ዝያዳ መሊእካ ንኸተገልግል ትህንጠዶ ኢኻ፧
ሎረ ከምዚ ትብል:- “ምስ የሆዋ ተዃርየ ነበርኩ። ፓይነር ኰይነ ምቕጻል ምእንቲ ክኽእል ናይ ገንዘብ ሽግርና ከነጣጥእ ንኽሕግዘና ከየቋረጽኩ ጸለኹ—ግናኸ ኣይተዓወትኩን። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናይ ፓይነር ኣገልግሎተይ ኣቋረጽኩ። በቶም ናይ ፓይነር ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ ዝኸኣሉ ድማ ቅንኢ ይስማዓኒ ከም ዝነበረ ክእመነሉ ዘሎኒ ነገር ኢዩ።”
ብተወሳኺ: ንጕዳይ ናይ ሓደ ማይክል ዝበሃል ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገልጋሊ ጉባኤ ዝዀነ እውን ርአ። ተዓዛቢ ንኽኸውን ይመጣጠር ኢዩ ነይሩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1) ህንጥዮቱ ንሓያለይ ዓመታት ከይተፈጸመ ብምትራፉ ብዙሕ ተማረረ: ድሕሪ ደጊም ነቲ መሰል እቲ ከይሓጽይዎ ኸኣ ወሰነ። “ካብ ሕጂ ንንዮ ንቓንዛ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ክጻወሮ ኣይክእልን ኢየ” ይብል።
ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣሕሊፍካዶ ትፈልጥ፧ ንሓደ እትፈትዎ ቲኦክራሲያዊ መሰል ክትሓድግ ተገዲድካዶ ኢኻ፧ ንኣብነት ከም ፓይነር: ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂ መንግስቲ: ኴንካ ካብ ምግልጋል ከተቋርጽ ተገዲድካዶ ትፈልጥ፧ ወይ ድማ ገለ ካብቲ ንኻልኦት ሕድሪ እተዋህበ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ክትረክብ ትህንጠዶ ኢኻ፧ ምናልባትውን ቤትኤላዊ ወይ ሚስዮናዊ ኴንካ ከተገልግል ካብ ልቢ ትደሊ ትኸውን: ኵነታትካ ግን ዘየፍቅዶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
መጽሓፍ ምሳሌ “ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ” ብምባል ነዚ ኣፍልጦ ይህበሉ ኢዩ። (ምሳሌ 13:12) እዚ ብፍላይ ካልኦት ነቲ ንስኻ እትብህጎ ዓይነት መሰል ክረኽቡ ክትርኢ ከሎኻ ዘጋጥም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ምቝራጽ ንዘጋጥሞም ሰባት ምስትውዓል: ምጽንናዕ ከምኡውን ተስፋ ይህብዶ፧ እወ ይህብ ኢዩ። አረ: እታ መበል 84 መዝሙርስ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ተመሳሳሊ ዘይተፈጸመ ድሌታት ዝነበሮ ኣገልጋሊ የሆዋ ሓዲርዎ ዝነበረ ስምዒታት ኢያ ትገልጽ።
ሓደ ሌዋዊ ዘርኣዮ ሞሳ
ናይታ መበል 84 መዝሙር ደረስቲ: እቶም ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ዘገልግሉን ነቲ ናይ ኣገልግሎት መሰላቶም ከኣ ኣዕዚዞም ዝርእይዎን ዝነበሩ ደቂ ቆራህ ሌዋውያን ኢዮም ነይሮም። ሓደ ካባታቶም ከኣ ከምዚ ይብል:- “ዎ ጐይታ ሰራዊት: ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን። ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን አላ: ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ።”—መዝሙር 84:1, 2
