ናይ ዳዊት።
27 የሆዋ ብርሃነይን+ ድሕነተይን እዩ።
ካብ መን እየ ዝፈርህ፧+
የሆዋ ዕርዲ ህይወተይ እዩ።+
ካብ መንከ እየ ዝርዕድ፧
2 እኩያት ንስጋይ ኪውሕጡ ምስ ኣጥቅዑኒ፡+
ተጻረርተይን ጸላእተይን እዮም ተዓንቂፎም ዝወደቑ።
3 ሰራዊት እኳ ኣንጻረይ እንተ ዚሰፍር፡
ልበይ ኣይፈርህን እዩ።+
ውግእ እኳ እንተ ዚልዓለኒ፡
ሽዑ እውን እተኣማመን እየ።
4 ካብ የሆዋ ሓንቲ ነገር እየ ለሚነ፣
ነዚኣ ኸኣ እየ ዝደሊ፦
ኵለን መዓልትታት ህይወተይ ኣብ ቤት የሆዋ ክቕመጥ፡+
የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ደስ ዜብል ምዃኑ ኽጥምት፡
ንቤተ መቕደሱ ድማ ባህ ኢሉኒ ኽርኢ።+
5 ንሱስ ብመዓልቲ መዓት ኣብ መጽለሊኡ ኺሓብኣኒ፡+
ኣብ ስቱር ድንኳን ኪሰትረኒ፡+
ኣብ ከውሒ ኸኣ ልዕል ኬብለኒ እዩ።+
6 ሕጂ ርእሰይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዚኸብቡኒ ልዕል ኢሉ እዩ፣
ኣብ ድንኳኑ ድማ ብእልልታ ኽስውእ እየ፣
ንየሆዋ ውዳሰ ኽዝምረሉ እየ።
7 ኦ የሆዋ፡ ምስ ጸዋዕኩ፡ ስምዓኒ፣+
ሞገስካ ኣርእየኒ፡ መልሰለይ ከኣ።+
8 ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፡
“ገጸይ ድለዩ” ይብል ኣሎ።
ኦ የሆዋ፡ ንገጽካ ኽደልዮ እየ።+
9 ገጽካ ኣይትሕብኣለይ።+
ንጊልያኻ ብቝጥዓ ኣይተርሕቆ።
ንስኻ ረዳእየይ ኢኻ።+
ኦ ኣምላኽ ድሕነተይ፡ ኣይትጠንጥነኒ፡ ኣይትሕደገኒ እውን።
10 ኣቦይን ኣደይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡+
የሆዋ ይእርንበኒ እዩ።+
11 ኦ የሆዋ፡ ብመገድኻ ምሃረኒ፣+
ብምኽንያት ጸላእተይ በታ መገዲ ቕንዕና ምርሓኒ።
12 ሓሰውቲ መሰኻኽር ተንሲኦምኒ፡+
ብዓመጻ ኸኣ የፈራርሁኒ ኣለዉ እሞ፡
ኣሕሊፍካ ንተጻረርተይ ኣይትሃበኒ።+
13 ሕያውነት የሆዋ ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ
እንተ ዘይኣምንሲ እንታይ ምዀንኩ፧+
14 ብየሆዋ ተስፋ ግበር፣+
ትባዕ፡ ልብኻ እውን ኣበርትዕ።+
እወ፡ ብየሆዋ ተስፋ ግበር።