ኢሳይያስ
21 ኣንጻር በረኻ ባሕሪ* እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+
ከምቲ ኣብ ደቡብ ዚነፍስ ህቦብላ ንፋስ ዝበለ፡
ካብ በረኻ፡ ካብ ዜፍርህ ምድሪ ይመጽእ ኣሎ።+
2 ዜሰቅቕ ራእይ ተነግረኒ፦
ጠላሚ ይጠልም ኣሎ፣
መጥፍኢ የጥፍእ ኣሎ።
ኣቲ ዔላም፡ ደይቢ! ኣቲ ሜዶን፡+ ክበቢ!
ንዅሉ እቲ ዘምጽኣቶ እህህታ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።+
ከምቲ እትወልድ ሰበይቲ እትዀኖ፡
ምንፍርፋር ሒዙኒ ኣሎ።
ካብ ጭንቂ እተላዕለ ኽሰምዕ ኣይከኣልኩን፣
ካብ ርባጸ እተላዕለ ኽርኢ ኣይከኣልኩን።
4 ልበይ ተመሊሑ፣ ብራዕዲ ፈጥፈጥ ኢለ።
እቲ ዝናፍቖ ጽልግልግታ፡ ራዕራዕ የብለኒ ኣሎ።
5 መኣዲ ይዳሎ፡ መናብር ይሰራዕ!
ይበላዕን ይሰተን!+
ኣቱም መሳፍንቲ፡ ተንስኡ ዋልታ ቕብኡ!
6 የሆዋስ ከምዚ እዩ ዝበለኒ፦
“ኪድ እሞ ሓላዊ ኣቑም፣ ንሱ እውን ነቲ ዝረኣዮ ይንገር።”
ምስ ብዙሕ ኣቓልቦ ድማ፡ ተጠንቂቑ ሓለወ።
8 ድሕሪኡ፡ ከም ኣንበሳ ኸምዚ ኢሉ ተዳህየ፦
“ኦ የሆዋ፡ ወትሩ ብመዓልቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ደው ኢለ ኣለኹ፣
ለይቲ ለይቲ እውን ኣብ መሐለውየይ ቈይመ ኣለኹ።+
ድሕርዚ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፦
“ወዲቓ! ባቢሎን ወዲቓ!+
ንዅሉ ቕሩጽ ምስልታታ ኣብ ምድሪ ሰባቢርዎ።”+
11 ኣንጻር ዱማ* እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦
“ኣታ ሓላዊ፡ ብዛዕባ ለይቲ እንታይ ትብል፧
ኣታ ሓላዊ፡ ብዛዕባ ለይቲ እንታይ ትብል፧”
ኢሉ ኻብ ሰዒር ይድሃየኒ ኣሎ።+
12 እቲ ሓላዊ ኸኣ፡
“ንግሆ ይመጽእ ኣሎ፡ ለይቲ እውን።
ትሓትቱ እንተ ዄንኩም፡ ሕተቱ።
መሊስኩም ምጹ!” በለ።
13 ኣንጻር ጐልጐል ምድረ በዳ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦
ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፡+
ኣብ ዱር ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኽትሓድሩ ኢኹም።
15 ንሳቶምሲ ኻብ ኣስያፍ፡ ካብ እተመልሐ ሰይፊ፡
ካብ እተገተረ ቐስቲ፡ ካብ ሕሰም ውግእ ዝሃደሙ እዮም።
16 የሆዋስ ከምዚ ኢሉኒ እዩ፦ “ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓመት፡ ከም ዓመታት ዕሱብ፡* ኵሉ ኽብሪ ቄዳር+ ኬብቅዕ እዩ። 17 የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ እቶም ዚተርፉ ቐስተኛታት ጀጋኑ ቄዳር ሒደት ኪዀኑ እዮም።”