1 ነገስት
6 እስራኤላውያን* ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል 480 ዓመት፡+ ካብታ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰላ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ዚው*+ (ንሳ እታ ኻልአይቲ ወርሒ)፡ ንሱ ምህናጽ ቤት የሆዋ* ጀመረ።+ 2 እታ ሰሎሞን ንየሆዋ ዝሃነጸሉ ቤት ድማ፡ 60 እመት* ዝንውሓታ፡ 20 እመት ከኣ ዝግፍሓ፡ 30 እመት ድማ ዝቝመታ ነበረት።+ 3 እቲ ኣብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ* ዝነበረ ገበላ ኸኣ፡+ 20 እመት ዝንውሓቱ፡* ማዕረ ግፍሒ እታ ቤት ነበረ።* ግፍሑ ድማ ካብ ቅድሚ እታ ቤት ዓሰርተ እመት ነበረ።
4 ነታ ቤት ከኣ እናጸበበ ዚኸይድ መቓናት ዘለዎ መሳዅቲ* ገበረላ።+ 5 ኣብ መንደቕ እታ ቤት ኣጸጊዑ ድማ ህንጻ ሃነጸ፣ ኣብ ዙርያ መንደቕ እታ ቤት፡ ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስን* እታ ውሽጣዊት ክፍልን ነበረ፣+ ኣብቲ ዙርያ ኸኣ ጐድናዊ ኽፍልታት ገበረ።+ 6 ገለ እኳ ናብ ውሽጢ መንደቕ እታ ቤት ኣትዩ ኸይተሓሓዝሲ፡ ኣብ ዙርያ እታ ቤት ብደጊኣ ሕድጋት* ገይሩላ ነበረ እሞ፡ እቲ ታሕተዋይ ባይታ እቲ ጐድናዊ ኽፍልታት ሓሙሽተ እመት ዝግፍሑ፡ እቲ ማእከላይ ባይታ ድማ ሽዱሽተ እመት ዝግፍሑ፡ እቲ ሳልሳይ ባይታ ኸኣ ሸውዓተ እመት ዝግፍሑ ነበረ።+
7 እታ ቤት ኣብቲ እተፋሕረሉ ቦታ ብእተዳለወ ኣእማን እያ ተሃኒጻ እሞ፡+ እታ ቤት ክትህነጽ ከላ፡ ሞደሻታት ኰነ፡ ፋሳት ኰነ፡ ናውቲ ሓጺን ኰነ ኣይተሰምዐን። 8 መእተዊ እታ ታሕተወይቲ ጐድናዊት ክፍሊ ብሸነኽ ደቡብ* እታ ቤት ነበረ፣+ እቲ ዓንኬላዊ መደያይቦ ድማ ናብ ማእከላይ ባይታ፡ ካብ ማእከላይ ባይታ ኸኣ ናብ ሳልሳይ ባይታ ይመርሕ ነበረ። 9 ነታ ቤት ድማ ሃኒጹ ወድኣ፣+ ነታ ቤት ከኣ ብኣግማልን ብእተረብበ ኣልዋሕ ቄድሮስን ከደና።+ 10 ኣብ ዙርያ እታ ቤት፡ ነፍሲ ወከፉ ሓሓሙሽተ እመት ዝቝመቱ ጐድናዊ ኽፍልታት ሃነጸ፣+ እዚ ድማ ምስታ ቤት ብዕንጨይቲ ቄድሮስ ተላጊቡ ነበረ።
11 ሽዑ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ሰሎሞን መጸ፦ 12 “ብዛዕባ እዛ እትሃንጻ ዘለኻ ቤት፡ ብሕግታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ፍርድታተይ ድማ እንተ ፈጺምካ፡ ብእኡ ብምምልላስ ከኣ ኵሉ ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኻ፡+ እቲ ንኣቦኻ ዳዊት ዘተስፎኽዎ ቓል ኣባኻ ኽፍጽሞ እየ፣+ 13 ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ድማ ክነብር፡+ ንህዝበይ እስራኤል እውን ኣይክሓድጎን እየ።”+
14 ሰሎሞን ከኣ ነታ ቤት ንምውዳኣ ይሃንጽ ነበረ። 15 ንውሽጣዊ መንደቕ እታ ቤት ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሃነጾ። ነቲ ውሽጣዊ መንደቕ ድማ፡ ካብ ባይታ እታ ቤት ክሳብ ሰርወታት እቲ ሰንቀ ብዕንጨይቲ ረበቦ፣ ንባይታ እታ ቤት ከኣ ብኣልዋሕ ጽሕዲ* ኸደኖ።+ 16 ብሸነኽ ድሕሪት እታ ቤት ከኣ ናይ 20 እመት ክፋል፡ ካብቲ ባይታ ኽሳብ እቲ ሰርወታት ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሃነጸ፣ ኣብ ውሽጣ* ድማ ውሽጣዊት ክፍሊ፡+ ቅድስተ ቕዱሳን+ ሃነጸ። 17 እታ ቤተ መቕደስ*+ ከኣ፡ ማለት እታ ኣብ ቅድሚኣ ዘላ ኽፋል እታ ቤት፡ 40 እመት ነበረት። 18 እቲ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት ዝነበረ ቄድሮስ፡ ሓምሓማትን+ ዝዓምበበ ዕምባባታትን+ እተቐርጾ ነበረ። ኵሉ ቄድሮስ ነበረ፣ እምኒ ድማ ኣይርአን ነበረ።
