ዘጸኣት
7 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ርአ፡ ንፈርኦን ከም ኣምላኽ ገይረካ* ኣለኹ፣ ኣሮን ሓውካ ድማ ነብዪኻ ኪኸውን እዩ።+ 2 ንስኻ ነቲ ዝእዝዘካ ዘበለ ኽትዛረብ ኢኻ፣ ሓውካ ኣሮን ከኣ ንፈርኦን ኪዛረቦ እዩ፣ ንሱ ድማ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሩ ኺሰድዶም እዩ። 3 ኣነ ግና ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ክሓድጎ እየ፣+ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ትእምርትታተይን ተኣምራተይን ከብዝሕ እየ።+ 4 ፈርኦን ግና ኣይኪሰምዓኩምን እዩ። ኣነ ድማ ኢደይ ኣብ ግብጺ ኸንብር፡ ንሰራዊተይ ንህዝበይ እስራኤላውያን ከኣ ካብ ምድሪ ግብጺ ብዓበይቲ ፍርድታት ከውጽኦም እየ።+ 5 ግብጻውያን ድማ ኢደይ ኣንጻር ግብጺ ዘርጊሐ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ማእከሎም ምስ ኣውጻእክዎም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።”+ 6 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ገበሩ፣ ልክዕ ከምኡ ገበሩ። 7 ንፈርኦን ኪዛረብዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ሙሴ ወዲ 80 ዓመት፡ ኣሮን ድማ ወዲ 83 ዓመት ኰይኖም ነበሩ።+
8 የሆዋ ኸኣ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ በሎም፦ 9 “ፈርኦን፡ ‘ተኣምር ግበሩ’ እንተ ኢሉኩም፡ ሽዑ ንኣሮን፡ ‘በትርኻ ወሲድካ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደርብያ’ በሎ። ዓብዪ ተመን ከኣ ክትከውን እያ።”+ 10 ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም፡ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ከኣ ነታ በትሩ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ደርበያ እሞ፡ ዓብዪ ተመን ኰነት። 11 ፈርኦን ግና ነቶም ጥበበኛታትን ኣስማተኛታትን ጸውዖም፣ እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ግብጺ+ እውን ብስሒሮም ከምኡ ገበሩ።+ 12 ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ እሞ፡ ዓበይቲ ኣትማን ኰና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣባትሮም ወሓጠተን። 13 ግናኸ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፣+ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ድማ፡ ኣይሰምዖምን።
14 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ልቢ ፈርኦን ተሪሩ እዩ።+ ነቲ ህዝቢ ምስዳዱ ኣብዩ ኣሎ። 15 ንግሆ ናብ ፈርኦን ኪድ። እንሆ፡ ናብ ማይ ኪወጽእ እዩ። ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ክትረኽቦ ድማ ደው ኢልካ ጽናሕ፣ ነታ ናብ ተመን እተለወጠት በትሪ ኸኣ ኣብ ኢድካ ውሰዳ።+ 16 ከምዚ ድማ በሎ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን ናባኻ ልኢኹኒ፣+ “ኣብ በረኻ ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም” ኢሉካስ፡ ንስኻ ግና ክሳዕ ሕጂ ኣይተኣዘዝካን። 17 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ በዚ ኽትፈልጥ ኢኻ።+ እንሆ፡ ነቲ ኣብ ፈለግ ኒል ዘሎ ማይ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ እወቕዖ ኣለኹ፣ ናብ ደም ከኣ ኪልወጥ እዩ። 18 እቶም ኣብ ኒል ዘለዉ ዓሳ ኸኣ ኪሞቱ እዮም፣ ኒል ድማ ኪጽይእ እዩ፣ ግብጻውያን ከኣ ካብ ኒል ማይ ምስታይ ኣይኪኽእሉን እዮም።”’”
19 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ንኣሮን፡ ‘ደም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ በትርኻ ወሲድካ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ፡+ ናብ ልዕሊ ኣፍላጋ፡ ናብ ልዕሊ መትረባታ፡* ናብ ልዕሊ ረግረጋታ፡+ ናብ ልዕሊ ዅሉ መዕቘሪታታ ዘርግሕ’ በሎ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ፡ ኣብ ኣቕሑ ዕንጨይትን ኣቕሑ እምንን እውን ከይተረፈ ደም ኪኸውን እዩ” በሎ። 20 ብኡብኡ ድማ፡ ሙሴን ኣሮንን ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ገበሩ። ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ፈርኦንን ገላዉኡን ነታ በትሪ ኣልዒሉ ነቲ ኣብ ፈለግ ኒል ዝነበረ ማይ ወቕዖ፣ ኵሉ እቲ ኣብቲ ፈለግ ዝነበረ ማይ ድማ ናብ ደም ተለወጠ።+ 21 እቶም ኣብቲ ፈለግ ዝነበሩ ዓሳ ኸኣ ሞቱ፣+ እቲ ፈለግ እውን ጸይአ። ግብጻውያን ድማ ካብ ኒል ማይ ኪሰትዩ ኣይከኣሉን።+ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ደም ኰነ።
22 ግናኸ፡ እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ግብጺ በቲ ስዉር ተግባራቶም ከምኡ ገበሩ።+ ስለዚ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ድማ፡ ኣይሰምዖምን።+ 23 ሽዑ፡ ፈርኦን ናብ ቤቱ ተመልሰ፣ ነዚ እውን ናብ ልቡ ኣየእተዎን። 24 ካብ ኒል ማይ ኪሰትዩ ስለ ዘይከኣሉ ኸኣ፡ ኵሎም ግብጻውያን ዚስተ ማይ ደልዮም ኣብ ዙርያ ኒል ኰዓቱ። 25 የሆዋ ንኒል ካብ ዚወቕዖ ድማ፡ ሸውዓተ መዓልቲ መልአ።