ሆሴእ
ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣቕልቡ፣
ኣቱም ቤት ንጉስ፡ ጽን በሉ፣
ንሚጽጳ መጻወድያ፡
ኣብ ታቦር+ ከኣ እተዘርግሐ መርበብ ስለ ዝዀንኩምሲ፡
እዚ ፍርዲ ንዓኻትኩም ዚምልከት እዩ።
6 ብጤለ በጊዖምን ብኸብቶምን ንየሆዋ ኺደልይዎ ኸይዶም እዮም፣
ኪረኽብዎ ግና ኣይከኣሉን።
ንሱስ ካባታቶም ርሒቑ እዩ።+
7 ጓኖት ደቂ ወሊዶም እዮም እሞ፡
ንየሆዋ ጠሊሞምዎ እዮም።+
ሕጂ፡ ሓንቲ ወርሒ ምስ ግዲኦም* ክትውሕጦም እያ።*
8 ኣብ ጊብዓ መለኸት ቀርኒ፡+ ኣብ ራማ መለኸት ንፍሑ!+
ኣብ ቤት-ኣዌን+ ጭድርታ ውግእ ጨድሩ፡—ኣታ ብንያም፡ ድሕሬኻ!
9 ኣታ ኤፍሬም፡ ብመዓልቲ መቕጻዕቲ መሰክሒ ኽትከውን ኢኻ።+
ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ብርግጽ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍሊጠ ኣለኹ።
10 መሳፍንቲ ይሁዳ ኸምቶም ዶብ ዜግዕዙ እዮም።+
ነድረይ ከም ማይ ክኽዕወሎም እየ።
11 ኤፍሬም ደድሕሪ ተጻራሪኡ ኪኸይድ ቈሪጹ እዩ እሞ፡+
ተጨቊኑ፡ ብፍርዲ ኸኣ ተደቚሱ እዩ።
12 ስለዚ፡ ኣነ ንኤፍሬም ከም ብልዒ፡*
ንቤት ይሁዳ ድማ ከም ቍንቍነ ነይረ።
13 ኤፍሬም ሕማሙ፡ ይሁዳ ኸኣ ቍስሉ ምስ ረኣየ፡
ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከይዱ፡+ ዓብዪ ንጉስ እውን ልኢኹ።
ግናኸ፡ ኬሕውየኩም ኣይከኣለን፣
ቍስልኹም እውን ኪፍውስ ኣይከኣለን።
14 ኣነስ ንኤፍሬም ከም ዘይባጽሐ ኣንበሳ፡
ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክዀኖ እየ።
ምስ ጨነቖም፡ ኪደልዩኒ እዮም።”+