37 “በዚ ልበይ ይወቅዕ፡
ካብ ቦታኡ ይዘልል ኣሎ።
2 ነቲ ዚሃምም ድምጹ፡
ነቲ ኻብ ኣፉ ዚመጽእ ነጕዲ ተጠንቂቕኩም ስምዕዎ።
3 ንዕኡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማያት ይፍንዎ፣
ንበርቁ ኸኣ ናብ ወሰናት ምድሪ ይሰድዶ።+
4 ድሕሪኡ ደሃይ ይጓዝም፣
ብግርማዊ ድምጺ የንጐድጕድ፣+
ድምጹ ምስ ተሰምዐ ድማ ኣይክልክሎን።
5 ኣምላኽ ብዜደንቕ መገዲ ብድምጹ የንጐድጕድ፣+
ክንርድኦ ዘይንኽእል ዓበይቲ ነገራት ይገብር።+
6 ንውርጭስ፡ ‘ናብ ምድሪ ውረድ፡’ ይብሎ፣+
ንዝናም ከኣ፡ ‘ኣበርቲዕካ ዝነም’ ይብሎ።+
7 ኵሉ መዋቲ ሰብ ግብሩ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡
ኣምላኽ ንዅሉ ተግባር ሰብ ደው የብሎ።
8 ኣራዊት ናብ መሕብኢኦም ይኸዱ፣
ኣብ ሰፈሮም ድማ ይቕመጡ።
9 ህቦብላ ንፋስ ካብ ክፍሉ ይነፍስ፣+
ዛሕሊ ኸኣ ካብ ንፋሳት ሰሜን ይመጽእ።+
10 ብትንፋስ ኣምላኽ በረድ ይኸውን፣+
እቲ ገፊሕ ማያት ድማ ደስኪሉ ይግጎ።+
11 እወ፡ ንደበናታት ብጠሊ የኽብዶ፣
ንበርቁ ኣብ ደበናታት ፋሕ የብሎ፣+
12 ናብ ዝመርሖም ይጥወዩ፣
ኣብ ገጽ ብዘላ ዓለም ዝኣዘዞም ዘበለ ይፍጽሙ።+
13 ንመቕጻዕቲ+ ዀነ፡ ንምድሪ ኢሉ ዀነ፡
ወይ ብተኣማንነት ፍቕሪ ንምርኣይ፡ ከም ዚኸውን ይገብሮ።+
14 ኦ እዮብ፡ እዚ ስማዕ፣
ደው ኢልካ ነቲ ዜደንቕ ግብርታት ኣምላኽ ተጠንቂቕካ ሕሰቦ።+
15 ኣምላኽ ንደበናታት ከመይ ገይሩ ኸም ዚቈጻጸሮ፡
ንበርቂ ድማ ካብ ደበና ኸመይ ገይሩ ኸም ዜብርቖ ትፈልጥ ዲኻ፧
16 ደበናታት ከመይ ኢሉ ኸም ዜንሳፍፍ ትፈልጥ ዲኻ፧+
እዝስ ዜደንቕ ግብርታት እቲ ብፍልጠት ፍጹም ዝዀነ እዩ።+
17 ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ጸጥ ምስ በለት፡
ክዳውንትኻ ስለምንታይ እዩ ዚሞቐካ፧+
18 ንሰማያት ከም መስትያት ብረት ዝምትራሩ ጌርካ፡
ከምኡ ኽትዝርግሖዶ ትኽእል፧+
19 ንዕኡ እንታይ ከም እንብሎ ንገረና፣
ኣብ ጸልማት ስለ ዘለና፡ ክንምልስ ኣይከኣልናን።
20 ኣነ ኽዛረብ ከም ዝደልስ ኪንገሮዶ ይግባእ፧
ወይስ ኪሕበሮ ዘለዎ ነገር እተዛረበዶ ኣሎ፧+
21 ንሳቶም ብርሃን እኳ ኺርእዩ ኣይከኣሉን።
እዚ ኣብ ሰማይ ብሩህ እኳ እንተ ዀነ፡
ንፋስ ሓሊፉ ንደበናታት ክሳዕ ዜልግሶ ኣይርእይዎን።
22 ካብ ሰሜን ወርቃዊ ብርሃን ይመጽእ፣
ግርማ ኣምላኽ+ ዜፍርህ እዩ።
23 ነቲ ዅሉ ዚኽእል ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና፣+
ንሱ ብሓይሊ ዓብዪ እዩ፣+
ፍትሑን ብዝሒ ጽድቁን ድማ ከቶ ኣይጥሕስን።+
24 ስለዚ፡ ሰባት ይፍርህዎ።+
ነቶም ጥበበኛታት ዝዀኑ ዚመስሎምሲ ኣብሊጹ ኣይርእዮምን እዩ።”+