መዝሙር
ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+
2 ካብ ጽዮን፡ እታ ፍጽምና ጽባቐ፡+ ኣምላኽ ኣብሪሁ።
3 ኣምላኽና ይመጽእ፡ ስቕ ድማ ኣይብልን እዩ።+
6 ኣምላኽ ፈራዲ እዩ እሞ፡+
ሰማያት ጽድቁ ይእውጁ። (ሴላ)
7 “ኣታ ህዝበይ፡ ስማዕ፡ ክዛረብ እየ፣
ኣታ እስራኤል፡ ኣንጻርካ ኽምስክር እየ።+
ኣነ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ እየ።+
8 ኣነ ዝገንሓካስ ብምኽንያት መስዋእትኻ፡
ብምኽንያት እቲ ወትሩ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኻ ኣይኰነን።+
9 ካብ ቤትካ ዝራብዕ፡
ካብ ደምበኻ ኸኣ ድቤላታት ክወስድ ኣየድልየንን እዩ።+
10 ከመይሲ፡ ኵሎም እንስሳ ዱር፡
ኣብ ሽሕ ኣኽራን ዘለዉ እንስሳታት እውን ናተይ እዮም።+
11 ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን እየ፣+
ቍጽሪ ዘይብሎም እንስሳታት መሮር ድማ ናተይ እዮም።
12 ፍርያም ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናተይ እዩ እሞ፡+
እንተ ዝጠሚ፡ ኣይምነገርኩኻን።
13 ስጋ ኣብዑርዶ እበልዕ እየ፧
ደም ድቤላታትዶኸ እሰቲ እየ፧+
15 ብግዜ ጭንቂ ጸውዓኒ።+
ኣነ ኸናግፈካ እየ፡ ንስኻ እውን ከተኽብረኒ ኢኻ።”+
16 ግናኸ፡ ኣምላኽ ንእኩይ ከምዚ ይብሎ፦
19 ንኣፍካ ሕማቕ ንምስፍሕፋሕ ትጥቀመሉ፣
ምትላል ድማ ምስ ልሳንካ ለጊቡ ኣሎ።+
21 እዚ ምስ ገበርካ፡ ኣነ ስቕ ኢለ፣
ስለዚ፡ ከማኻ ዝኸውን መሲሉካ።
ሕጂ ግና ክገንሓካ፡
ምሳኻ ዘሎኒ ነገር ድማ ከቕርበልካ እየ።+
22 ዜናግፈኩም ዘይብልኩም ኣነ ኸይሰላልዓኩምሲ፡
ኣቱም ንኣምላኽ እትርስዕዎ፡ በጃኹም ነዚ ሕሰቡሉ።+