ጸፎንያስ
ጽድቂ ድለዩ፡ ዓቕሊ* ድለዩ።
ምናልባት ብመዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ትሕብኡ ትዀኑ።+
5 “እቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚነብሩ ህዝቢ ክረታውያን ወይለኦም!+
ቃል የሆዋ ኣንጻርኩም እዩ።
ኣቲ ከነኣን፡ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፡ ከጥፍኣኪ እየ፣
ስለዚ፡ ሓደ ነባሪ እኳ ኣይኪተርፈክን እዩ።
6 እቲ ገምገም ባሕሪ ኸኣ፡
ዒላታት ጓሶትን ደምበ ኣባጊዕን ዘለዎ መጓሰዪ ኪኸውን እዩ።
7 ንተረፍ ቤት ይሁዳ ድማ ኪኸውን እዩ፣+
ኣብኡ እውን ኪበልዑ እዮም።
ምሸት ኣብ ኣባይቲ ኣሽቀሎን በጥ ኪብሉ እዮም።
9 ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡
“ሞኣብ ከም ሶዶም ክትከውን እያ፣+
ዓሞናውያን ድማ ከም ጎሞራ ኪዀኑ እዮም፣+
ቦታ ኣምዐን ጕድጓድ ጨውን ናይ ሓዋሩ ባድምን ክትከውን እያ።+
ካብ ህዝበይ እቶም ዝተረፉ፡ ኪዘምትዎም እዮም፣
ተረፍ ህዝበይ እውን ኬልቅቖም እዩ።
10 ንህዝቢ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ስለ ዘባጨዉሉን ስለ እተዓበዩሉን፡
ኣብ ክንዲ ትምክሕቶም ከምኡ ኪዀኑ እዮም።+
12 ኣቱም ኢትዮጵያውያን እውን ብሰይፈይ ክትቅተሉ ኢኹም።+
14 ኣብ ውሽጣ መጓሰታት፡ ኵለን ዓይነት እንስሳ ዘገዳም፡* በጥ ኪብላ እየን።
ሓሓትን ቅንፍዝን ኣብ መንጎ ኣራእስ ኣዕኑዳ ኺሓድራ እየን።
ኣብ መስኰት ድምጺ ኺዝምር እዩ።
ነቲ እተረብበ ቄድሮስ ኪቐልዖ እዩ እሞ፡
ኣብ ድርኵዂት ምብዳም ኪኸውን እዩ።
15 እዚኣ እታ ብደሓን እትቕመጥ ዝነበረት፡
ብልባ፡ ‘ኣነ እየ፡ ብዘይካይ ሓደ እኳ የልቦን’ እትብል ዝነበረት ምክሕቲ ኸተማ እያ።
ከመይ ኰን እያ መሰክሒ፡
መደቀሲ እንስሳ ዘገዳም ዝዀነት!
ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ኺፋጽን ኢዱ ኺንቕንቕን እዩ።”+