እዚ ሌዋዊ እዚ ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ንኸገልግል ከምዚ ዝበለ ህንጥዮት ስለ ዝነበሮ ኸኣ ኢዩ: ኣብቲ ንየሩሳሌም ዝወስድ መገዲ ዝነበረ ልሙድ ተፈጥሮኣዊ ትርኢታት ከይተረፈ ማራኺ ኰይኑ ዝርኣዮ ዝነበረ። “ብለሰ ብኽያት [“ቆጥቋጥ:” NW ] ኪሐልፉ ኸለዉ: ዓይኒ ማያት ይገብርዎ” ድማ ይብል። (መዝሙር 84:6) እወ: እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ደረቕ ዝዀነ ከባቢ: ልሙዕ ኰይኑ ይርኣዮ ነበረ።
እቲ ጸሓፍ መዝሙር ካህን ዘይኰነ ሌዋዊ ስለ ዝነበረ: ኣብቲ ቤት መቕደስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓንቲ ሰሙን ጥራይ ኢዩ ከገልግል ዝኽእል ዝነበረ። (1 ዜና መዋእል 24:1-19፣ 2 ዜና መዋእል 23:8፣ ሉቃስ 1:5, 8, 9) እቲ ዝተረፈ ግዜኡ ኣብ ሓንቲ ካብተን ናይ ሌዋውያን ከተማታት ኣብ ዝነበረ ቤቱ የሕልፎ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ “ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት: ለዃዂቶውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፤ መሰውኢታትካ: ዎ ጐይታ ሰራዊት: ንጉሰይን ኣምላኸይን” ኢሉ ዝዘመረ። (መዝሙር 84:3) እቲ ሌዋዊ ከምተን ኣብቲ ቤት መቕደስ እኹል መንበሪ ቦታ ዝነበረን ኣዕዋፍ እንተ ዝኸውን ነይሩ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ምተሓጐሰ ነይሩ!
እቲ ሌዋዊ ኣብቲ ቤት መቕደስ ወትሩ ከገልግል ኣይክእልን ስለ ዝነበረ ከማርር ቀሊል ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ክሳዕ እቲ ዝግብኦ ከገልግል ሕጕስ ኢዩ ነይሩ: ካብቲ ዝግበር ጻዕሪ ንላዕሊ ድማ እቲ ብምሉእ ልቢ ዝግበር ተወፋይነት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ከም ዘለዎ ብርግጽ ተገንዚቡ ነይሩ ኢዩ። ነዚ እሙን ሌዋዊ እዚ በቲ ዝነበሮ ናይ ኣገልግሎት መሰላቱ ዕጉብ ኰይኑ ንኽቕጽል ዝሓገዞ እንታይ ኢዩ፧
ዕጉብ ንኽትከውን ተመሃር
እቲ ሌዋዊ “ካብ ሽሕሲ [“ካብ ሽሕ ግዜ ኣብ ካልእ ቦታ:” NW ] ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ: ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሔሸኒ” ይብል። (መዝሙር 84:10) ኣብ ቤት የሆዋ ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ምሕላፍ እዚ ዘይበሃል መሰል ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ሞሳኡ ገሊጹ። እንተዀነ ግን: እቲ ሌዋዊ ኣብቲ ቤት መቕደስ ንልዕሊ ሓደ መዓልቲ ከገልግል ኢዩ መሰል ነይርዎ። በቲ ዝረኸቦ መሰላት እተሰመዖ ዕግበት ብሓጐስ ከም ዝዝምር ገይርዎ ኢዩ።
ንሕናኸ ከመይ ኢና፧ ነቲ ዘሎና በረኸታት ኣብ ግምት እነእቱ ዲና: ወይስ ነቲ ድሮ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሎና መሰላት ናብ ምርሳዕ ኢና እንዘዙ፧ የሆዋ ብምኽንያት እቲ ኣብኡ ዘለዎም ተወፋይነት ንህዝቡ ሓደ ሰፊሕ መሰላትን ግዴታታትን ዘለዎ ዓውዲ: ብሕድሪ ሂብዎም ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ምዕዛብ: ናይ ጕስነት: ናይ ምምሃር ከቢድ ሓላፍነታት: ከምኡውን ነቲ እተፈላለየ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘጠቓለለ ኢዩ። ይኹን እምበር ምስ ኣምልኾ የሆዋ እተተሓሓዘ ካልኦት ክቡራት ነገራት እውን ዝሓዘ ኢዩ።
