ናይ ዳዊት መዝሙር።
143 ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣+
ናብ ልማኖይ ጽን በል።
ብተኣማንነትካን ብጽድቅኻን መልሰለይ።
2 ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ ዝዀነ ህያው የልቦን እሞ፡+
ምስ ጊልያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
3 ጸላእስ ይሰጕጐኒ ኣሎ፣
ንህይወተይ ናብ ምድሪ ደርብዩ ሓምሺሽዋ ኣሎ።
ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ።
4 መንፈሰይ ጠሊሙ፣+
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ደንዚዙ።+
5 ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡
ንዅሉ ተግባርካ አስተንትነሉ፡+
ብዛዕባ ግብሪ ኣእዳውካ ድማ ብህንጥዮት ኣጸቢቐ እሓስብ እየ።
6 ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣለኹ፣
ኣነስ ከምታ ንዓኻ ዝጸምአት ምድሪ ኣጻምእ እየ።+ (ሴላ)
7 ኦ የሆዋ፡ ብርታዐይ ተወዲኡ እዩ እሞ፡+
ቀልጢፍካ መልሰለይ።+
ገጽካ ኣይትኸውለለይ፣+
እንተ ዘይኰነስ፡ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ክኸውን እየ።+
8 ብኣኻ እእመን እየ እሞ፡
ንግሆ ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣስምዓኒ።
ናባኻ እየ ዘብል እሞ፡
ዝኸደላ መገዲ ኣፍልጠኒ።+
9 ኦ የሆዋ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ።
ዕቝባኻ እደሊ እየ።+
10 ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡
ፍቓድካ ኽገብር ምሃረኒ።+
መንፈስካ ጽቡቕ እዩ፣
ብጥጡሕ ምድሪ ይምርሓኒ።
11 ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ፡ ብህይወት ኣንብረኒ።
ብጽድቅኻ ኻብ ጭንቂ ኣናግፈኒ።+
12 ኣነ ጊልያኻ እየ እሞ፡+
በታ ብተኣማንነት እተርእያ ፍቕርኻ፡ ንጸላእተይ ወድኣዮም፣+
ንዅሎም እቶም ዜጨንቑኒ ኣጥፍኣዮም።+