ዘሁልቍ
12 ሙሴ ኩሻዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ስለ ዝነበረ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብምኽንያት እታ ዘእተዋ ኩሻዊት ሰበይቲ ነቐፍዎ።+ 2 “የሆዋስ ብሙሴ ጥራይ ድዩ ተዛሪቡ፧ ብኣና እውን ኣይተዛረበን ድዩ፧” ድማ በሉ።+ የሆዋ ኸኣ ይሰምዕ ነበረ።+ 3 እቲ ሰብኣይ፡ ማለት ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዝነበረ ሰብ ኵሉ፡ ዓቃል*+ ነበረ።
4 የሆዋ ኸኣ ብሃንደበት ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን፡ “ሰለስቴኹም ናብ ድንኳን ምርኻብ ውጹ” በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ወጹ። 5 ድሕሪኡ፡ የሆዋ ብዓንዲ ደበና ወረደ፣+ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው ኢሉ ኸኣ፡ ንኣሮንን ንሚርያምን ጸውዖም። ክልቲኦም ድማ ናብ ቅድሚት ከዱ። 6 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “በጃኹም ዘረባይ ስምዑ። ኣብ መንጎኹም ነብዪ የሆዋ እንተሎ፡ ኣነ ብራእይ+ እፍለጠሉ፡ ብሕልሚ+ ድማ እዛረቦ። 7 ምስ ጊልያይ ሙሴ ግና ከምኡ ኣይኰነን! ንዕኡ ዅላ ቤተይ ብሕድሪ ተዋሂባቶ ኣላ።*+ 8 ብግልጺ ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ+ እምበር፡ ብሕንቅሕንቅሊተያት ኣይኰነን፣ ትርኢት የሆዋ ድማ ይርኢ እዩ። ስለምንታይ ደኣ ንጊልያይ ሙሴ ምንቃፍ ዘይፈራህኩም፧”
9 ቍጥዓ የሆዋ ኸኣ ኣባታቶም ነደደ፣ ንሱ ድማ ካባታቶም ከደ። 10 እቲ ደበና ኸኣ ካብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ኣልገሰ፣ እንሆ ድማ፡ ሚርያም ብደዌ ተወቒዓ ኸም ውርጪ ጻዕደወት።+ ኣሮን ከኣ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ እሞ፡ ብደዌ ተወቒዓ ረኣየ።+ 11 ብኡብኡ ኣሮን ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ጐይታይ፡ እልምነካ ኣለኹ! በጃኻ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘልና! ብዕሽነት ኢና እዚ ጌርና። 12 በጃኻ፡ ፍርቂ ስጋኡ ተበሊዑ ኸም እተወልደ ምዉት ክትከውን ኣይትሕደጋ።” 13 ሙሴ ድማ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ በጃኻ ኣሕውያ! በጃኻ!” ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ።+
14 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ኣቦኣ ኣብ ገጻ ጡፍ እንተ ዚብለላስ፡ ሸውዓተ መዓልቲዶ ኣይምተዋረደትን፧ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ትወሸብ፣+ ድሕሪኡ ድማ ትመለስ” ኢሉ መለሰሉ። 15 ሚርያም ከኣ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ተወሸበት፣+ እቲ ህዝቢ ድማ ሚርያም ክሳዕ እትምለስ ኣይነቐለን። 16 ድሕሪኡ፡ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓጸሮት+ ነቐለ፡ ኣብ በረኻ ጳራን+ ከኣ ሰፈረ።