መዝሙር
ማህሌት። ናይ ደቂ ቆራሕ መዝሙር።+
48 ኣብ ከተማ ኣምላኽና፡ ኣብ ቅዱስ ከረኑ፡
የሆዋ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ።
4 እንሆ፡ ነገስታትሲ ተኣኪቦም፣*
ሓቢሮም ከኣ ገስጊሶም።
5 ምስ ረኣይዋ፡ ተደኒቖም።
ሰምቢዶም፡ ተሸቢሮም ድማ ሃዲሞም።
6 ኣብኡ ራዕዲ፡
ከም ናይ እትወልድ ሰበይቲ ዝበለ ቕልውላው ሒዝዎም።
7 ንስኻ ብንፋስ ምብራቕ ንመራኽብ ተርሲስ ትሰባብረን።
8 ነቲ ዝሰማዕናዮ፡
ኣብ ከተማ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ ከተማ ኣምላኽና ባዕልና ርኢናዮ።
ኣምላኽ ንዘለኣለም ኬጽንዓ እዩ።+ (ሴላ)
9 ኦ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስካ
ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣጸቢቕና ሓሲብና።+
10 ኦ ኣምላኽ፡ ውዳሰኻ ኸም ስምካ
ኽሳብ ወሰናት ምድሪ ይበጽሕ።+
የማነይቲ ኢድካ ጽድቂ መሊኣ ኣላ።+
ንዚመጽእ ወለዶታት ብዛዕባኡ ኽትነግሩስ፡
ንእተዓርደ ግምብታታ መርምርዎ።
14 እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ።+