ኢሳይያስ
ነቲ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኺግዝኡ ኢለ፡+
ንነገስታት ዕጥቆም ከፍትሖም* ኢለ፡
እቲ ኣፍ ደገታት ከይዕጾስ
ክልተ ዝኽፋሉ መዓጹ ክኸፍተሉ ኢለ፡
ብየማነይቲ ኢዱ ዝሓዝክዎ+ ኸምዚ ይብሎ፦
መዓጹ ነሓሲ ኽሰባብር፡
ተገዳማት ሓጺን ከኣ ክቘርጽ እየ።+
4 ምእንቲ ያእቆብ ጊልያይን እስራኤል ሕሩየይን፡
ብስምካ እጽውዓካ ኣለኹ።
ዘይትፈልጠኒ እኳ እንተ ዀንካ፡ ስም ክብሪ እህበካ ኣለኹ።
5 ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን።
ብዘይካይ ኣምላኽ የልቦን።+
ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን።+
ምድሪ ትከፈት እሞ ድሕነት ተፍሪ፣
ጽድቂ እውን ብሓባር ተብቍል።+
ኣነ የሆዋ ፈጢረዮ እየ።”
ካይላዶ ንሰራሕ ካይላ፡* “እንታይ ኢኻ እትገብር ዘለኻ፧” ኪብሎ ይግባእ እዩ።+
ዕዮኻዶኸ፡ “ኣእዳው የብሉን” ኪብል ይግባእ እዩ፧*
10 እቲ ንኣቦ፡ “እንታይ ኢኻ እትወልድ፧” ዚብሎ፡
ንሰበይቲ ድማ፡ “እንታይ ኢኺ እትወልዲ፧”* ዚብላ፡ ወይለኡ!
11 የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡+ እቲ ዝደኰኖ ኸምዚ ይብል፦
“ብዛዕባ እቲ ዚመጽእዶ ኽትሓትቱኒ ኢኹም፧
ብዛዕባ ደቀይን+ ግብሪ ኣእዳወይንዶ ኽትእዝዙኒ ኢኹም፧
12 ንምድሪ ገይረያ፡+ ንሰብ ድማ ኣብኣ ፈጢረዮ።+
13 “ብጽድቅስ ሰብ ኣተንሲአ፡+
ንዅሉ መገዱ ኸኣ ከቕንዖ እየ።
14 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
ብሰንሰለት ተኣሲሮም ደድሕሬኻ ኪኸዱ እዮም።
መጺኦም ኪሰግዱልካ እዮም።+
‘ብርግጽ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ፣+
ካልእ እውን የልቦን፣ ካልእ ኣምላኽ የልቦን’ ኢሎም ናባኻ ኺጽልዩ እዮም።”
15 ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኦ መድሓኒ፡+
ብሓቂ ርእስኻ እትሓብእ ኣምላኽ ኢኻ።
16 ኵላቶም ኪሓፍሩን ኪዋረዱን እዮም፣
እቶም ገበርቲ ጣኦታት ብውርደት ኪመላለሱ እዮም።+
17 እስራኤል ግና ብናይ ዘለኣለም ድሕነት ብየሆዋ ኺድሕን እዩ።+
ንስኻትኩምሲ ንዘለኣለመ ኣለም ኣይክትሓፍሩን ወይ ኣይክትዋረዱን ኢኹም።+
18 እቲ ፈጣር ሰማያት፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡
እቲ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡+
እቲ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ* ኢሉ ዘይፈጠራ+
የሆዋስ ከምዚ ይብል፦
“ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን።
ኣነ የሆዋ ጽድቂ ዝዛረብን ቅኑዕ ዘበለ ዝነግርን እየ።+
20 ተኣከቡ፡ ንዑ።
ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዘምለጥኩም፡ ብሓደ ቕረቡ።+
እቶም ጽሩብ ምስሊ ዚጾሩን
ኬድሕን ናብ ዘይክእል ኣምላኽ ዚጽልዩን፡ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጡን እዮም።+
21 ንገሩ፡ ጕዳይኩም ኣቕርቡ።
ብሓደ ይማኸሩ።
ነዚ ነገር እዚ ቐደም ዘስምዐ፡
ካብ ጥንቲ ኸኣ ዝነገረ መን እዩ፧
ኣነ የሆዋ ደይኰንኩን፧
ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን፣
ብዘይካይ ጻድቕ ኣምላኽን መድሓንን የልቦን።+
ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚንድሩ፡ ሓፊሮም ኣብ ቅድሚኡ ኺመጹ እዮም።
25 ኵሉ ዘርኢ እስራኤል ብየሆዋ ቕኑዕ ኪኸውን፡+
ብእኡ እውን ኪምካሕ እዩ።’”