መዝሙር
ናይ ዳዊት መዝሙር።
141 ኦ የሆዋ፡ እጽውዓካ ኣለኹ።+
ቀልጢፍካ ንዓ እሞ ርድኣኒ።+
ክጽውዓካ ኸለኹ ኣቕልበለይ።+
3 ኦ የሆዋ፡ ንኣፈይ ዘብዐኛ ግበረሉ፣
ንኣፍ ደገ ኸናፍረይ ሓላዊ ግበረሉ።+
ብግዜ መዓቶም እኳ ገና ኽጽሊ እየ።
6 ፈረድቶም እኳ ኻብ ጸድፊ እንተ ጸደፉ፡
ቃላተይ ባህ ዜብል ብምዃኑ፡ ሰባት ኬቕልቡሉ እዮም።
7 ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚሓርሳን ዚፍርክሻን፡
ከምኡ ድማ ኣዕጽምትና ኣብ ኣፍ መቓብር* ፋሕ ኢሉ ኣሎ።
8 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣዒንተይ ናባኻ እየን ዚጥምታ።+
ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ።
ንህይወተይ ኣይተጥፍኣያ።*
9 ካብ ምንጋጋ እቲ ዘጻወዱለይ መጻወድያ፡
ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይ ኣዕቍበኒ።
10 ኣነ ብደሓን ክሓልፍ ከለኹ፡
እኩያት ብሓባር ናብ መርበቦም ኪወድቁ እዮም።+