ኢሳይያስ
39 በታ ግዜ እቲኣ፡ መሮዳክ-ባላዳን ወዲ ባላዳን ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡+ ንህዝቅያስ ደብዳበታትን ህያብን ሰደደሉ።+ 2 ህዝቅያስ ከኣ ተሓጒሱ ተቐበሎም* እሞ፡ ቤት መዝገቡ፡+—ብሩርን ወርቅን ዘይቲ በለሳንን ካልእ ኽቡር ዘይትን ብዘሎ ቤት ኣጽዋሩን ኵሉ እቲ ኣብ መዛግብቱ እተረኽበን፡—ኣርኣዮም። ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቤቱን* ኣብ ኵሉ ግዝኣቱን ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን።
3 ድሕርዚ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ኢሎምኻ፧ ካበይከ መጺኦምኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን እዮም መጺኦም” በሎ።+ 4 ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ቤትካኸ* እንታይ ርእዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ኣብ ቤተይ* ዘሎ ዅሉ ርእዮም እዮም። ኣብ መዛግብተይ ዘየርኣኽዎም ነገር የልቦን” ኢሉ መለሰ።
5 ኢሳይያስ ከኣ ንህዝቅያስ ከምዚ በሎ፦ “ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ስማዕ፦ 6 ‘እንሆ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ቤትካ* ዘሎን ኵሉ እቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዚውሰደለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ገለ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ’+ ይብል የሆዋ።+ 7 ‘ገለ ኻብቶም እትወልዶም ደቅኻ እውን ኪውሰዱን ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ባቢሎን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ኪዀኑን እዮም።’”+
8 ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንኢሳይያስ፡ “እቲ እተዛረብካዮ ቓል የሆዋ ጽቡቕ እዩ” በሎ። ወሲኹ ድማ፡ “ብዘመነይሲ* ሰላምን ርግኣትን* ኪኸውን እዩ” በለ።+