3 “እንሆ፡ በተን መዓልትታት እቲአንን በቲ ግዜ እትንሲ፡
ንምሩኻት ይሁዳን የሩሳሌምን ምስ መለስክዎም፡+
2 ንዅሎም ኣህዛብ እውን ክእክቦም፡
ናብ ስንጭሮ ዮሳፋጥ ድማ ከውርዶም እየ።
ምእንቲ ህዝበይን ርስተይ እስራኤልን
ኣብኡ ምሳታቶም ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ፣+
ንሳቶምሲ ንዓታቶም ኣብ ኣህዛብ ፋሕ ኣቢሎምዎም፡
ንምድረይ ከኣ ተማቒሎምዋ እዮም።+
3 ንህዝበይ ዕጫ የውድቑሉ፡+
ዓስቢ ኣመንዝራ ኪኸውን ወዲ ይህቡ፡
ወይኒ ኺሰትዩ ኢሎም ድማ ጓል ይሸጡ እዮም።
4 ኣቱም ጢሮስን ሲዶንን ኵልኹም ዞባታት ፍልስጥኤምን፡
ኣንጻረይ እንታይ ኣሎኩም፧
ትፈድዩኒ ዲኹም ዘለኹም፧
ትፈድዩኒ እንተ ኣሊኹም፡
ብፍጥነትን ብቕልጡፍን ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።+
5 ብሩረይን ወርቀይን ስለ ዝወሰድኩም፡+
እቲ ብሉጽ መዛግብተይ ከኣ ናብ ኣብያተ መቕደስኩም ስለ ዘምጻእኩም፡
6 ካብ ሃገርኩም ከተርሕቕዎም ኢልኩም፡
ንህዝቢ ይሁዳን ንህዝቢ የሩሳሌምን ናብ ግሪኻውያን ስለ ዝሸጥኩምዎም፡+
7 እንሆ፡ ካብቲ ዝሸጥኩምዎም ቦታ ኸተንስኦም፡+
ፍዳኹም ከኣ ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።
8 የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡
ንኣወዳትኩምን ንኣዋልድኩምን ናብ ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፣+
ንሳቶም እውን ናብ ሰብ ሳባ፡ ናብቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ህዝቢ ኺሸጥዎም እዮም።
9 እዚ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣውጁ፦+
‘ንውግእ ተዳለዉ! ንጀጋኑ ኣለዓዕልዎም!
ኵሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡ፡ ይምጽኡ!+
10 ማሕረሻኹም ቀጥቂጥኩም ኣስያፍ፡ ገዘሞታትኩም ከኣ ኲናውቲ ግበርዎ።
እቲ ድኹም፡ “ጅግና እየ” ይበል።
11 ኵልኹም ኣብ ዙርያ ዘለኹም ኣህዛብ፡ ንዑ፡ ርድኡ፡ ተኣከቡ!’”+
ኦ የሆዋ፡ ንጀጋኑኻ ናብታ ቦታ እቲኣ ኣውርዶም።
12 “ኣህዛብ ይለዓሉ፡ ናብ ስንጭሮ ዮሳፋጥ ከኣ ይውረዱ፣
ንዅሎም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ ክፈርድሲ፡ ኣብኡ ክቕመጥ እየ።+
13 እኽሊ በሲሉ እዩ እሞ፡ ማዕጺድ ስደዱ።
መጽመቝ ወይኒ መሊኡ እዩ እሞ፡ ንዑ ርገጹ።+
ክፍኣቶም በዚሑ እዩ እሞ፡ መዋህለል ወይኒ ይጅርብብ ኣሎ።
14 መዓልቲ የሆዋ ኣብ ስንጭሮ ውሳነ ቐሪባ ኣላ እሞ፡
ህዝቢ፡ ህዝቢ ኣብ ስንጭሮ ውሳነ ኣሎ።+
15 ጸሓይን ወርሕን ኪጽልምታ እየን፣
ከዋኽብቲ ድማ ድምቀቶም ኪስእኑ እዮም።
16 የሆዋ ኸኣ ካብ ጽዮን ኪጓዝም፡
ካብ የሩሳሌም እውን ድምጹ ኼስምዕ እዩ።
ሰማይን ምድርን ድማ ኬንቀጥቅጥ እዩ፣
የሆዋ ግና ንህዝቡ መዕቈቢ፡+
ንህዝቢ እስራኤል እውን ዕርዲ ኪኸውን እዩ።
17 ኣነ ኣብ ጽዮን፡ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ዝነብር የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+
የሩሳሌም ቅድስቲ ኽትከውን እያ፣+
ጓኖት እውን ደጊም ብእኣ ኣይኪሓልፉን እዮም።+
18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣኽራን ጕዕሽ ወይኒ ኼንጠብጥብ፡+
ኵርባታት ድማ ጸባ ኼውሕዝ፡
ኣብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ኪውሕዝ እዩ።
ካብ ቤት የሆዋ ዓይኒ ማይ ኪውሕዝ፡+
ንስንጭሮ ኣእዋም ሰራው እውን ብመስኖ ኬስትዮ እዩ።
19 ብሰሪ እቲ ኣብ ህዝቢ ይሁዳ እተገብረ ዓመጻ፡+
ኣብ ምድሮም ንጹህ ደም ስለ ዘፍሰሱ፡+
ግብጺ ባድም ክትከውን፡+
ኤዶም ከኣ ዝባደመት በረኻ ኽትከውን እያ።+
20 ይሁዳ ግና ወትሩ ነባሪ ኺህልዋ፡
የሩሳሌም ድማ ንውሉድ ወለዶ ኸምኡ ኺህልዋ እዩ።+
21 ነቲ ንጹህ ገይረ ዘይረኣኽዎ ደሞም ንጹህ ገይረ ኽርእዮ እየ፣+
የሆዋ ኸኣ ኣብ ጽዮን ኪነብር እዩ።”+