ዘሌዋውያን
12 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰበይቲ እንተ ጠኒሳ፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወሊዳ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ርኽሰት ጻግኒኣ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ትረክስ።+ 3 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር።+ 4 ንዚቕጽል 33 መዓልቲ ኸኣ ካብቲ ደም፡ ገዛእ ርእሳ ተንጽህ። መዓልትታት ንጽህናኣ ኽሳዕ ዚመልኣ ድማ ቅዱስ ዘበለ ኣይትተንኪ፡ ናብ መቕደስ እውን ኣይትእቶ።
5 “‘ጓል እንተ ወሊዳ፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒኣ፡ 14 መዓልቲ ትረክስ። ንዚቕጽል 66 መዓልቲ ኸኣ ካብቲ ደም፡ ገዛእ ርእሳ ተንጽህ። 6 ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልትታት ንጽህናኣ ምስ መልአት፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸል* ንዚሓርር መስዋእቲ፡+ ጫቚት ርግቢ ወይ ባሬቶ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ካህን ተምጽእ። 7 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርቦ፡ የተዓርቃ ኸኣ፡ ካብ ምፍሳስ ደማ እውን ትነጽህ። ወዲ ወይ ጓል ንዝወለደት ዚኸውን ሕጊ እዚ እዩ። 8 ንበጊዕ ዚኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብላ ግና፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ፡+ ሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ትውሰድ፣ እቲ ኻህን ድማ የተዓርቃ፡ ትነጽህ ከኣ።’”