ኢሳይያስ
3 ሽዑ፡ ኣዒንቲ እቶም ዚርእዩ፡ ደጊም ኣይኪዕመታን፡
ኣእዛን እቶም ዚሰምዑ ኸኣ፡ ኬቕልባ እየን።
4 ልቢ እቶም ርቡጻት ብዛዕባ ፍልጠት ኣጸቢቑ ኺሓስብ፡
ወታእ ልሳን ድማ ብምልከትን ብንጹርን ኪዛረብ እዩ።+
5 ዓሻስ ደጊም ለጋስ ተባሂሉ ኣይኪጽዋዕን፡
ስዲ ኸኣ ልዑል ኣይኪብሃልን እዩ፣
6 ዓሻስ ዕሽነት ኪዛረብ እዩ፣
ክሕደት ኬስፋሕፍሕ፡* ኣንጻር የሆዋ ፋሉል ዘረባ ኺዛረብ፡
ንጥሙይ ከየብልዕ፡*
ንጽሙእ ድማ መስተ ኪኸልእ ኢሉ፡
ልቡ ጕድኣት ኪምህዝ እዩ።+
8 ለጋስ* ግና ብዛዕባ ልግሲ ይሕልን፣
ብልግሲ ኸኣ ኪጸንዕ ይጽዕር።
9 “ኣትን ሸለልተኛታት፡ ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ!
ኣትን ቅሱናት ኣዋልድ፡+ ናብቲ ዝብለክን ኣድህባ!
10 ወይኒ ዚእረየሉ ግዜ ኣብ ዚውድኣሉ እዋን፡ ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣይኪእከብን እዩ እሞ፡+
ኣትን ቅሱናት፡ ድሕሪ ዓመትን ቍሩብ መዓልትታትን ከተንፈጥፍጣ ኢኽን።
11 ኣትን ሸለልተኛታት፡ ራዕራዕ በላ!
ኣትን ቅሱናት፡ ኣንፈጥፍጣ!
ተቐንጠጣ እሞ ጥራይክን ኩና፣
ኣብ ሓቛቝኽን ድማ ማቕ ተዓጠቓ።+
12 ብዛዕባ እቲ ተባሃጊ ግራውትን ፍርያም ኣትክልቲ ወይንን
ደረትክን እናወቓዕክን ኣልቅሳ።
14 እቲ እተዓርደ ግምብስ ተጠንጢኑ እዩ፣
እታ ጫውጫው እትብል ከተማ ተሓዲጋ እያ።+
ዖፌልን+ ግምቢ ዘብዐኛን ንሓዋሩ ዝባደመ ዀይኑ፡
መደሰቲ ኣድጊ በረኻን
መጓሰዪ መጓሰን ኰይኑ፡+
15 ካብ ላዕሊ መንፈስ ክሳዕ ዚፈስሰና፡+
እቲ በረኻ ድማ ግራት ፍረታት ክሳዕ ዚኸውን፡
እቲ ግራት ፍረታት ከኣ ከም ዱር ጌርካ ኽሳዕ ዚቝጸር፡ ከምኡ ዀይኑ ኣሎ።+
16 ሽዑ፡ ፍትሒ ኣብ በረኻ ኺነብር፡
ጽድቂ እውን ኣብ ግራት ፍረታት ኪቕመጥ እዩ።+
18 ህዝበይ ኣብ ሰላማዊ መንበሪ፡
ደሓን ኣብ ዘለዎ መንበርን ህድኣት ኣብ ዘለዎ መዕረፍን ኪቕመጥ እዩ።+
19 ግናኸ፡ ዱር ብበረድ ለጥ ኪብል፡
እታ ኸተማ ኸኣ ፈጺማ ሰጣሕ ክትከውን እያ።
20 ኣቱም ኣብ ጥቓ ዅሉ ማያት እትዘርኡ፡
ንብዕራይን ንኣድግን እውን እትፍንዉ፡ ሕጉሳት ኢኹም።”+