ንኣብነት: ነቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ሕስብ እሞ ኣብሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብስራት ናይ ምስባኽ መሰልና ምስ ‘ኣብ ኣቕሓ መሬት መዝገብ’ ምህላው ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ከም ክቡር መዝገብ ገይርካዶ ትርእዮ ኢኻ፧ እቲ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ መሪሕነት ወሲዱ ዘካይዶ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ: ኣብነት ብምሕዳግ ከምዚ ገይሩ ይርእዮ ነበረ። (ማቴዎስ 4:17) ጳውሎስ “እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና: ኣይንሕለልን ኢና” በለ።—2 ቈረንቶስ 4:1
ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ኣፍኲስካ ክረአ ዘይብሉ ቅዱስ ምድላው ኢዩ። ኣብ ኣኼባታትና ኣድላዪ ዝዀነ ትምህርቲ ንረክብ እቲ እንደልዮ ዕርክነት ድማ ነስተማቕር። ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ሓሳብ ብምሃብን ኣብቲ ፕሮግራም ብኻልእ መገድታት ብምስታፍን ብዛዕባ እምነትናን ተስፋናን እውን ብጋህዲ ክንገልጽ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 10:23-25) ኣኼባታትና ብሓቂ ሓብሒብና ክንሕዞ ዘሎና ምድላው ኢዩ!
እቲ ኣቐድም ኣቢሉ እተጠቕሰ ማይክል: ነዞም በረኸታት እዚኣቶም ልዑል ግምት ይህቦምን ብዓሚቝ ሞሳ ይርእዮምን ነበረ። ከም ሽማግለ ኰይኑ ከገልግል ብዘይ ምኽኣሉ እተሰምዖ ተስፋ ምቝራጽ ግን እቲ ነዚ በረኸታት እዚ ዝነበሮ ሞሳ ንግዚኡ ከም ዝንኪ ገበሮ። ማይክል እንደገና ኣብዞም ነገራት እዚኣቶም ትዅረት ብምግባር ሚዛኑ ክሕሉን ብትዕግስቲ ንየሆዋ ክጽበን ክኢሉ ኢዩ።
ገለ ገለ መሰላት ስለ ዘይብልና ቅር ኣብ ክንዲ ዝብለና: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ ነቲ የሆዋ ንዓና ዝባርኸሉ ዘሎ መገድታት እንደገና ብምምርማርና ጽቡቕ ንገብር።a ብዙሕ ከነስተብህል እንተድኣ ዘይክኢልና: ነቲ ዘሎና መሰላት ከምኡውን ነቲ ንዓና ዝባርኸሉን ኣብ ውዳሴኡ ንኽንካፈል ዝጥቀመሉን ዘሎ መገድታት ኣዒንትና ምእንቲ ክርእዮ ንየሆዋ ብምሕታት: እንደገና ምምርማር የድልየና።—ምሳሌ 10:22
ከም ተዓዛቢ ምዃን ዝኣመሰለ ፍሉይ መሰላት ውሱን ብቕዓታት ከም ዝሓትት ምግንዛብ እውን ኣድላዪ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:5-9) ስለዚ እምበኣር: ምምሕያሽ ክንገብረሉ ዘሎና መዳያት ሃሰስ ብምባል ምእንቲ ክንመሓየሽ ከኣ ልባዊ ጻዕሪ ብምግባር ገዛእ ርእስና ክንምርምር የድልየና።—1 ጢሞቴዎስ 4:12-15
ተስፋ ኣይትቝረጽ
