1 ጢሞቴዎስ
4 በቲ ዳሕራይ እዋናት ግና፡ ገሊኦም ብድራኸ መንፈስ ናብ ዚዝረብ ዜስሕት ዘረባታትን*+ ናብ ትምህርትታት ኣጋንንትን እናኣቕለቡ፡ ካብ እምነት ከም ዚወድቁ፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ቓል* ብንጹር ይብል እዩ። 2 እዚ ድማ ብግብዝና እቶም ሕልናኦም ከም ብመዓለም ዝሓረረ ሓሰውቲ እዩ ዚኸውን።+ 3 ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፡+ እቲ ኣምላኽ በቶም ዚኣምኑን+ ንሓቂ ብልክዕ ዚፈልጡን ብምስጋና ኺብላዕ ዝፈጠሮ+ ብልዒ ሕሩም ኪኸውን ከኣ ይእዝዙ እዮም።+ 4 ኵሉ ፍጥረት ኣምላኽሲ ጽቡቕ እዩ፣+ ብምስጋና እንተ ተቐቢልካዮ ኸኣ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን፣+ 5 ከመይሲ፡ ብቓል ኣምላኽን ብጸሎትን ተቐዲሱ እዩ።
6 ነቶም ኣሕዋት እዚ ምኽሪ እዚ ብምሃብ፡ ቃላት እምነትን ነቲ ጠቢቕካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ትምህርትን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ክርስቶስ የሱስ ክትከውን ኢኻ።+ 7 ግናኸ፡ ነቲ ኸም ናይ ኣረገውቲ ኣንስቲ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ጽውጽዋያት ኣርሕቆ።+ ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ከም ሸቶኻ ጌርካ ርእስኻ ኣሰልጥን። 8 ከመይሲ፡ ኣካላዊ ስልጠና ንቝሩብ እዩ ዚጠቅም፣ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወትን ነታ እትመጽእ ህይወትን ተስፋ ስለ ዘለዎ፡ ንዅሉ እዩ ዚጠቅም።+ 9 እዚ ቓል እዚ እሙንን ምሉእ ተቐባልነት ዚግብኦን እዩ። 10 ተስፋና ኣብቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ፡+ ምናዳ ንእሙናት፡ ዜድሕን+ ህያው ኣምላኽ ስለ ዝገበርና ኸኣ ኢና እንጽዕርን እንጋደልን ዘለና።+
11 እዚ ኣዝዝን ምሃርን። 12 ሓደ እኳ ንንእስነትካ ኣይንዓቃ። የግዳስ፡ ነቶም እሙናት፡ ብቓል፡ ብኣካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህና ኣርኣያ ኹኖም። 13 ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንህዝቢ ኣብ ምንባብን+ ኣብ ምምዓድን* ኣብ ምምሃርን ትጋህ። 14 ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኣእዳው ሽማግለታትን+ እተዋህበካ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ዕሽሽ ኣይትበሎ። 15 ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣* ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ። 16 ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር።+ ኣብዚ ነገር እዚ ጽናዕ፣ እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።+