እዮብ
36 ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ በለ፦
2 “ምእንቲ ኣምላኽ ገና ዘረባ ኣሎኒ እሞ፡
ክገልጽ ከለኹ ቝሩብ ተዓገሰኒ።
3 ብዛዕባ እቲ ዝፈልጦ ብሰፊሑ ኽዛረብ እየ፣
ገባርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኽነግር እየ።+
4 ብሓቂ፡ ዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፣
እቲ ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ+ ኣብዚ ኣብ ቅድሜኻ ኣሎ።
8 ግናኸ፡ ብመቝሕ እንተ ተኣሲሮም፡
ብኣግማድ ጸበባ ድማ እንተ ተታሒዞም፡
9 ንሱ ንተግባሮም፡
ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ኣበሳኦም ይገልጸሎም።
10 ኣእዛኖም ንመአረምታ ይኸፍት፣
ካብ ክፉእ ግብሪ ኺምለሱ ኸኣ ይነግሮም።+
13 እቶም ብልቦም ኣምላኽ ዘይብሎም* ቂም ይሕዙ።
ምስ ኣሰሮም እኳ ኣየእውዩን።
15 ኣምላኽ* ግና ንውጹዓት ብግዜ ጸበባኦም የናግፎም፣
ምስ ተጨቈኑ፡ ኣእዛኖም ይኸፍት።
17 ፍርዲ ምስ ተዋህበን ፍትሒ ምስ ተደገፈን፡
ሽዑ፡ በቲ ኣብ እኩይ ዚወርድ ፍርዲ ኽትዓግብ ኢኻ።+
19 ኣውያትካ ወይ ዜትዕብ ጻዕርኻዶ
ኻብ ጭንቂ ኺሕልወካ ይኽእል እዩ፧+
20 ነታ ሰባት ካብ ቦታኦም ዚጠፍኡላ
ለይቲ ኣይትናፍቃ።
21 ካብ ጸበባስ ክፉእ ተግባር ሓሪኻ
ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ።+
22 እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፣
ከምኡ ዝበለ መምህር መን እዩ፧
‘ጌጋ ኢኻ ጌርካ’ ዚብሎኸ መን እዩ፧+
25 ኵሎም ሰባት ርእዮምዎ፣
መዋቲ ሰብ ግና ካብ ርሑቕ ይጥምት።
32 ብኣእዳዉ ንበርቂ ይሽፍኖ፣
ናብ ዕላማኡ ኸኣ ይመርሖ።+
33 ነጕዱ ብዛዕባኡ ይነግር፣
ማል እኳ መን* ይመጽእ ከም ዘሎ ይነግራ።