ዳንኤል
10 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ቂሮስ+ ንጉስ ፋርስ፡ ነቲ ቤልጥሻጽር ተባሂሉ እተሰምየ ዳንኤል+ ሓደ ነገር ተገልጸሉ፣ እቲ መልእኽቲ ኸኣ ሓቂ ነበረ፣ ብዛዕባ ዓብዪ ግጭት ድማ ነበረ። ንሱ ኸኣ ነቲ መልእኽቲ ተረድኦ፣ ነቲ ዝረኣዮ እውን ኪርድኦ ኸኣለ።
2 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ።+ 3 ኣብተን ሰለስተ ሰሙን ምሉእ፡ ጥዑም ምግቢ ኣይበላዕኩን፣ ስጋ ወይ ወይኒ ድማ ኣብ ኣፈይ ኣይኣተወን፣ ዘይቲ እውን ኣይተለኸኹን። 4 ኣብ መበል 24 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ፈለግ ጢግሪስ*+ ከለኹ፡ 5 ኣዒንተይ ኣልዓልኩ እሞ በፍታ እተኸድነ+ ኣብ ማዕጥቖኡ ዕጣቕ ወርቂ ኡፋዝ እተዓጥቀ ሰብኣይ ረኣኹ። 6 ሰብነቱ ኸም ክሪሶሊት፡+ ገጹ ኸም ትርኢት በርቂ፡ ኣዒንቱ ኸም ፋናታት ሓዊ፡ ቀላጽሙን ኣእጋሩን ከም እተወልወለ ነሓሲ፡+ ደሃይ ድምጹ ኸኣ ከም ደሃይ ብዙሓት ነበረ። 7 ኣነ ዳንኤል ጥራይ ነቲ ራእይ ረኣኽዎ፣ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ራእይ ኣይረኣይዎን።+ ግናኸ፡ ኣመና ራዕራዕ በሉ፣ ሃዲሞም ከኣ ተሓብኡ።
8 ሽዑ፡ በይነይ ተረፍኩ፣ ነዚ ዓብዪ ራእይ እዚ ምስ ረኣኹ ድማ፡ ሓይሊ ኣይተረፈንን፡ ግርማ ትርኢተይ ከኣ ሓደገኒ፡ ኵሉ ብርታዐይ እውን ጠፍአ።+ 9 ሽዑ፡ ደሃይ እቲ ዚዛረበኒ ሰማዕኩ፣ ኪዛረበኒ ኸሎ ምስ ሰማዕክዎ ግና፡ ከቢድ ድቃስ ወሲዱኒ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ።+ 10 ሽዑ ግና፡ ኢድ ተንከየትኒ፡+ ብኣእዳወይን ብኣብራኸይን ክትንስእ ድማ ኣለዓዓለትኒ። 11 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦
“ኦ ዳንኤል፡ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ* ሰብ፡+ ነቲ ኣነ ዝዛረበካ ቓላት ኣቕልበሉ። ሕጂ፡ ናባኻ ተላኢኸ እየ እሞ፡ ኣብ ቦታኻ ደው በል።”
እዚ ምስ በለኒ፡ ራዕራዕ እናበልኩ ደው በልኩ።
12 ሽዑ፡ ከምዚ በለኒ፦ “ኦ ዳንኤል፡ ኣይትፍራህ።+ ካብታ ንምርዳእን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ርእስኻ ንምትሓትን ልብኻ ዝሃብካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣትሒዙስ ቃላትካ ተሰሚዐን እየን፣ ኣነ ድማ ብምኽንያት ቃላትካ እየ መጺአ።+ 13 መስፍን+ መንግስቲ ፋርስ ግና 21 መዓልቲ ኣንጻረይ ቈይሙ። ድሕሪኡ ግና፡ ሚካኤል*+ ሓደ ኻብቶም ኣውራታት መሳፍንቲ* ኺሕግዘኒ መጺኡ፣ ኣነ እውን ኣብኡ ኣብ ጥቓ ነገስታት ፋርስ እየ ጸኒሐ። 14 ገና ንዚመጽእ መዓልትታት ዚኸውን ራእይ እዩ እሞ፡+ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝብኻ እንታይ ከም ዚወርዶም ከረድኣካ መጺአ ኣለኹ።”+
15 እዘን ቃላት እዚአን ምስ ተዛረበኒ፡ ገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ፡ ዓባስ እውን ኰንኩ። 16 ሽዑ፡ ሰብ ዚመስል ንኸናፍረይ ተንከዮ፣+ ኣነ ድማ ኣፈይ ከፈትኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ዝበለ ኸኣ ከምዚ በልክዎ፦ “ጐይታይ፡ ብሰንኪ እዚ ራእይ አንቀጥቅጥ ኣለኹ፣ ሓይሊ እውን የብለይን።+ 17 እሞ ደኣ ጊልያ ጐይታይ ከመይ ኢሉ ምስ ጐይታይ ኪዛረብ ይኽእል፧+ ሕጅስ ሓይሊ የብለይን፣ ትንፋስ እውን ኣይተረፈንን።”+
18 እቲ ሰብ ዚመስል ከኣ ከም ብሓድሽ ተንከየኒ፡ ኣበርትዓኒ እውን።+ 19 ሽዑ፡ “ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ* ሰብ፡+ ኣይትፍራህ።+ ሰላም ንዓኻ ይኹን።+ በርትዕ፡ እወ፡ በርትዕ” በለኒ። ምስ ተዛረበኒ፡ በርታዕኩ፡ “ኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ጐይታይ ይዛረብ” በልክዎ።
20 ሽዑ፡ ከምዚ በለ፦ “ስለምንታይ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩ ትፈልጥዶ፧ ሕጂ፡ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ።+ ምስ ከድኩ፡ መስፍን ግሪኽ ኪመጽእ እዩ። 21 ግናኸ፡ ኣብ ጽሑፋት ሓቂ እተመዝገበ ኽነግረካ እየ። ብዘይካ ሚካኤል+ እቲ መስፍንኩም፡+ ሓደ እኳ ብጽኑዕ ዝደገፈኒ የብለይን።