡ ቋንቋኡ ናብ ዘይርዳእ ወይ ልሳኑ ናብ ዘይፍለጥ ህዝቢ ኣይኰንካን እትልኣኽ ዘለኻ። 6 ቃላቱ ኽትርድኦ ናብ ዘይትኽእል ቋንቋኡ ናብ ዘይርዳእ ወይ ልሳኑ ናብ ዘይፍለጥ ህዝቢ ኣይኰንካን እትልኣኽ ዘለኻ። ናባታቶም እንተ ዝልእከካስ፡ ምሰምዑኻ ነይሮም።+ 7 ቤት እስራኤል ግና ንዓይ ኪሰምዑኒ ኣይደልዩን እዮም እሞ፡ ንዓኻ ምስማዕ ኪኣብዩ እዮም።+ ኵሎም ቤት እስራኤልሲ ተሪር ዝርእሶምን ተሪር ዝልቦምን እዮም።+ 8 እንሆ፡ ንገጽካ ልክዕ ከም ገጾም ኣትሪረዮ፡ ንግምባርካ ድማ ልክዕ ከም ግምባሮም ኣትሪረዮ ኣለኹ።+ 9 ንግምባርካ ኸም ኣልማዝ፡ ካብ ኣዝሒት ከኣ ዚተርር ገይረዮ ኣለኹ።+ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ብገጾም እውን ኣይትሸበር።”+
10 ኣስዒቡ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዅሉ እቲ ዝዛረበካ ቓላተይ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮን ስምዓዮን። 11 ናብ መንጎ እቶም ምሩኻት ህዝብኻ*+ ኺድ እሞ ተዛረቦም። እንተ ሰሚዖም ወይ ምስማዕ እንተ ኣብዮም፡ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል’ ኢልካ ንገሮም።”+
12 ሽዑ፡ መንፈስ ተሰከመኒ፣+ ብድሕረይ ድማ፡ “ክብሪ የሆዋ ኻብ ቦታኡ ይወደስ” ዚብል ብርቱዕ ዚሃምም ደሃይ ሰማዕኩ። 13 ደሃይ እቲ ኣኽናፍ እቶም ህያዋን ፍጡራት ንሓድሕዱ ኺተናኸ ኸሎ ዜስምዖን ደሃይ+ እቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ መንኰራዅርን+ ደሃይ ዓብዪ ህማምን ከኣ ነበረ። 14 እቲ መንፈስ ድማ ተሰኪሙ ወሰደኒ፣ ኣነ ኸኣ ብምረትን ብነድሪ መንፈሰይን ከድኩ፣ ኢድ የሆዋ ድማ በርቲዓ ኣባይ ዓሪፋ ነበረት። 15 ናብቶም ኣብ ቴል-ኣቢብ፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር+ ዚቕመጡ ዝነበሩ ምሩኻት ከድኩ፣ ኣብቲ ዚቕመጡሉ ዝነበሩ ኸኣ ጸናሕኩ፣ ተዓኒደ+ ድማ ኣብ መንጎኦም ሸውዓተ መዓልቲ ጸናሕኩ።
16 ኣብ መወዳእታ ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቃል የሆዋ መጸኒ፦
17 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ፣+ ካብ ኣፈይ ቃል ምስ ሰማዕካ፡ ካባይ መጠንቀቕታ ሃቦም።+ 18 ንሓደ እኩይ፡ ‘ብርግጽ ክትመውት ኢኻ’ ምስ በልክዎ፡ እንተ ዘየጠንቂቕካዮ፡ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር ከኣ ካብ እኩይ መገዱ ኺምለስ ነቲ እኩይ ከተጠንቅቖ ኢልካ እንተ ዘይተዛሪብካዮ፡+ ንሱ እኩይ ስለ ዝዀነ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣+ ደሙ ግና ካባኻ ኽደልዮ እየ።*+ 19 ግናኸ፡ ንሓደ እኩይ እንተ ኣጠንቂቕካዮ እሞ ንሱ ኻብ እከዩን ካብ እኩይ መገዱን እንተ ዘይተመሊሱ፡ ንሱ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣ ንስኻ ግና ብርግጽ ህይወትካ* ኸተድሕን ኢኻ።+ 20 ጻድቕ ጽድቁ እንተ ሓዲጉን እንተ በዲሉን፡* ኣነ ኣብ ቅድሚኡ መዐንቀፊ ኽገብረሉ እየ፡ ንሱ እውን ኪመውት እዩ።+ እንተ ዘየጠንቂቕካዮ፡ ንሱ ብሓጢኣቱ ኺመውት፡ እቲ ተግባራት ጽድቁ እውን ኣይኪዝከርን እዩ፣ ደሙ ግና ካባኻ ኽደልዮ እየ።*+ 21 ግናኸ፡ ነቲ ጻድቕ ከይሓጥእ እንተ ኣጠንቂቕካዮ እሞ ንሱ እውን እንተ ዘይሓጢኡ፡ ስለ እተጠንቀቐ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ፣+ ንስኻ እውን ህይወትካ* ኸተድሕን ኢኻ።”
22 ኢድ የሆዋ ኸኣ ኣብ ልዕለይ መጸት፣ “ተንስእ፡ ናብ ጐልጐል ስንጭሮ ኺድ፣ ኣብኡ ድማ ክዛረበካ እየ” እውን በለኒ። 23 ኣነ ኸኣ ተንሲአ ናብ ጐልጐል ስንጭሮ ኸድኩ፣ እንሆ ድማ፡ ክብሪ የሆዋ፡ ከምቲ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር ዝረኣኽዎ+ ኽብሪ ኣብኡ ነበረ፣+ ኣነ እውን ብገጸይ ወደቕኩ። 24 መንፈስ ከኣ ኣተወኒ እሞ ብኣእጋረይ ደው ኣበለኒ፣+ ከምዚ ኢሉ ድማ ተዛረበኒ፦
“ኪድ፡ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ተዓጾ። 25 ኣታ ወዲ ሰብ፡ ካብ መንጎኦም ከይትወጽእሲ፡ ኣግማድ ኪገብሩልካን ብእኡ ኺኣስሩኻን እዮም። 26 ንሳቶም ዓላዊት ቤት ስለ ዝዀኑ፡ ንልሳንካ ምስ ትንሓግካ ኸጣብቓ እየ፣ ንስኻ ድማ ዓባስ ክትከውን፡ ምግናሖም እውን ክትስእን ኢኻ። 27 ምስ ተዛረብኩኻ ግና፡ ኣፍካ ክኸፍት እየ፣ ንስኻ እውን፡ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል’ በሎም።+ ዓላዊት ቤት ስለ ዝዀኑ፡+ ዚሰምዕ ይስማዕ፣+ ምስማዕ ዚኣቢ እውን ይእበ።