ኢሳይያስ
2 ስሕተትኩም ደኣ እዩ ኻብ ኣምላኽኩም ፈልዩኩም።+
ሓጢኣትኩም ከኣ እዩ ገጹ ኻባኻትኩም ከም ዚሓብእን
ምስማዕ ከም ዚኣብየኩምን ገይርዎ።+
3 ከመይሲ፡ ኣእዳውኩም ብደም፡+
ኣጻብዕኩም ድማ ብስሕተት ተበኪለን እየን።
ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡+ ልሳንኩም እውን ዓመጻ ተዕዘምዝም።
4 ንጽድቂ ዚጽውዕ የልቦን፣+
ብሓቂ ናብ ፍርዲ ዚኸይድ እውን የልቦን።
ብኸንቱነት* ይእመኑ፡+ ዘይረብሕ ነገር ድማ ይዛረቡ።
ሽግር ጠኒሶም፡ ጕድኣት ይወልዱ።+
5 እንቋቝሖታት መርዛም ተመን የንቍሑ፣
ዓለባ ሳሬት ከኣ ይኣልሙ።+
እንቋቝሖታቶም ዚበልዕ ይመውት፣
እተጨፍለቐ እንቋቝሖ ድማ ኣፍዑት ይነቍሕ።
6 ዓለባ ሳሬቶም ክዳን ኣይኪኸውንን እዩ፣
ብዚገብርዎ ኸኣ ኣይኪኽደኑን እዮም።+
ግብሮምሲ ጐዳኢ እዩ፣
ኣብ ኣእዳዎም ድማ ተግባር ዓመጻ ኣሎ።+
7 ኣእጋሮም ናብ ክፍኣት ይጐይያ፣
ንጹህ ደም ናብ ምፍሳስ ከኣ ይቕልጥፉ።+
ሓሳባቶም ሓሳብ ጕድኣት እዩ፣
ጥፍኣትን ጸበባን ኣብ መገድታቶም ኣሎ።+
8 ንመገዲ ሰላም ኣይፈለጥዋን፣
ኣብ ኣሰራቶም ፍትሒ የልቦን።+
ንመገድታቶም ድማ የቕንንዎ።
ብእኡ ዚኸይድ ዘበለ ንሰላም ኣይፈልጣን።+
9 ስለዚ እዩ ፍትሒ ኻባና ዝረሓቐ፡
ጽድቂ እውን ዘየርከበና።
ንብርሃን ተስፋ ጌርናስ፡ እንሆ ግና፡ ጸልማት፣
ንድምቀት፡ ግናኸ ብድነ ንመላለስ ኣለና።+
10 ከም ዕዉራት፡ መንደቕ ሃሰስ ንብል፡
ኣዒንቲ ኸም ዘይብሎም፡ ሃሰስ ንብል ኣለና።+
ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ኣብ ጸልማት ምሸት ንዕንቀፍ ኣለና፣
ኣብ መንጎ እቶም ብርቱዓት፡ ከም ምዉታት ኢና።
11 ከም ድብታት ሕኒን ንብል፡
ከም ረገቢት ከኣ ብሓዘን ኩኩ ንብል ኣለና።
ንፍትሒ ተስፋ ጌርናስ፡ ግናኸ የልቦን፣
ንድሕነት፡ ንሱ ግና ካባና ርሑቕ እዩ።
ዕልወትናስ ምሳና ኣሎ፣
ንስሕተትና ድማ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና።+
13 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቢስና፡ ንዕኡ እውን ክሒድናዮ፣
ንኣምላኽና ዝባንና መሊስናሉ።
18 ከከም ግብሮም ኪፈድዮም እዩ፦+
ቍጥዓ ንተጻረርቱ፡ ፍዳ ንጸላእቱ።+
ንደሴታት ከኣ ዚግብአን ኪፈድየን እዩ።
19 ካብ ምዕራብ ጸሓይ፡ ስም የሆዋ፡
ካብ ምብራቕ ጸሓይ ድማ፡ ክብሩ ኺፈርሁ እዮም፣
ከመይሲ፡ ከምቲ መንፈስ የሆዋ ምስ ከብከቦ
ኣበርቲዑ ዚውሕዝ ፈለግ ኰይኑ ኺመጽእ እዩ።
21 “ኣነስ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን እዚ እዩ”+ ይብል የሆዋ። “ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይን ኣብ ኣፍካ ዘንበርክዎ ቓለይን፡ ካብ ኣፍካ፡ ካብ ኣፍ ደቅኻ፡* ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፡* ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኣይኪርሕቕን እዩ” ይብል የሆዋ።