ዮሃንስ
20 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ማርያም መግደላዊት ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፣+ እቲ እምኒ ኻብቲ መቓብር ተኣልዩ ኸኣ ረኣየት።+ 2 ስለዚ፡ ጐይያ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዚፈትዎ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፡+ “ንጐይታና ኻብቲ መቓብር ወሲዶምዎ፡+ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ድማ ኣይንፈልጥን ኢና” በለቶም።
3 ሽዑ፡ ጴጥሮስን እቲ ኻልእ ወደ መዝሙርን ናብቲ መቓብር ከዱ። 4 ክልቲኦም ብሓንሳእ ጐየዩ፣ እቲ ኻልእ ወደ መዝሙር ግና ብፍጥነት ጐይዩ ንጴጥሮስ ቀደሞ፡ ኣብቲ መቓብር እውን ቅድም በጽሐ። 5 ድንን ምስ በለ ኸኣ፡ እቲ በፍታ ተነቢሩ ረኣየ፣+ ግናኸ፡ ኣይኣተወን። 6 ሽዑ፡ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡ፡ ናብቲ መቓብር ኣተወ። ነቲ በፍታ ኸኣ ተነቢሩ ረኣዮ። 7 እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ጨርቂ ኸኣ፡ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ ኻልእ መግነዝ ኣይነበረን። 8 ሽዑ፡ እቲ ቕድም ናብቲ መቓብር ዝበጽሐ ኻልእ ወደ መዝሙር እውን ኣተወ፣ ርእዩ ድማ ኣመነ። 9 ከመይሲ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ከም ዚግብኦ ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፍ ገና ኣይተረድእዎን ነበሩ።+ 10 ስለዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነናብ ቤቶም ተመልሱ።
11 ማርያም ግና ኣብ ጥቓ እቲ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ክትርኢ ናብቲ መቓብር ድንን በለት፣ 12 ጻዕዳ እተኸድኑ ኽልተ መላእኽቲ ኣብቲ ሬሳ የሱስ ዝነበሮ ቦታ፡ ሓደ ብትርኣስ፡ ሓደ ኸኣ ብትርጋጽ ተቐሚጦም ረኣየት።+ 13 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ስለምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ፧” በልዋ። ንሳ ድማ፡ “ንጐይታይ ወሲዶምዎ፣ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን እየ” በለቶም። 14 እዚ ምስ በለት፡ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ፡ ንየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ፣ የሱስ ምዃኑ ግና ኣየለለየቶን።+ 15 የሱስ ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ስለምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ፧ ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ፧” በላ። ንሳ ድማ ኣታኽልተኛ መሲልዋ፡ “ጐይታይ፡ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” በለቶ። 16 የሱስ ከኣ፡ “ማርያም!” በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፡ “ረቡኒ!” (“መምህር!” ማለት እዩ) በለቶ። 17 የሱስ ከኣ፡ “ገና ናብ ኣቦ ኣይዓረግኩን እሞ፡ ኣይትሓዝኒ። ግናኸ፡ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡+ ‘ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን፡ ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን+ እዓርግ ኣለኹ’ በልዮም”+ በላ። 18 ማርያም መግደላዊት ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ንጐይታ ርእየዮ!” በለቶም። እቲ ዝበላ እውን ነገረቶም።+
19 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንኣይሁድ ብምፍራሆም መዓጹ ተሸጒሩ እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን” በሎም።+ 20 እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም።+ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ፡ ንጐይታ ርእዮምዎ ተሓጐሱ።+ 21 ሽዑ፡ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን።+ ከምቲ ኣቦ ንዓይ ዝለኣኸኒ፡+ ኣነ እውን ንዓኻትኩም እልእከኩም ኣለኹ” በሎም።+ 22 እዚ ምስ በለ፡ ኡፍ በለሎም እሞ፡ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።+ 23 ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም፡ ተሓዲጉሎም፣ ንዝሓዝኩምሎም ከኣ፡ ተታሒዙሎም እዩ” በሎም።
24 እቲ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ዝዀነ ማንታ ዚብሃል ቶማስ ግና፡+ የሱስ ኪመጽእ ከሎ፡ ምሳታቶም ኣይነበረን። 25 እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ “ንጐይታ ርኢናዮ!” በልዎ። ንሱ ግና፡ “ኣሰር እቲ መሳምር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርእየ፡ ኣጻብዐይ ድማ ኣብቲ ኣሰር እቲ መሳምር እንተ ዘየእትየ፡ ኣብ ጐድኑ እውን ኢደይ እንተ ዘየእትየ፡+ ከቶ ኣይኣምንን እየ” በሎም።
26 ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ድማ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ቤት ነበሩ፣ ቶማስ እውን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጒሩ እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን” በሎም።+ 27 ድሕሪኡ፡ ንቶማስ፡ “ኣጻብዕካ ኣብዚ ግበር፡ ኣእዳወይ ከኣ ርአ፣ ኢድካ እውን ናብ ጐድነይ ኣእቱ፣ እመን እምበር፡ ደጊም ኣይትጠራጠር”* በሎ። 28 ቶማስ ከኣ፡ “ጐይታይን ኣምላኸይን!” ኢሉ መለሰ። 29 የሱስ ድማ፡ “ስለ ዝረኣኻኒዶ ኣሚንካ፧ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ሕጉሳት እዮም” በሎ።
30 የሱስሲ ኣብዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ትእምርትታት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገይሩ እዩ።+ 31 ግናኸ፡ የሱስ ብሓቂ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩም እውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።+