መዝሙር
95 ንዑ፡ ንየሆዋ እልል ንበለሉ!
ንኸውሒ ድሕነትና ጭድርታ ዓወት ንጨድረሉ።+
3 የሆዋስ ዓብዪ ኣምላኽ፡
ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ።+
4 መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ኢዱ እዩ፣
ኣራእስ ኣኽራን ከኣ ናቱ እዩ።+
6 ንዑ፡ ነምልኮ፡ ንስገደሉ፣
ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ገባሪና ንምበርከኽ።+
10 ን40 ዓመት ነቲ ወለዶ ፈንፊነዮስ፡
“ወትሩ ብልቦም ዜላግሱ ህዝቢ እዮም፣
ንመገድታተይ ኣይፈለጥዎን” ኢለ።
11 ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡
“ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም” ኢለ ምሒለ።+