ሉቃስ
13 በቲ እዋን እቲ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ገለ ሰባት፡ ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸምበሮ ገሊላውያን ነገርዎ። 2 ከምዚ ኢሉ ድማ መለሰሎም፦ “እዞም ገሊላውያን እዚኦም፡ እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ዝገደዱ ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም፧ 3 ኣይፋሎምን፣ እንተ ዘይተነሲሕኩም፡ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 4 ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተው ሸሞንተኸ፡ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝገደዱ በደልቲ ዝነበሩዶ ይመስለኩም፧ 5 ኣይፋሎምን፣ እንተ ዘይተነሲሕኩም፡ ኵላትኩም ከማታቶም ክትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።”
6 እዛ ምሳሌ እዚኣ ኸኣ መሰለ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ፡ ኦም በለስ* ነበረቶ፣ ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን።+ 7 ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ ‘እንሆ፡ ካብዛ ኦም በለስ እዚኣ ፍረ እናደለኹ ሰለስተ ዓመት መጺአስ፡ ኣይረኸብኩላን። ቍረጻ! ስለምንታይ ምድሪ እተባኽን፧’ በሎ። 8 ንሱ ግና፡ ‘ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፡ ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ፡ ሓንቲ ዓመት ሕደጋ። 9 ኣብ መጻኢ እንተ ፈርያ፡ ጽቡቕ፣ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ትቘርጻ’ ኢሉ መለሰሉ።”+
10 ብሰንበት ድማ ኣብ ሓንቲ ምኵራብ ይምህር ነበረ። 11 እንሆ ኸኣ፡ ን18 ዓመት መንፈስ ድኻም* ዝሓደራ ሰበይቲ ነበረት፣ ንሳ ድማ ኣመና ጐቢጣ፡ ክትቀንዕ እውን ከቶ ኣይትኽእልን ነበረት። 12 የሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ድኻምኪ ተፈቲሕኪ ኢኺ” በላ።+ 13 ኣእዳዉ ኸኣ ኣንበረላ፣ ብቕጽበት ድማ ቀንዐት፡ ንኣምላኽ እውን ኣሞገሰቶ። 14 እቲ መራሕ ምኵራብ ግና፡ የሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፡ ነቶም ህዝቢ፡ “ኪዕየየለን ዚግባእ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣለዋ፣+ እምበኣር፡ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን” በሎም።+ 15 ጐይታ ግና፡ “ኣቱም ግቡዛት፡+ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይስ ንኣድጉ ብሰንበት ካብ ጋጹ ፈቲሑ፡ ኬስትዮ ኢሉ ይመርሖ ደይኰነን፧+ 16 እዛ ን18 ዓመት ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ፡ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን እዩ፧” ኢሉ መለሰሉ። 17 እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ ኵሎም እቶም እተጻረርዎ ሓፈሩ፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ግና፡ በቲ ብእኡ እተገብረ ዅሉ መስተንክር ዝዀነ ግብርታት ተሓጐሱ።+
18 ስለዚ፡ ከምዚ በለ፦ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፧ ብምንታይከ ኽምስላ እየ፧ 19 ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ ትመስል፣ በቘለት፡ ኦም እውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ሰፈራ።”+
20 ከም ብሓድሽ ድማ ከምዚ በለ፦ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክምስላ እየ፧ 21 ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ስፍሪ* ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል።”+
22 ናብ የሩሳሌም ኪጕዓዝ ከሎ ድማ፡ ኣብ ከከተማን ኣብ ቈቍሸትን እናመሃረ ይሓልፍ ነበረ። 23 ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ እቶም ዚድሕኑ ሒደት ድዮም፧” በሎ። ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ 24 “እብለኩም ኣለኹ፡ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ፡ ስለ ዘይኰነሎም፡ በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ንምእታው ተጋደሉ።+ 25 ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢልኩም፡ ‘ጐይታይ፡ ኣርሕወልና’ እናበልኩም ክትኵሕኵሑ ኢኹም።+ ንሱ ግና፡ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጥን እየ’ ኢሉ ኺምልሰልኩም እዩ። 26 ሽዑ፡ ‘ኣብ ቅድሜኻ በሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻ እውን ኣብ ጐደናታትና ምሂርካ’ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም።+ 27 ንሱ ግና፡ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጥን እየ። ካባይ ርሓቑ!’ ኺብለኩም እዩ። 28 ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ንዅሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ረኣኹምዎም፡ ንስኻትኩም ግና ናብ ወጻኢ ምስ ተደርበኹም፡ ኣብኡ ኽትበኽዩን ኣስናንኩም ክትሕርቅሙን ኢኹም።+ 29 ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ካብ ሰሜንን ካብ ደቡብን ድማ ኪመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። 30 እንሆ ኸኣ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዚዀኑ ቐዳሞት እውን ኣለዉ።”+
31 በታ ሰዓት እቲኣ፡ ገለ ፈሪሳውያን መጺኦም፡ “ሄሮድስ ኪቐትለካ ይደሊ ስለ ዘሎ፡ ውጻእ፡ ካብዚ እውን ኪድ” በልዎ። 32 ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኬድኩም ነቲ ወኻርያ፡ ‘እንሆ፡ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ አውጽእን ሕሙማት አሕውን ኣለኹ፣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ክውድእ እየ’ በልዎ። 33 ነብዪ ብዘይካ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ወጻኢ ኪቕተል ዘይከውን* ስለ ዝዀነ ግና፡ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ክኸይድ ይግብኣኒ እዩ።+ 34 የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትልን ናብኣ ንእተላእኩ ብዳርባ እምኒ እትጭፍጭፍን፡+ ከምቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕ ኰን እየ ንደቅኺ ኽእክቦም ዝደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣቢኹም።+ 35 እንሆ፡ ቤትኩም ክትጥንጠነልኩም እያ።+ እብለኩም ኣለኹ፡ ‘ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!’ ክሳዕ እትብሉ፡ ከቶ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።”+