እዮብ
32 እዮብ ጻድቕ ምዃኑ ኣሚኑ ስለ ዝነበረ፡*+ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃቡ ሓደጉ። 2 ኤሊሁ ወዲ ባርኪኤል እቲ ቡዛዊ+ ኻብ ዓሌት ራም ግና፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ንእዮብ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ፡ ንርእሱ* ስለ ዘጽደቓ፡ ኣዝዩ ተቘጥዖ።+ 3 ነቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ እውን፡ ንኣምላኽ ደኣ ኸም እኩይ ገበርዎ እምበር፡ ምላሽ ብዘይምርካቦም፡ ኣዝዩ ተቘጥዖም።+ 4 ብዕድመ ይዓብይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኤሊሁ ንእዮብ ኪምልሰሉ ይጽበ ነበረ።+ 5 ኤሊሁ፡ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ከም ዘይብሎም ምስ ረኣየ ግና፡ ቍጥዓኡ ነደደ። 6 ሽዑ፡ ኤሊሁ ወዲ ባርኪኤል እቲ ቡዛዊ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፦
ስለዚ፡ ብኣኽብሮት ተቘጢበ፡+
ዝፈልጦ እውን ክነግረኩም ኣይደፈርኩን።
7 ‘ዕድመ* ይዛረብ፡
ብዝሒ ዓመታት ከኣ ጥበብ የፍልጥ’ ኢለ ሓሲበ ነይረ።
8 ግናኸ፡ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስ፡
ትንፋስ እቲ ዅሉ ዚኽእል እዩ ኣእምሮ ዚህብ።+
10 ስለዚ፡ ‘ስምዑኒ፡
ኣነ እውን ዝፈልጦ ኽነግረኩም እየ’ ኢለ።
13 ስለዚ፡ ‘ጥበብ ረኺብና ኣለና፣
ኣምላኽ እዩ ዚረትዖ እምበር፡ ሰብ ኣይኰነን’ ኣይትበሉ።
14 ንዓይ ኣይኰነን ተዛሪቡኒ እሞ፡
ብመጐተኹም ኣይክምልሰሉን እየ።
15 ንሳቶምሲ ተዳሂሎም እዮም፣ ዚምልስዎ የብሎምን፡
ዚብልዎ እውን የብሎምን።
16 ተጸብየዮም፣ ግናኸ፡ ኣይተዛረቡን፣
ምላሽ ስኢኖም ደው ኢሎም ኣለዉ።
19 ውሽጠይሲ መተንፍሶ ኸም ዘይብሉ ወይኒ፡
ኪቕደድ ከም ዝቐረበ ሓድሽ ሓርቢ ወይኒ ዀይኑ ኣሎ።+
20 ክዛረብ እሞ ኸተንፍስ፡
ከናፍረይ ከፊተ ኽምልስ እየ።