መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብ“ኣይተጥፍእ።” ናይ ዳዊት። ሚክታም።* ካብ ሳኦል ናብ በዓቲ ምስ ሃደመ።+
2 ነቲ ልዑል ኣምላኽ፡
ነቲ ነዚ መወዳእታ ዚገብረለይ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እጽውዖ ኣለኹ።
3 ካብ ሰማይ ረድኤት ኪሰድደለይን ኬድሕነንን እዩ።+
ነቲ ዚነኽሰኒ፡ ኬፍሽለሉ እዩ። (ሴላ)
ኣምላኽ ነቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ተኣማንነቱን ኪልእኽ እዩ።+
5 ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣
ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።+
ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኵዒቶም ኣለዉ፣
ግናኸ፡ ንሳቶም ኣብኡ ወዲቖም።+ (ሴላ)
7 ኦ ኣምላኽ፡ ልበይ ጽኑዕ እዩ፣+
ልበይ ጽኑዕ እዩ።
ክዝምርን ከዝይምን እየ።
8 ክብረየ፡ ንቓሕ።
ኦ በገና፡ ንስኺ እውን ኦ መሰንቆ፡* ንቕሒ።
ንወጋሕታ ኸንቅሖ እየ።+
10 እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻስ ዓብዪ፡ ክሳብ ሰማያት፡
እቲ ተኣማንነትካ ድማ ክሳብ ጠፈር እዩ።+
11 ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣
ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።+