1 ቈረንቶስ
12 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ውህበታት፡+ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይደልን እየ። 2 ኣህዛብ* ኣብ ዝነበርኩምሉ እዋን፡ እቶም ዓባሳት ጣኦታት+ ናብ ዝመርሑኹም እናሰዓብኩም፡ ብኣታቶም ትጽለዉን ናባታቶም ትምርሑን ከም ዝነበርኩም ትፈልጡ ኢኹም። 3 እምበኣር፡ ብመንፈስ ኣምላኽ እናተዛረበ፡ “የሱስ ርጉም እዩ!” ዚብል ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይኰነ እውን፡ “የሱስ ጐይታ እዩ!” ኺብል ዚኽእል ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ አፍልጠኩም ኣለኹ።+
4 እምበኣር፡ በበይኑ ውህበት ኣሎ፡ መንፈስ ግና ሓደ እዩ፣+ 5 በበይኑ ኣገልግሎት ከኣ ኣሎ፡+ ጐይታ ግና ሓደ እዩ፣ 6 በበይኑ ተግባራት ኣሎ፡ ንዅሉ ተግባራት ኣብ ኵሉ ዚገብር ግና ሓደ ኣምላኽ እዩ።+ 7 ግናኸ፡ እቲ መንፈስ ንጥቕሚ ኻልኦት ተባሂሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ይገሃድ እዩ።+ 8 ንሓደስ ብመንፈስ ዘረባ* ጥበብ፡ ንሓደ ኸኣ በቲ መንፈስ እቲ ዘረባ ፍልጠት ይውሃቦ፣ 9 ንሓደ በቲ መንፈስ እቲ እምነት፡+ ንሓደ በቲ መንፈስ እቲ ውህበት ምፍዋስ፡+ 10 ንሓደ ኸኣ ተግባራት ግብርታት ሓይሊ፡+ ንሓደ ምንባይ፡ ንሓደ ምስትውዓል እቲ ብድራኸ መንፈስ ዚዝረብ ዘረባ፡+ ንሓደ እተፈላለየ ቛንቋታት፡*+ ንሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።+ 11 ንዅሉ እዚ ተግባራት እዚ ግና፡ እቲ ሓደ መንፈስ እቲ፡ ከም ዝደለዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ነናቱ እዩ ዚዕድሎ።
12 ከምቲ ሰብነት ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ኵሉ ኣካላት እቲ ሰብነት ከኣ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ሰብነት ዝዀነ፡+ ክርስቶስ እውን ከምኡ እዩ። 13 ከመይሲ፡ ኣይሁድ ኰንና ወይስ ግሪኻውያን፡ ባሮት ኰንና ወይስ ጭዋታት፡ ኵላትና ሓደ ሰብነት ክንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና፡ ሓደ መንፈስ እውን ሰቲና ኢና።
14 ሰብነትሲ ብብዙሕ እምበር፡ ብሓደ ኣካል ኣይኰነን ቈይሙ።+ 15 እግሪ፡ “ኢድ ስለ ዘይኰንኩስ፡ ክፍሊ ሰብነት ኣይኰንኩን” እንተ ኢሉ፡ ክፍሊ ሰብነት ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ። 16 እዝኒ ድማ፡ “ዓይኒ ስለ ዘይኰንኩስ፡ ክፍሊ ሰብነት ኣይኰንኩን” እንተ ኢላ፡ ክፍሊ ሰብነት ምዃና ኣይተርፋን እዩ። 17 ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዚኸውን፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ ኵሉ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ፧ 18 ሕጂ ግና ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣካላት ሰብነት ከም ዝደለዮ ገይሩ ሰሪዕዎ ኣሎ።
19 ኵሉ ሕደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውን፡ ሰብነት ኣበይ ምሃለወ፧ 20 ሕጂ ግና እቲ ኣካላት ብዙሕ ክነሱ፡ እቲ ሰብነት ሓደ እዩ። 21 ዓይኒ ንኢድ፡ “ኣይደልየክን” ክትብላ ኣይትኽእልን እያ፣ ወይስ ርእሲ ንኣእጋር፡ “ኣይደልየኩምን” ኪብሎም ኣይክእልን እዩ። 22 እኳ ደኣስ፡ እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ሰብነት እዮም ዜድልዩ፣ 23 ነቲ ሕሱር ዚመስለና ኽፍሊ ሰብነትና ኸኣ፡ ብዝያዳ ኽብሪ ንከናኸኖ ኢና፣+ እቲ ዘይምዕሩግ ኣካላትና እውን ብዝያዳ ይኽበር እዩ፣ 24 እቲ ምዕሩግ ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዝያዳ ኽብሪ እናሃበ፡ ነቲ ሰብነት ኣጋጢምዎ ኣሎ፣ 25 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ምእንቲ ኺተሓላለ እምበር፡ ኣብቲ ሰብነት ፍልልይ ምእንቲ ኸይከውን እዩ።+ 26 ሓደ ኣካል እንተ ተሳቕዩ ኸኣ፡ ኵሉ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ እዩ፣+ ወይስ ሓደ ኣካል እንተ ኸቢሩ፡ ኵሉ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ እዩ።+
27 ንስኻትኩም ድማ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፣+ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብውልቂ ኣካላት ኢኹም።+ 28 ኣምላኽ ድማ ኣብ ጉባኤ እተፈላለየ ኣካላት ሰሪዑ ኣሎ፦ ቀዳማይ፡ ሃዋርያት፣+ ካልኣይ፡ ነብያት፣+ ሳልሳይ፡ መምህራን፣+ ድሕሪኡ፡ ግብርታት ሓይሊ፣+ ድሕሪኡ፡ ውህበት ምፍዋስ፣+ ሓጋዚ ኣገልግሎት፡ ክእለት ምምራሕ፡+ እተፈላለየ ቛንቋታት።+ 29 ኵላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኵላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኵላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኵላቶምዶ ግብርታት ሓይሊ ይገብሩ እዮም፧ 30 ኵላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ኣለዎም እዩ፧ ኵላቶምዶ ብቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧+ ኵላቶምዶኸ ይትርጕሙ እዮም፧+ 31 ነተን ዝዓበያ ውህበታት ደኣ ብቐጻሊ ጽዓቱ።*+ ገና ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።+