ገለ መሰል ናይ ኣገልግሎት እንተድኣ ዘይረኺብና: የሆዋ ነቶም ነቲ መሰል እቲ ዝረኸቡ ዝያዳ ከም ዘፍቅሮም ወይ ድማ ጽቡቕ ከይንረክብ ከም ዝኸልከለና ገይርና ክንድምድም ኣይግብኣናን ኢዩ። ብርግጽ: ካልኦት ነቲ መሰላቶም ብቲኦክራሲያዊ ሹመት ዘይኰነስ ዘይበቕዕዎ ክነሶም ብሰብኣዊ ኣድልዎ ከም ዝረኸብዎ ገይርና ብዓይኒ ቕንኢ ክንርእዮ ኣይግብኣናን ኢዩ። ብኸምዚ ዝበለ ሓሳባት ምስትምሳል ቅንእን ባእስን ኵሉ ነገር ናብ ምጥንጣንን ክመርሓና ይኽእል ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 3:3፣ ያእቆብ 3:14-16
እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ሎረ: ተስፋ ኣይቈረጸትን። ነቲ ናይ ሕርቃንን ቅንእን ስምዒታ ኣብ መወዳእታ ተዋጺኣትሉ ኢያ። ሎረ ነቲ ፓይነር ኰይና ከተገልግል ብዘይ ምኽኣላ ዝነበራ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ንኸተሰንፍ ኣምላኽ ምእንቲ ክሕግዛ ደጋጊማ ጸለየት። ካብቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብቑዓት ሰብኡት እውን ሓገዝ ደለየት እሞ: ኣምላኽ ከም ዘፍቅራ ድማ ኣረጋገጸት። ከምዚ ኸኣ በለት:- “የሆዋ ናይ ኣእምሮ ሰላም ሂቡኒ ኢዩ። ምንም እኳ በዓል ቤተይን ኣነን ሕጂ ፓይነራት ክንከውን እንተ ዘይከኣልና: ነቲ እነገልግለሉን ካብቲ ተመክሮታትና ኸኣ ብርታዐ እንረኽበሉን ዝነበርና ግዜ ኣይንርስዖን ኢና። ነቲ በጽሒ ወድና እውን ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎቱ ንሕግዞ ኢና።” ሎረ ሕጂ ዕግበት ስለ ዝስምዓ: ምስቶም ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎቶም ‘ዝሕጐሱ ትሕጐስ’ ኣላ።—ሮሜ 12:15
ክብጻሕ ዝከኣል ሸቶታት ምግባር
በቲ ሕጂ ዘሎና ናይ ኣገልግሎት መሰል ዕጉባት ምዃን ክበሃል ከሎ: ካልእ ተወሳኺ ቲኦክራሲያዊ ሸቶታት ክንገብር የብልናን ማለት ኣይኰነን። ጳውሎስ ነቲ ሰማያዊ ትንሳኤ ክዛረበሉ ከሎ ብዛዕባ ‘ነቲ ኣብ ቅድሚት ዘሎ ምምጥጣር’ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። “በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ” ከኣ በለ። (ፊልጲ 3:13-16) ቲኦክራሲያዊ ሸቶታት ንቕድሚት ገጽና ክንመጣጠር ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ብድሆ ነቲ ሸቶታት ክዉንነታዊ ኣብ ምግባሩ ኢዩ ዘሎ።
ክዉንነታዊ ሸቶ ምኽንያታውን ክብጻሕ ዝከኣልን ኢዩ። (ፊልጲ 4:5) እዚ ንሓያለይ ዓመታት ኣበርቲዕካ ምስራሕ ዝሓትት ሸቶ: ዘይክዉንነታዊ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ከምዚ ዝበለ ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶ: ኣብ መንጎ ዝግበር ተኸታታሊ ሸቶታት ብምውጻእ ወይ ስጕምትታት ብምውሳድ ቀስ ብቐስ ክብጻሕ ይከኣል ኢዩ። እዚ ኣብ መንጎ ዝግበር ሸቶታት ንመንፈሳዊ ምዕብልና ኣገዳሲ ነጥብታት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ ብዓወት ምዝዛማ: ኣብቲ ጕዕዞ ኣብ ክንዲ ተስፋ እናቘረጽካ: እናዓገብካ ከም እትኸይድ ይገብረካ።
ጽቡቕ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ
