ግብሪ ሃዋርያት
በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ብርቱዕ መስጐጕቲ ተላዕለ፣ ብዘይካ ሃዋርያት ከኣ፡ ኵላቶም ናብ ዞባታት ይሁዳን ሰማርያን ፋሕ በሉ።+ 2 ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰብኡት ግና፡ ንእስጢፋኖስ ኪቐብርዎ ወሰድዎ፣ ብዙሕ እውን ኣልቀሱሉ። 3 ሳውል ግና ነታ ጉባኤ የጥፍኣ ነበረ። ናብ በቤት እናኣተወ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።+
4 እቶም ፋሕ ዝበሉ ግና፡ ቃል ብስራት እናኣበሰሩ ኣብታ ምድሪ ዞሩ።+ 5 ፊልጶስ ከኣ ናብ ከተማ ሰማርያ* ወሪዱ፡+ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም። 6 እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርትታት ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩን፡ ብሓደ ሰሚሮም ናብቲ ንሱ ዚዛረቦ ኣቕለቡ። 7 ከመይሲ፡ ርኹሳት መናፍስቲ፡ ካብቶም ሓዲሮምዎም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ እናጨደሩ ይወጹ ነበሩ።+ ብዙሓት ልሙሳትን ሓንካሳትን እውን ሓወዩ። 8 ኣብታ ኸተማ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።
9 ኣብታ ኸተማ ኸኣ ስምኦን ዝስሙ ቕድም ስሒር ዚገብር ዝነበረ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ ድማ ‘ዓብዪ እየ’ እናበለ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። 10 ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ኸኣ ኵላቶም፡ “እቲ ዓብዪ ዚብሃል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ” ኢሎም የቕልቡሉ ነበሩ። 11 ንነዊሕ እዋን ብስሒሩ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ የቕልቡሉ ነበሩ። 12 ፊልጶስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን+ ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም ምስ ኣመንዎ ግና፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ።+ 13 ስምኦን ባዕሉ እኳ ኣመነ፣ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ምስ ፊልጶስ ለገበ፣+ ትእምርትታትን ዓበይቲ ግብርታት ሓይልን ምስ ረኣየ እውን፡ ኣስተንከረ።
14 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ሰማርያ ቓል ኣምላኽ ከም እተቐበለት ምስ ሰምዑ፡+ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ለኣኹሎም፣ 15 ንሳቶም ወሪዶም ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪረኽቡ ጸለዩሎም።+ 16 ምኽንያቱ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ጥራይ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ናብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ።+ 17 ሽዑ፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም+ እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።
18 ስምኦን ከኣ እቲ መንፈስ ብምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ ገንዘብ ኣምጺኡ፡ 19 “ኣነ ኢደይ ዘንብረሉ ዘበለ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንዓይ እውን እዚ ስልጣን እዚ ሃቡኒ” በሎም። 20 ጴጥሮስ ግና፡ “ነቲ ናጻ ውህበት ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሓሰብካ፡ ብሩርካ ምሳኻ ይጥፋእ።+ 21 ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ግደ የብልካን። 22 እምበኣር፡ ካብዚ ኽፍኣትካ ተነሳሕ፣ ምናልባት ክፍኣት ልብኻ እንተ ሓደገልካ፡ ናብ የሆዋ* ተማህለል፣ 23 መሪር መርዝን* ባርያ ዓመጻን ምዃንካስ እርኢ ኣለኹ” በሎ። 24 ስምኦን ከኣ፡ “ካብዚ ዝበልኩምዎ ሓደ እኳ ኸይበጽሓንስ፡ ናብ የሆዋ* ተማህለሉለይ” ኢሉ መለሰሎም።
25 ንሳቶም ድማ ኣጸቢቖም ምስ መስከሩን ቃል የሆዋ* ምስ ነገሩን፡ ኣብ ብዙሓት ኣቝሻት ሳምራውያን እናኣበሰሩ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።+
26 ግናኸ፡ መልኣኽ የሆዋ*+ ንፊልጶስ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ደቡብ፡ ናብታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋዛ እተውርድ መገዲ ኺድ” ኢሉ ተዛረቦ። (ንሳ መገዲ ምድረ በዳ እያ።) 27 ተንሲኡ ኸኣ ከደ፣ እንሆ ድማ፡ ሓደ ስሉብ ኢትዮጵያዊ፡* ኣብ ትሕቲ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ስልጣን ዝነበሮ፡ ኣብኣ ነበረ። ንሱ ኼምልኽ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ነበረ፣+ 28 ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ የንብብ ነበረ። 29 መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ “ኪድ ናብቲ ሰረገላ ቕረብ” በሎ። 30 ፊልጶስ ጐድኒ ጐድኑ ጐየየ፡ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ ኼንብብ ከሎ ድማ ሰምዖ እሞ፡ “ነቲ እተንብቦስ ብሓቂዶ ትፈልጦ* ኢኻ፧” በሎ። 31 ንሱ ኸኣ፡ “ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” በሎ። ንፊልጶስ ድማ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ። 32 እቲ ዓው ኢሉ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ቕዱስ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፦ “ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተወሲዱ፣ ኣብ ቅድሚ ቐምቃማዩ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል* ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን።+ 33 ብግዜ ውርደቱ፡ ፍትሒ ኻብኡ ተወሲዳ።+ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ብዛዕባ ናይ ወለዶኡ ዝርዝር መን ኬዘንቱ እዩ፧”+
34 እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ “እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዚብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ፧ በጃኻ ንገረኒ” በሎ። 35 ፊልጶስ ድማ ኣፉ ኸፈተ፣ ካብዚ ቕዱስ ጽሑፍ እዚ ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ። 36 መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ፣ እቲ ስሉብ ከኣ፡ “እንሆ ማይ፣ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” በለ። 37 *—— 38 ሽዑ፡ እቲ ሰረገላ ደው ኪብል ኣዘዘ፣ ክልቲኦም ፊልጶስን እቲ ስሉብን ናብቲ ማይ ወረዱ፣ ኣጥመቖ እውን። 39 ካብ ማይ ምስ ወጹ ድማ፡ መንፈስ የሆዋ* ንፊልጶስ ብቕልጡፍ መርሖ፣ እቲ ስሉብ ድማ ተሓጒሱ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን። 40 ፊልጶስ ከኣ ኣብ ኣሽዶድ ተረኽበ፣ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዚበጽሕ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ኸተማታት እናዞረ የበስር ነበረ።+