ማቴዎስ
9 ናብ ጃልባ ደዪቡ ተሳገረ፡ ናብ ከተማኡ ድማ መጸ።+ 2 እንሆ ኸኣ፡ ልሙስ ሰብኣይ ኣብ ቃሬዛ ገይሮም ኣምጽኡሉ። የሱስ ድማ፡ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ ልሙስ፡ “ኣጆኻ ወደይ፣ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።+ 3 ገለ ጸሓፍቲ ኸኣ ብልቦም፡ “እዚ ይጻረፍ ኣሎ” በሉ። 4 የሱስ ድማ፡ ሓሳባቶም ፈሊጡ፡ “ስለምንታይ ብልብኹም እከይ ትሓስቡ ኣለኹም፧+ 5 ኣየናይ ይቐልል፧ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ፡ ወይስ፡ ‘ተንስእ እሞ ኺድ’ ምባል፧+ 6 ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡—” ኢሉ ነቲ ልሙስ፡ “ተንስእ፡ ቃሬዛኻ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ” በሎ።+ 7 ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ። 8 እቶም ህዝቢ ነዚ ርእዮም ፈርሁ፡ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ንሰብ ዝሃበ ኣምላኽ ድማ ኣሞገስዎ።
9 የሱስ ካብኡ ኺሓልፍ ከሎ ኸኣ፡ ማቴዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ኣብ መደበር ቀረጽ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ንዕኡ፡ “ሰዓብየይ ኩን” በሎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ ሰዓቦ።+ 10 ደሓር፡ የሱስ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን መጺኦም፡ ምስኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መኣዲ ተቐመጡ።+ 11 ፈሪሳውያን ግና ነዚ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለምንታይ እዩ መምህርኩም ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧” በልዎም።+ 12 ንሱ ግና ሰሚዑ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ።+ 13 ኪዱ እሞ፡ ‘መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ምሕረት እየ ዝደሊ’ ዚብል እንታይ ማለት ምዃኑ ተምሃሩ።+ ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን ክጽውዕ እየ መጺአ” በሎም።
14 ድሕርዚ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ናብኡ መጺኦም፡ “ንሕናን ፈሪሳውያንን እንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ዘይጾሙ ስለምንታይ እዮም፧” በልዎ።+ 15 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ኣዕሩኽ መርዓዊ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ፡ ዚሓዝኑሉ ምኽንያት ኣለዎም ድዩ፧+ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓልትታት ግና ኪመጻ እየን፣+ ሽዑ ኸኣ ኪጾሙ እዮም። 16 ማይ ዘይጠዓመ ቝራጽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ሓደ እኳ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ዓለባ ነቲ ኽዳን ይምንጭቶ፡ እቲ ቐዳድ ከኣ ዝገደደ ይኸውን።+ 17 ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን እዮም፣ እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ እቲ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፣ ክልቲኡ ድማ ይእርነብ።”
18 እዚ ኺብሎም ከሎ፡ እንሆ፡ ሓደ ሓለቓ ቐሪቡ፡ “ክሳዕ ሕጂ፡ ጓለይ ሞይታ ኽትከውን ኣለዋ፣ ግናኸ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ እሞ፡ ህያው ክትከውን እያ” እናበለ ሰገደሉ።*+
19 ሽዑ የሱስ፡ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዓቦ። 20 እንሆ ድማ፡ ን12 ዓመት ደም ዚፈስሳ ዝነበረት ሰበይቲ፡+ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት።+ 21 ከመይሲ፡ ብልባ፡ “ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንክየ፡ ክሓዊ እየ” ትብል ነበረት። 22 የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ “ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕውያትኪ” በላ።+ ካብታ ሰዓት እቲኣ ኣትሒዛ፡ እታ ሰበይቲ ሓወየት።+
23 የሱስ ናብ ቤት እቲ ሓለቓ ምስ ኣተወ፡ ነቶም ነፋሕቲ ሻምብቆን ዋይዋይ ዚብሉ ብዙሓት ሰባትን ረኣየ።+ 24 “እታ ጓል ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ፡ ኣልግሱ” በሎም።+ ንሳቶም ከኣ ሰሓቕዎ። 25 እቶም ሰባት ምስ ወጹ፡ ኣትዩ ነታ ጓል ኢዳ ሓዛ፡+ ንሳ እውን ተንስአት።+ 26 ዝናኡ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ዞባ ተዘርግሐ።
27 የሱስ ካብኡ ኺሓልፍ ከሎ፡ ክልተ ዕዉራት+ ዓው ኢሎም፡ “ኦ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና” እናበሉ ሰዓብዎ። 28 ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹ፣ የሱስ ከኣ፡ “እዚ ኽገብር ከም ዝኽእልዶ ትኣምኑ ኢኹም፧”+ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “እወ ጐይታይ” ኢሎም መለሱሉ። 29 ሽዑ፡ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም” እናበለ ኣዒንቶም ተንከዮም።+ 30 ኣዒንቶም ከኣ ተኸፍታ። የሱስ ድማ፡ “ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ” ኢሉ ብጽኑዕ ኣጠንቀቖም።+ 31 ንሳቶም ግና፡ ወጺኦም ኣብ ኵሉ እቲ ዞባ ኣውረዩ።
32 ንሳቶም ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ እንሆ፡ ጋኔን ዝሓደሮ ዓባስ ኣምጽኡሉ።+ 33 እቲ ጋኔን ምስ ወጸሉ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ።+ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን” ኢሎም ተገረሙ።+ 34 ፈሪሳውያን ግና፡ “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም” በሉ።+
35 የሱስ ከኣ ኣብ ምኵራባቶም እናመሃረ፡ ብስራት መንግስቲ እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየ፡ ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣቝሻትን ዞረ።+ 36 ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡+ ደንገጸሎም።+ 37 ሽዑ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም።+ 38 ስለዚ፡ ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ” በሎም።+