እዮብ
29 እዮብ ድማ መሊሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፦*
2 “ኣብተን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡
ኣብተን ኣምላኽ ዚሕልወኒ ዝነበረ መዓልትታት እንተ ዝኸውን፡
3 መብራህቱ ኣብ ርእሰይ ኣብ ዝበርሃሉ፡
ብብርሃኑ ኸኣ ንጸልማት ኣብ ዝሓልፈሉ፡+
4 ጐበዝ ኣብ ዝነበርኩሉ፡*
ዕርክነት ኣምላኽ ኣብ ድንኳነይ ኣብ ዝነበረሉ፡+
5 እቲ ዅሉ ዚኽእል ምሳይ ኣብ ዝነበረሉ፡
ደቀይ* ኣብ ዙርያይ ኣብ ዝነበሩሉ፡
6 ስጕምትታተይ ብጠስሚ ይሕጸብ ኣብ ዝነበረሉ፡
ኣኻውሕ ድማ ውሒዝ ዘይቲ የፍስሰለይ ኣብ ዝነበረሉ፡+
7 ናብ ኣፍ ደገ ኸተማ እወጽእ ኣብ ዝነበርኩሉ፡+
ኣብ ኣደባባይ እውን ኣብ መንበረይ እቕመጥ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን+ እንተ ዝኸውን መን ምሃበ!
9 መሳፍንቲ ኻብ ምዝራብ ይቝጠቡ፡
ኢዶም ኣብ ኣፎም የንብሩ ነይሮም።
10 ድምጺ ምርኡያት ስቕ ይብል፡
ልሳኖም ከኣ ምስ ትንሓጎም ይጣበቕ ነይሩ።
11 ብዛዕባይ ዝሰምዐ ዘበለ ጽቡቕ ይዛረበለይ፡
ዝረኣዩኒ ድማ ይምስክሩለይ ነይሮም።
14 ንጽድቂ ኸም ልብሲ እለብሳ ነይረ።
ፍትሐይ፡ ወለል ከም ዚብል ክዳንን* ከም መጠምጠምያን ነይራ።
15 ንዕዉር ኣዒንቲ፡
ንሓንካስ ድማ ኣእጋር ኰይነ ነይረ።
17 ንምንጋጋ ገባር ክፉእ እሰብሮ፡+
ንግዳዩ ድማ ካብ ኣስናኑ እምንጥሎ ነይረ።
19 ሰራውረይ ናብ ማያት ኪዝርጋሕ፡
ኣውሊ ድማ ኣብ ጨናፍረይ ኪሓድር እዩ።
20 ክብረይ ወትሩ ኺሕደስ፡
ኣብ ኢደይ ዘላ ቐስተይ ከኣ ደጋጊማ ኽትውርውር እያ።’
21 ሰባት ብሃንቀውታ ይሰምዑኒ፡
ንምኽረይ ድማ ስቕ ኢሎም ይሰምዑ ነይሮም።+
22 ምስ ተዛረብኩ፡ ዚውስኽዎ ዘረባ ኣይነበሮምን፣
ቃላተይ ከኣ ኣብ ኣእዛኖም የንጠብጥብ ነይሩ።
23 ከም ንዝናም ይጽበዩኒ፡
ከም ንዝናም ጽብሓት ከኣ ኣፎም ሃህ የብሉ ነይሮም።+