መዝሙር መዝሙር ምድያብ። ናይ ዳዊት። 124 “የሆዋ ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፡”+—ሕጂ እስራኤል ይበል፡— 2 “የሆዋ ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፡+ሰባት ኬጥቅዑና ምስ ተንስኡ፡+ 3 ቍጥዓኦም ኣብ ልዕሌና እናነደደ ኸሎ፡+ብህይወት ከለና ምወሓጡና።+ 4 ሽዑ፡ ማያት ምወሰደና፣ውሒዝ ብልዕሌና* ምወሓዘ።+ 5 ዚናወጽ ማያት ምወሓጠና።* 6 እቲ ኣደዳ ኣስናኖም ክንከውን ኣሕሊፉ ዘይሃበናየሆዋ ይወደስ። 7 ንሕና ኻብ መጻወድያ ሃዳናይከም ዘምለጠት ዑፍ ኢና፣*+እቲ መጻወድያ ተሰይሩ፡ንሕና ኸኣ ኣምሊጥና።+ 8 ረድኤትና ብስም እቲሰማይን ምድርን ዝገበረ የሆዋ እዩ።”+