ንኣላዪ፣ ብጊቲት። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር።
84 ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡
እቲ ዓብዪ ማሕደርካ ኽንደይ ኰን ይፍተወካ!+
2 ንኣጸዳት የሆዋ
ሃረር እብሎ ኣለኹ፣
እወ፡ ብናፍቖት ተወዲአ ኣለኹ።+
ልበይን ስጋይን ነቲ ህያው ኣምላኽ እልል ይብለሉ ኣሎ።
3 ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ንጉሰይን ኣምላኸይን፡
ኣብ ጥቓ እቲ ዓብዪ መሰውኢኻ
ዑፍ እኳ ቤት ረኺባ፣
ለዃዂቶ እውን ጨቓዊታ እተንብረሉ
ሰፈር ረኺባ!
4 ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ሕጉሳት እዮም!+
ወትሩ ይውድሱኻ።+ (ሴላ)
5 ብርታዐኦም ካባኻ ዚረኽቡ፡+
ልቦም ናብቲ ጐደናታት ዚገብሩ፡ ሕጉሳት እዮም።
6 ብስንጭሮ ባኻ ኺሓልፉ ኸለዉ፡
ቦታ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣
ዝናም ኣዝመራ ኸኣ ብበረኸት ይኸድኖ።
7 ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣+
ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይርኣዩ።
8 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ጸሎተይ ስማዕ፣
ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ጽን በል። (ሴላ)
9 ኣታ ዋልታናን ኣምላኽናን፡ ርአ፣+
ገጽ ቅቡእካ እውን ጠምት።+
10 ካብ ሽሕ ኣብ ካልእሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ!+
ኣብ ድንኳናት እኩያት ካብ ምቕማጥሲ፡
ኣብ ድርኵዂት ቤት ኣምላኸይ ደው ምባል እመርጽ።
11 የሆዋ ኣምላኽሲ ጸሓይን+ ዋልታን እዩ፣+
ሞገስን ክብርን ከኣ ይህብ።
የሆዋ ነቶም ብንጽህና ዚመላለሱ፡
ጽቡቕ ዘበለ ኣይከልኦምን እዩ።+
12 ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡
ብኣኻ ዚእመን ሰብ ሕጉስ እዩ።+