ምሳሌ
27 መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡
ብጽባሕ ኣይትመካሕ።+
3 እምኒ ኸቢድ እዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚን እዩ፣
ዓሻ ዜሕርቐካ ሕርቃን ግና ካብ ክልቲኡ ይኸብድ።+
4 ጭካነ ነድርን ውሒዝ ቍጥዓን ኣሎ፣
ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ደው ኪብል ይኽእል፧+
5 ካብ ሕቡእ ፍቕርስ፡ ግሉጽ መግናሕቲ ይሓይሽ።+
8 ካብ ቤቱ ዚዅብልል ሰብ፡
ከምታ ኻብ ሰፈራ እትዅብልል* ዑፍ እዩ።
14 ሓደ ሰብ ኣንጊሁ ዓው ኢሉ ንብጻዩ ምስ ዚምርቖ፡
ከም ዝረገሞ እዩ ዚቝጸር።
15 ነግራም* ሰበይቲ ኸምቲ ብመዓልቲ ዝናም ከየቋረጸ ዜልሕዅ ናሕሲ እያ።+
16 ንዓኣ ኺዓግት ዚኽእልሲ፡ ንንፋስ ኪዓግት፡
ብየማነይቲ ኢዱ ድማ ዘይቲ ኺዓሙዅ ይኽእል እዩ።
19 ከምቲ ማይ ንገጽ ዜንጸባርቖ፡
ልቢ ሓደ ሰብ ከኣ ነቲ ናይቲ ሓደ የንጸባርቖ።
22 ንዓሻ ኸም እተጐድአ እኽሊ ኣብ መጕእ ኣእቲኻ
ብወዲ መጕእ እንተ ትጐድኦ እኳ፡
ዕሽነቱ ኣይምሓደጎን።
23 ትርኢት መጓሰኻ ኣጸቢቕካ ፍለጥ።
24 ሃብትስ ንዘለኣለም፡
ዘውዲ እውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ።+
25 ሳዕሪ ይጠፍእ፡ ለቕሚ ይበቍል፣
ኣትክልቲ ኣኽራን ድማ ይእከብ።
26 ገንሸላት* ክዳን ይዀኑኻ፣
ድቤላታት ድማ ዋጋ ግራት ይዀኑኻ።
27 ንምግብኻን ንምግቢ ቤተ ሰብካን ንመነባብሮ ኣግራድካን
ዚኣክል ጸባ ጤል ይህሉ።