ይኹን እምበር: ብምኽንያት ኵነታትናን ዓቕምታትናን ገለ መሰላት ዘይንረኽቦም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ። ነዚኣቶም ሸቶ ምግባር ናብ ምሕላልን ተስፋ ምቝራጽን ጥራይ ኢዩ ዘምርሕ። ከምዚ ዝበሉ ሸቶታት ንግዚኡ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገሩ ይግባእ። ኣምላኻዊ ዕግበት ክንረክብ እንተድኣ ጸሊናን ፍቓድ የሆዋ ምግባር ከኣ እቲ ቐንዲ ዘገድሰና ነገር እንተድኣ ገይርናዮን ነዚ ንምግባር ኣይክኸብደናን ኢዩ። መሰላት ምስ ረኸብና ኸኣ እቲ ዘገድስ—ተፈላጥነት ናይቲ ብብሕትና ዝበጻሕናዮ ዘይኰነስ—ክብሪ የሆዋ ኢዩ። (መዝሙር 16:5,6፣ ማቴዎስ 6:33) መጽሓፍ ቅዱስ ምስዚ ብምስምማዕ “ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ: ሽዑ ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ” ብምባል ይነግረና።—ምሳሌ 16:3
ንመዝሙር መበል 84 ምምርማርና: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ መሰላት ናይ ኣገልግሎት ከምዚ ዝበለ ኣመለኻኽታ ከም ዝነበሮ ክንርዳእ ንኽእል ኢና: የሆዋ ድማ ኣብዚሑ ባሪኽዎ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እዛ መዝሙር እዚኣ ንህዝቢ የሆዋ ሎሚ እውን ከይተረፈ ትጠቅም ኢያ።
ኣብ የሆዋ ጸሎት ዘለዎ ትውክልቲ ብምግባር: ነቲ ተወሳኺ መሰላት ንምርካብ ዘሎካ ህንጥዮትን ነቲ ድሮ በቲ ዘሎካ መሰላት እትረኽቦ ዘሎኻ ዕግበትን ሚዛናዊ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝያዳ ንኽትገብር ዘሎካ ድሌት: ነቲ ሕጂ ዘሎካ ነገራት እተርእዮ ሞሳን ንየሆዋ ንዘለኣለም ብምግልጋል እትረኽቦ ሓጐስን ከጥፍኣልካ ኣይተፍቅደሉ። ኣብ የሆዋ ተወከል: ከመይሲ ኣብቲ ናይቲ ሌዋዊ ቃላት ተራእዩ ከም ዘሎ ከምዚ ምግባር ሓጐስ የምጽእ ኢዩ:- “ዎ ጐይታ ሰራዊት: ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 84:12
[እግረ-ጽሑፍ]
a በጃኻ ነታ ኣብ ናይ 15 ሰነ 1988 (እንግሊዝኛ) ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ “ነቲ ቕዱስ ነገራት ተማስወሉዶ ኢኻ፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]
ክንገብሮም እንኽእል ሸቶታት
መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ—እያሱ 1:8፣ ማቴዎስ 4:4
ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይርና ብምልምማድ ናይ ምስትውዓል ክእለትና ምምሕያሽ—እብራውያን 5:14
ምስ ኣምላኽ ዝቐረበ ዝምድና ምምዕባል—መዝሙር 73:28
ንነፍሲ ወከፍ ፍረ መንፈስ ምዅስኳስ—ገላትያ 5:22,23
ንትሕዝቶ ጸሎትና ምምሕያሽ—ፊልጲ 4:6, 7
ኣብ ስብከትን ምምሃርን ዝያዳ ኣስለጥቲ ምዃን—1 ጢሞቴዎስ 4:15,16
ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ዘሎ ነገራት ምንባብን ምስትንታንን።—መዝሙር 49:3
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእልታት]
ብሕታዊ ሸቶታት ከተውጽእ ከሎኻ: ንፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ቀዳምነት ሃቦ