19 ኣብ ውሽጢ እታ ቤት ከኣ፡ ኣብኣ ታቦት ኪዳን የሆዋ ንምንባር፡+ ውሽጣዊት ክፍሊ ኣዳለወ።+ 20 እታ ውሽጣዊት ክፍሊ 20 እመት ዝንውሓታን 20 እመት ዝግፍሓን 20 እመት ዝቝመታን ነበረት፣+ ንዓኣ ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለበጣ፣ ነቲ መሰውኢ+ ኸኣ ብቄድሮስ ከደኖ። 21 ሰሎሞን ድማ ንውሽጢ እታ ቤት ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፣+ ኣብ ቅድሚ እታ ብወርቂ እተለበጠት ውሽጣዊት ክፍሊ+ ኸኣ ሰንሰለት ወርቂ ዘርግሐ። 22 ኵላ እታ ቤት ክሳዕ እትፍጸም፡ ንብዘላ እታ ቤት ብወርቂ ለበጣ፣ ንዅሉ እቲ ኣብ ጥቓ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ ዘሎ መሰውኢ እውን ብወርቂ ለበጦ።+
23 ኣብታ ውሽጣዊት ክፍሊ ድማ ዓዓሰርተ እመት ዝቝመቶም+ ክልተ ኪሩቤል+ ካብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ* ገበረ። 24 ሓንቲ ኽንፊ እቲ ሓደ ኪሩብ ሓሙሽተ እመት ነበረት፡ እታ ሓንቲ ኽንፊ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረት። ካብ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳብ እታ ሓንቲ ኽንፊ ዓሰርተ እመት ነበረ። 25 እቲ ኻልኣይ ኪሩብ እውን ዓሰርተ እመት ነበረ። እቶም ክልተ ኪሩቤል ሕደ ዓቐንን ቅርጽን ነበሮም። 26 ቍመት እቲ ሓደ ኪሩብ ዓሰርተ እመት ነበረ፣ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ እውን ከምኡ ነበረ። 27 ነቶም ኪሩቤል+ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ውሽጣዊት ቤት* ኣንበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ተዘርጊሐን ነበራ እሞ፡ ክንፊ እቲ ሓደ ኪሩብ ኣብቲ መንደቕ በጽሐ፡ ክንፊ እቲ ኻልኣይ እውን ኣብቲ ኻልኣይ መንደቕ በጽሐ፣ እተን ኣኽናፎም ናብ ማእከል እታ ቤት ተዘርጊሐን ነበራ እሞ፡ እተን ኣኽናፍ ተተናኸያ። 28 ነቶም ኪሩቤል ድማ ብወርቂ ለበጦም።
29 ኣብ ኵሉ መንደቕ እታ ቤት፡ ኣብ ዙርያ እታ ውሽጣዊት ክፍልን እታ ደጋዊት ክፍልን፡* ምስልታት ኪሩቤልን+ ኣእዋም ስየን+ ዝዓምበበ ዕምባባታትን+ ቀረጸ። 30 ነቲ ኣብታ ውሽጣዊት ክፍልን ኣብታ ደጋዊት ክፍልን ዘሎ ባይታ እታ ቤት ብወርቂ ለበጦ። 31 ንኣፍ ደገ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ፡ ካብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ መዓጹ ገበረ፣ ጐድናዊ ኣዕኑድ፡ ቀወምቲ ልዳውቲ፡ ሓምሻይ ኢድ* ገይሩ ገበረ። 32 እተን ክልተ ማዕጾ ኻብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ ነበራ፣ ኣብአን ከኣ ኪሩቤልን ኣእዋም ስየን ዝዓምበበ ዕምባባታትን ቀረጸ፣ ብወርቂ እውን ለበጠን። ነቲ ወርቂ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤልን እቲ ኣእዋም ስየን ቀጥቂጡ ዘርግሖ። 33 ንኣፍ ደገ እታ ቤተ መቕደስ፡* ከምኡ ገይሩ ቐወምቲ ልዳውቲ ኻብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ፡ ናይ ራብዓይ ኢድ* ገበረ። 34 ካብ ኦም ጽሕዲ* ድማ ክልተ ማዕጾ ገበረ። እቲ ሓደ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶ ዚዘውር ክልተ ኽፋል ነበሮ፡ እቲ ኻልኣይ ማዕጾ ኸኣ ኣብ ወንድወንዶ ዚዘውር ክልተ ኽፋል ነበሮ።+ 35 ኪሩቤልን ኣእዋም ስየን ዝዓምበበ ዕምባባታትን ቀሪጹ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕርጽታት ብወረቐት ወርቂ ለበጦ።
36 ነቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ+ ከኣ ብሰለስተ መስርዕ ውቑር ኣእማንን ብሓደ መስርዕ ኣግማል ቄድሮስን ሃነጾ።+
37 ኣብ 4ይቲ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ዚው፡* መሰረት እታ ቤት የሆዋ ተሰረተ፣+ 38 ኣብ መበል 11 ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ቡል፡* (ንሳ ሻምነይቲ ወርሒ)፡ እታ ቤት ምስ ኵሉ ዝርዝራታ፡ ከምቲ ውጥና ተፈጸመት።+ ስለዚ፡ ንምህናጻ ሸውዓተ ዓመት ወሰደ።