መዝሙር
እኩይ ኣብ ቅድመይ ክሳዕ ዘሎ፡
ንኣፈይ ብልጓም ክሕሉ እየ” ኢለ ነይረ።+
3 ልበይ ኣብ ውሽጠይ ፈኸም ኢሉ።*
ከስተንትን* ከለኹ፡ ሓዊ ይነድድ ኣሎ።
ልሳነይ ከኣ ተዛሪቡ፦
ብርግጽ ኵሉ ሰብ ጸኒዑ ዝቘመ እኳ እንተ መሰለ፡ ትንፋስ ጥራይ እምበር ገለ እኳ ኣይኰነን።+ (ሴላ)
6 ብርግጽ ኵሉ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ።
ንኸንቱ ሃለኽለኽ ይብል።*
መን ከም ዚጥቀመሉ ኸይፈለጠ፡ ሃብቲ ይድልብ።+
7 ኦ የሆዋ፡ እንታይ ደኣ ተስፋ ኽገብር እየ፧
ንስኻ ጥራይ ኢኻ ተስፋይ።
8 ካብ ኵሉ ኣበሳይ ኣድሕነኒ።+
መላገጺ ዓሻ ኣይትግበረኒ።
10 መዓትካ ኻባይ ኣርሕቕ።
ኢድካ ትወቕዓኒ ስለ ዘላ፡ ደኺመ።
ብርግጽ ኵሉ ሰብ ትንፋስ ጥራይ እዩ።+ (ሴላ)
ንንብዓተይ ዕሽሽ ኣይትበሎ።
13 ቅድሚ ምሕላፈይን ምጥፋአይን
ምእንቲ ኽሕጐስሲ፡ ብቝጥዓ ኣይትጠምተኒ።”